Dehai News

(HdriMedia) መኣዲ ንባብ መጻሕፍቲ ኤርትራ: መኸተ (meKete)

Posted by: HdriMedia

Date: Saturday, 18 September 2021

መኣዲ ንባብ መጻሕፍቲ ኤርትራ: መኸተ (meKete)

https://hdrimedia.com/መኣዲ-ንባብ-መጻሕፍቲ-ኤርትራ-መኸተ-mekete/

“ዘንብብ ይዕምብብ” ዝብል ሃብታም ብሂል ወለድና ኣሎ። እዞም ኣብ ስደት እንነብር ዜጋታት ከመይ ጌርና ነዚ ምዕቡል ልምድን ባህልን ኣብ ዘዘሎናዮ ከነማዕብሎን ከነስፍሖን ንኽእል ካብ ዝብል ቅዱስ ሕልና ተበጊስና፡ “መኣዲ ንባብ መጻሕፍቲ ኤርትራ” (Eri Book Reading Club) ዝተባህለት፡ ኣብ መጽሓፍቲ ኣንቢብካ ምስትምቓር፡ ምትንታን፡ ትሕዝቶ መጻሕፍቲ ምፍታሽን ምክታዕን ዘድሃበት፡ መኣዲ ንባብ ጀሚርና ድሮ ሳልሳይ መጽሓፍ ንምንባብ ንቕረብ ኣሎና፡፡

እዛ ሕጂ ከነንብባ ንቕረብ ዘለና መጽሓፍ “መኸተ፡ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር” ዘርእስታ ታሽዐይቲ ቅጺ “ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ” ኮይና ንናጻ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዘረጋገጸቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ትርጉም ኣልቦ ንምግባር ዝተፈተነ ሰለስተ ገዘፍቲ ወራራት ስርዓት ወያነን ነዚ ወራራት’ዚ ኣብ ምፍሻል ደጊሙ ዝተመስከረ ጅግንነታዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ብዕሙቅ መገዲ ትገልጽ መጽሓፍ እያ።

መጽሓፍ “መኸተ” ምንባብ ንጅምረሉ ዕለት፡ ቀዳም ጥቅምቲ 16 2021 እዩ። ምሳና ሓቢርኩም ክትሳተፉ ንዕድም።

ዕለት (Date): ኩሉ ጊዜ ቀዳም ቀዳም: ሰዓት 11:00 ቅድሚ–ቀትሪ ብናይ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቆጻጽራ
Zoom: https://zoom.us/j/94997710651?pwd=Zm1NNy9IZkhoV2RPSDRLUkg1Q3VSZz09

ኣብዚ ኣቲኹም ተመዝገቡ፡ https://docs.google.com/forms/d/1iahhzMZvawRPoJFRbvlL2BQ7cAvfENaJTGyAJ6z–xY/edit
ብድሓን ምጹ!!

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንፍጹም ተስፋሚካኤል ኣብ 614-441-2913 ተወከሱ፡፡


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events