Dehai News

NationalerInterest.com: እዋናዊ፡ ሰበስልጣን ሆላንድ ኣብ ክንዲ ረብሓታት ገዛእ ሃገሮም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘቋምቱ፡ መሳርሒ ዕሱባት ዉልቀሰባት፡ ንዘይፈልጥዎ ዉዲት ኣጀንዳ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 01 November 2020

ንጉዳይ ስጉምቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ስተፍ ብሎክ (Stef Blok) ዝተተሓሓዘን፡ ገለ ሓገዝቲ ነጥብታት ንጉዳያት ዝምድናታት ወጻኢ ዝምልከትን፡

 

ኣብ ሆላንድ ልክዕ'ዩ፡ ኣዚዮም ብዙሓትን ዝሓመቁን ጸላእቲ ኣለዉና። ብቀዳምነት ንምጥቃስ፡

 

1. እታ ኩሉ ናይ ትምህርትን ስራሕን መጽናዕታዊ ወረቃቅታ (Work and Academic Research Papers) ብ"ትግራይ ከመይ ኢላ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋሕ-ፋሕ ኣቢላ፡ ንገዛእ ርእሳ ሃገር ትኸዉን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣጀንዳ፡ ምስ ዩኒቨርስቲ መቀለ ኮይና ትዓዩ፡ ሆላንዳዊት ፕሮፌሰር ሚሪጃም ቫን ራይዝን (Pro. Mirjam van Reisen) ኢያ።

•√ እዛ ዉልቀሰብ፡ ንግደፎ እሞ እዚ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኤርትራ - ሆላንድ ክበላሾ፡ ንትጻወቶ ዘላ ኣሉታዊ ተራ፡

 

ብዓቢኡ ኣብ "ምፍላስ ህዝቢ ኤርትራ" (Depopulation Agenda)፡ ምስ ከምኣ ዝኣመሰሉ ኣብ ዓዉዲ ስነ-ሕብረተሰብ (Social Engineering) ዝነጥፉ ወጻእተኛታት ምሁራንን፡ ናይ ኤዉረጳ ዩኒቨርስታት፡ ትካላት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያን ማሕበራት፡ ከምኡ ዉን ናይ ክልል ትግራይ ዩኒቨርስታትን፡ ጉጅለን ብምዃን፡ ለይትን ቀትርን ሰሪሓ ብግብሪ ኣብዚ ገበን ዝተቋማጠዐት ኢያ።

•√ ብናይ ኢትዮጲያ ጉዳይ ዉን፡ ርግጸኛታት ኣይኮናን ኣብዚ ምስታፋ፡ ግን ኣብ'ቲ ከም ፓይሎት ፕሮጀክት ኣብ ርእሲ "ነበርቲ ወልቃይት ጸገዴ" ዝፈተንዎ ናይ ምጽናት ዓሌትን፡ ምድኳን ሓደስቲ ናይ ተጋሩ ሰፈራታትን (Social Engineering Over Wolkayt-Tsegede Region and Tigrayn Resentment Projects)፡ ኢድ ክህልዋ ትጽበዪ ጉዳይ'ዪ። እቲ ዕላማ ቤት ፈተነ፡ ኣብ ናይ ወልቃይት-ጸጌዴ፡ ኣብ ርእሲ ኤርትራን ህዝባን ምድጋም ድማ ኢዮ ኔሩ።

•√ ብቀንዱ ዉን፡ ኣባልን ሃንዳሲትን እቲ ብ"መረብ ኢንስቲቱት ንምህናጽ ሰላምን ምዕባለን" (Mereb Institute for Peace Rehabilitation and Developments)፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ትግራይ ልሂቃን ህንደሳ፡ ያኢ ኣብ ሩባ መረብ ተኺልካ፡ ከም ንኤርትራ ጠቢርካ ምስ ትግራይ ንምልጋባ፡ ተባሂሉ ዝቋመ ትካል፡ (ኣብ ፕሮጀክት ዓባይ ትግራይ ዝተጠቃለል)፡ ኣባሉን ሃንዳሲቱን ኢያ።

 

2. ካልኣይ፡ ኣብ መንግስታዊ ዕዮ ኤርትራ ዝነበረ እሞ፡ ንኤዉረጳ ዝሓከለ፡ ዳይረክቶር ባንኪ ኤርትራ ነበረ፡ ኣቶ ኩፍሎም ዳፍላ ኢዪ።

•√ እዚ ዉልቀሰብ ድማ፡ ብጀካ እቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ሆላንድ ዝገብሮ ርክባትን፡ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝበርክቶ ኣሉታዊ ተራን፡ ኣብዚ ጉዳይ ወይ ፕሮጀክት ዓባይ ትግራይ ዉን ብንጹር ተሳታፍን፡ ተሓታትን ኢዩ።

 

3. ካልኦት፡ ንበዓል "በየነ፡ ገብረዝጋቢሄር" ..ወዘተ፡ ዝተባህሉ ወደብቲ "ጸልማት መጻኢ" ወሲኽካ ተረፍ-መረፍ ኢዮም፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዕዮ ክጸልዉስ ይትረፍ፡ መሃይምነት ዉን ኣየጥፍኡን።

እዞም ሰባት፡ ከምኦም ሕማቃት ሰባት ወዲቦም ዝዓየይዎ ናይ ሓባር ስራሕ እንተኔሩ፡ ኣብ 2017 መንእሰያት ህግደፍ ብደረጃ ኤዉረጳ ኣብ ከተማ ቫልደሂቨን (Veldhoven) ጉባኤ ንከየካይዱ፡ ንከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ጃክ ሚከር (Mr. Jack Mikkers) ከምኡ ዉን ኣኽበርቲ ጸጥታ እታ ከተማ ወዲቦም፡ ነቲ "ናይ ምእካብ መሰል" ዉን ዝብልዎ ረጊጾም፡ ነቲ መደብ ካብ ምክያዱ ክኽልክልዎ ምክኣሎም፡ ናይ ትማል ተዘክሮ ኢዩ። ኣብ ዓመቱ ከኣ፡ ከንቲባ እቲ ከተማ ብዝወሰዶ ዉሳኔ፡ ብሕጊ ተረቲዑ ምዉጽኡ ይዝከር።

 

ካልእ፡ ኣካል እቲ ብደረጃ ዓለም ሓደ ዜጋ ናይ "2%" ቀረጽ፡ ንሃገሩ ከይከፍል ዝካየድ ዝነበረ ፍሹል ጎስጓሳት ዉን፡ ኣብ ሆላንድ በዞም ሰባት ብዕቱብ ተሰሪሕሉ ኢዩ።

 

ሕጂ ዘዛርብ እንበኣር፡ እዚኦም ኢዮም ኣብ ሆላንድ መጻምድና።

ልክዕ'ዩ ሃገራት ኤዉረጳ ይኩና ሰሜን ኣሜሪካ፡ እዚ ኩሉ ናታተን ህንደሳ ኢዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምጉዓዝ/ምጽማድ ይከኣል፡

 

1. ብሃናጺን ቀጻልን ዲፕሎማሲያዊ ዕዮ (Constructive & Steady Diplomatic Engagements) ነዞም ሰባት ኣብታ ዘለዉዋ ዓዲ ዉን በዚ ዝተጠቅሰ ገበናት ክሕነቁ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና።

 

2. ንሆላንድ ትርከበን ኩለን ሃገራት፡ ፈጸምቲ ይኩኑ ሓገግቲ ኣካላት (Executive Officials)፡ ብተዘዋዋሪ ካብ ግዳይ ናይ ዘይፈልጥዎ ኣጀንዳ ሓንቲ ክንዲ ቁሸት ትኸዉን ክልል ትግራይ ዝኾኑ፡ ንሃገራዊ ረብሓታቶም ኣብ ኤርትራ ይኩን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ፡

 

•√ ብቀጻሊ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት መረዳእታ ምቅራብ (Keep Insisting)፡

 

•√ ዲፕሎማሲያዊ ምምይይጥ ምሕያል (Streangthn Diplomatic Negotiation)

 

•√ ኣብ ንምስልን ዕላማን ኤርትራ ዘጉልሕ ኣጋጣሚታት፡ ብቀጻሊ ምዕዳም (Invitations in National Occasions)፡

 

•√ ክሳብ፡ ዉልቃዊ ዝምድናታት፡ ሓለፍቲ ቆንስላት ይኩኑ ኣምባሳድር ሃገርና ኤርትራ፡ እምነትን ሚዛንን ካብ ሰበስልጣን እታ ሃገር ምዕዳግ (Gaining Momentum & Leverage)፡

 

3. እቲ ሳልሳይ ነጥቢ፡ ኢምባሲ ይኩን ኣባላቱ፡ ሰራሕተኛታቱ ዉን ምስ ኤርትራዉያን ይኩን፡ ኤርትራዉያን ሆላንዳዉያን፡ ከምኡ ዉን ሆላንዳዉያን፡ ዘለዎ ኣሰራርሓ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከማዕብል ይግባእ። ኣባላቱ ዉን ብዝግባእ ክቆጻጸር፡ ስራሕ ብኸመይ ይካየድ ኣሎ፡ ብደቂቅ ክከታተል ኣለዎ። ምኽኒያቱ፡

 

•√ ኣብ ታሕቲ (Local Staffs) ዝኮነ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ፡ ወይ ብልሽዉና የለን ማለት ኣይኮነን። በዚ ክንተኣማመን ኣለና።

 

•√ ዝኮነ ዜጋ ኣብ ዝኮነ ሃገር፡ ንኣብ ሃገርና ዝሰላሰል ንጥፈታት፡ ዘድሊ ገንዘባዊ ዉጽኢት ንምእካብ፡ ብሓይሊ ዘገድድ ሕጊ ወይ ኣዋጅ መንግስቲ ኤርትራ የለን፡ ከም ሓቂ ከማን፡ ክሳብ እዚ ናይ ኮሮናቫይረስ፡ መንግስቲ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ህዝቢ ኢዩ ጀሚርዎ፡ ኣዋጺኢዎ።

 

በዚ ኣጋጣሚ፡ እቲ ዘድሊ ዓወት ስለዝተረክበ፡ ነቶም ጀመርቲ እዚ ፕሮጀክት ዝኮኑ ኣባላት ስታፍ ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካን፡ ካልኦት ኩሎም ዝሰዓብዎን ዝተሳተፍዎን ኣካላት፡ ነመስግን።

 

•√ ኢምባሲ፡ ብሽሙ ገዛ ገዛ ከይዶም፡ "ገንዘብ ኣዋጽኡ ንኮሮና" ዝብሉ ሰረቕቲ፡ ወይ ካልእ ብሽም ኢቲ ኢምባሲ ዘየድሊ ሓበሬታ ዝዝርግሑ፡ እንተሃሊዮም ዉን፡ እቲ ጉዳይ ብቀጥታ ንኣክበርቲ ጸጥታ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንኢምባሲ ኢዩ ዝምልከት። ብቅልጡፍ ተኸታቲሉ፡ ብሽመይ "ከምዚ ይሽቅጡ ኣለዉ" ኢሉ ምስ ኣክበርቲ ጸጥታ ክተሓሓዞ ኢዩ ዘለዎ።

 

•√ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢትት ይኹን መርበብ ሓበሬታ ኣድራሻ እቲ ኢምባሲ፡ "ዝተረጋገጸ" (Verified) ክኸዉን ይግባእ።

 

•√ ዝኮነ ጉዳያት ምስ ዘጋጥም፡ ኣብ ክንዲ ምስታ ሃገርን መንግስታን ምምዕታብ፡ ምስቲ "ቀንዲ በዓል ጉዳይ" ምጽማድ (Deal with the Main Figures)።

 

•√ ርዱእ'ዩ፡ ሰራሕተኛታት ኢምባሲታትና ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 22-ዓመታት፡ 22ሺሕ ሽግራት ኢዮም ኣሕሊፎም፡ ስለዝኮነ ከኣ ብደረጃ ሃገር መኪትና ወጺኢና፡ እንተኮነ፡ ንኣሰራርሓና ዝምልከት ንኩሉ ንሶም ዝፍጽምዎ ሽግራት እንዳፈለጥና ምስ ፈጸምቲ ኣካላት እተን ሃገራት ኣብ ንገብሮ ዲፕሎማሲያዊ ዕዮን ግን፡ ኣዚና ክንሕይል ይግባእ።

 

•√ ኣብ መወዳእታ፡ ዝኮነ ዜጋ ዋላ እቲ ተቀያሚ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት፡ ናበይ ከምዝወስድን፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰን ምኳኑ ኣስተዉዒሉ፡ ምስ ኢምባሲኡ ይኩን ሰራሕተኛታቱ ዘለዎ ዘይምርድዳእ ዉን ተኮነ፡ ብጥበብን ትብዓትን ክፈትሖ፡ ዝሓመቀ ከዐሪ፡ ዝደኸመ ከሐይል፡ ዝደሓረ ከስዕብ ደኣ ይግባእ እንበር፡ ኣብ'ቲ ናይዞም ሰባት ኣጀንዳ ብዘይፍላጥ ተደሚሩ፡ ካልእ ዝኸፍአ ሳዕቤን ንሃገሩ ከም "ማሕበር ጸጸት" ከይከዉን፡ ንሓዋሩ ክጥንቀቅ ኣለዎ።

ብተወሳኺ፡ ነዚ ሆላንዳዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ርእሲ ሓደ ዜጋና ሰራሕተኛ ኢምባሲ፡ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን፡ ወሲንዎ ዘሎ ዉሳነ ንምዕራይ፡ መንግስቲ ኤርትራ እኳ ንዕኡ ዝምልከት መግለጽን፡ ክሳብ ምጻዋዕ ዘይቀዋሚ ኣምባሳድር ሆላንድ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእን፡ ዝምልከት ስጉምትታት ወሲዱ እንተሎ፡ ኩሉ ኤርትራዊን ፈታዊ ሃገረ ኤርትራን ግን ነዚ ኣብ ጥብቆ (Change.org) ዘሎ "ጥርዓን" መሊኡ የቅርብ።

 

https://www.change.org/p/netherlands-ministry-of-foreign-affairs-stop-harassing-eritrean-people-and-official-representatives-in-the-netherlands?recruiter=false&utm_source=share_petition&utm_medium=facebook_messenger_mobile&utm_campaign=psf_combo_share_initial&recruited_by_id=647f4f00-1ac0-11eb-bdc0-db2f1bac12f2

 

ዓወትንሓፋሽ!

NationalEr Interest


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events