Dehai News

ፌስቲቫል ኤርትራ ኤውሮጳ 2020

Posted by: Yared Tesfay

Date: Monday, 17 August 2020

ፌስቲቫል ከም ልሙድ መላእ ማሕበረኮም ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ባህሉ፥ ልምዱን፥ ክቡር ያትኡን ንሓድሽ ወለዶ ዘሰጋገረሉ፥ ሃገራዊ ምርኢት ዘቕርበሉ፥ ንካልኦት ዜጋታት ዘፋልጠሉን ኮይኑ፥ ፍርያቱ ንህዝቢ ኣብ ምፍላጥ ባይታ ዝረኽበሉ፥ ከምኡ`ውን ሞይኡን መሃዝነቱን ንህዝቢ ዘርእየሉ ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ፌስቲቫልና ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይቲ፥ ማእከላይ ዕድመ፥ መንእሰያትን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዉ ህጻናትን ዘሳትፍ መራኸቢ ባይታ ኮይኑ፥ ሓደ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዘአንግድ መንፈስ ኮይኑ ክቐርብ እዩ። ወግዓዊ መኽፈቲን - ሽግ ፌስቲቫል ኤርትራ 2020 ነጸብራቕ ፈስቲቫላት ኣብ ኤውሮጳ ሰሚናር ብላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ቃለ-መሕትትን ዘተን ቀያሕቲ ዕምባባ ኣብ ኤውሮጳ ሕብሪ ዓይንና ኤርትራን ዓለምናን ኤርትራ ሎሚ Eritrea Today ኢሪስፖራ Identity in Diaspora ባህላዊ ምርኢት ‘Memorial Live Concert’ ኣምበልብሊ Eyewitness of the Eritrean Revolution EmbassyMedia ብዝዝርግሖ ቻነል Youtube, Facebook ኣብ Social Media ክመሓላለፍ እዩ።

EmbassyMedia - EriEuroFestival2020 ፈስቲቫል ኤርትራ ኤውሮጳ 27/08- 1/092020






EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events