ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ጌሹ
ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም ሎሚ ንግሆ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ።
ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልተዊ ጉዳያት ብሓፈሻ ኣብ ምምካት ኮቪድ19፡ ምምካት ኣንበጣን ኣብ ዞባዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ክዝትዩ እዮም።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ምስ ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ኣለዉ።