ንጉዳይ ስጉምቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ስተፍ ብሎክ (Stef Blok) ዝተተሓሓዘን፡ ገለ ሓገዝቲ ነጥብታት ንጉዳያት ዝምድናታት ወጻኢ ዝምልከትን፡
ኣብ ሆላንድ ልክዕ'ዩ፡ ኣዚዮም ብዙሓትን ዝሓመቁን ጸላእቲ ኣለዉና። ብቀዳምነት ንምጥቃስ፡
1. እታ ኩሉ ናይ ትምህርትን ስራሕን መጽናዕታዊ ወረቃቅታ (Work and Academic Research Papers) ብ"ትግራይ ከመይ ኢላ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፋሕ-ፋሕ ኣቢላ፡ ንገዛእ ርእሳ ሃገር ትኸዉን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣጀንዳ፡ ምስ ዩኒቨርስቲ መቀለ ኮይና ትዓዩ፡ ሆላንዳዊት ፕሮፌሰር ሚሪጃም ቫን ራይዝን (Pro. Mirjam van Reisen) ኢያ።
•√ እዛ ዉልቀሰብ፡ ንግደፎ እሞ እዚ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኤርትራ - ሆላንድ ክበላሾ፡ ንትጻወቶ ዘላ ኣሉታዊ ተራ፡
ብዓቢኡ ኣብ "ምፍላስ ህዝቢ ኤርትራ" (Depopulation Agenda)፡ ምስ ከምኣ ዝኣመሰሉ ኣብ ዓዉዲ ስነ-ሕብረተሰብ (Social Engineering) ዝነጥፉ ወጻእተኛታት ምሁራንን፡ ናይ ኤዉረጳ ዩኒቨርስታት፡ ትካላት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያን ማሕበራት፡ ከምኡ ዉን ናይ ክልል ትግራይ ዩኒቨርስታትን፡ ጉጅለን ብምዃን፡ ለይትን ቀትርን ሰሪሓ ብግብሪ ኣብዚ ገበን ዝተቋማጠዐት ኢያ።
•√ ብናይ ኢትዮጲያ ጉዳይ ዉን፡ ርግጸኛታት ኣይኮናን ኣብዚ ምስታፋ፡ ግን ኣብ'ቲ ከም ፓይሎት ፕሮጀክት ኣብ ርእሲ "ነበርቲ ወልቃይት ጸገዴ" ዝፈተንዎ ናይ ምጽናት ዓሌትን፡ ምድኳን ሓደስቲ ናይ ተጋሩ ሰፈራታትን (Social Engineering Over Wolkayt-Tsegede Region and Tigrayn Resentment Projects)፡ ኢድ ክህልዋ ትጽበዪ ጉዳይ'ዪ። እቲ ዕላማ ቤት ፈተነ፡ ኣብ ናይ ወልቃይት-ጸጌዴ፡ ኣብ ርእሲ ኤርትራን ህዝባን ምድጋም ድማ ኢዮ ኔሩ።
•√ ብቀንዱ ዉን፡ ኣባልን ሃንዳሲትን እቲ ብ"መረብ ኢንስቲቱት ንምህናጽ ሰላምን ምዕባለን" (Mereb Institute for Peace Rehabilitation and Developments)፡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ትግራይ ልሂቃን ህንደሳ፡ ያኢ ኣብ ሩባ መረብ ተኺልካ፡ ከም ንኤርትራ ጠቢርካ ምስ ትግራይ ንምልጋባ፡ ተባሂሉ ዝቋመ ትካል፡ (ኣብ ፕሮጀክት ዓባይ ትግራይ ዝተጠቃለል)፡ ኣባሉን ሃንዳሲቱን ኢያ።
2. ካልኣይ፡ ኣብ መንግስታዊ ዕዮ ኤርትራ ዝነበረ እሞ፡ ንኤዉረጳ ዝሓከለ፡ ዳይረክቶር ባንኪ ኤርትራ ነበረ፡ ኣቶ ኩፍሎም ዳፍላ ኢዪ።
•√ እዚ ዉልቀሰብ ድማ፡ ብጀካ እቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ሆላንድ ዝገብሮ ርክባትን፡ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝበርክቶ ኣሉታዊ ተራን፡ ኣብዚ ጉዳይ ወይ ፕሮጀክት ዓባይ ትግራይ ዉን ብንጹር ተሳታፍን፡ ተሓታትን ኢዩ።
3. ካልኦት፡ ንበዓል "በየነ፡ ገብረዝጋቢሄር" ..ወዘተ፡ ዝተባህሉ ወደብቲ "ጸልማት መጻኢ" ወሲኽካ ተረፍ-መረፍ ኢዮም፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዕዮ ክጸልዉስ ይትረፍ፡ መሃይምነት ዉን ኣየጥፍኡን።
እዞም ሰባት፡ ከምኦም ሕማቃት ሰባት ወዲቦም ዝዓየይዎ ናይ ሓባር ስራሕ እንተኔሩ፡ ኣብ 2017 መንእሰያት ህግደፍ ብደረጃ ኤዉረጳ ኣብ ከተማ ቫልደሂቨን (Veldhoven) ጉባኤ ንከየካይዱ፡ ንከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ጃክ ሚከር (Mr. Jack Mikkers) ከምኡ ዉን ኣኽበርቲ ጸጥታ እታ ከተማ ወዲቦም፡ ነቲ "ናይ ምእካብ መሰል" ዉን ዝብልዎ ረጊጾም፡ ነቲ መደብ ካብ ምክያዱ ክኽልክልዎ ምክኣሎም፡ ናይ ትማል ተዘክሮ ኢዩ። ኣብ ዓመቱ ከኣ፡ ከንቲባ እቲ ከተማ ብዝወሰዶ ዉሳኔ፡ ብሕጊ ተረቲዑ ምዉጽኡ ይዝከር።
ካልእ፡ ኣካል እቲ ብደረጃ ዓለም ሓደ ዜጋ ናይ "2%" ቀረጽ፡ ንሃገሩ ከይከፍል ዝካየድ ዝነበረ ፍሹል ጎስጓሳት ዉን፡ ኣብ ሆላንድ በዞም ሰባት ብዕቱብ ተሰሪሕሉ ኢዩ።
ሕጂ ዘዛርብ እንበኣር፡ እዚኦም ኢዮም ኣብ ሆላንድ መጻምድና።