Basic

ውሳኔ መንግስቲ ኤርትር ካብ ኢጋድ ምስሓቡ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 19 December 2025

ኢጋድ ሓላፍነት ዘይስምዖ መጋበርያ ኣሜርካን መሰልታን ጸረ ኣቛሙ ዝሰርሕ ልሙስ ምትእኽኻብ ኣፍቀርቲ ዊስክን ስእልን፡ ምእዙዛት ንባርነት ዝሓዘ ልሙስ ውድብ እዩ። ኤርትራ ክትጽንበሮ ከላ ነዚ ብ1986 ዝተበገሰ ብስም ምትሕግጋዝን ልምዓት ዝብል ውድብ ሒዛቶ ዝቐረበት ሓሳብ ቅቡል ኔሩ እንተዝኸውን ሎሚ እዘን ኣባላት ናይዚ ልሙስ ኢጋድ ህዝበን ኣብራህዋ፡ ሃገረን ኣብ ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትና፡ ጸጥትኤን ዓለም መገረመ ኔሩ። እንተኾነ ግን ኢጋድ መጽዓኛ ተወጣሕቱ ኣሜርካን መሰልታን ስለ ዝኾኑ መራሕቲ ናይዘን ኣብ ኢጋድ ተወዲበን ዘለዋ ሃገራት ን39 ዓመታት ብጀካ ተሳኢልካ ምኻድ ኣብ ዝገበርኦ ኣኼባታት ዘፍረይኦ ነገር የለን። ኤርትራ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መሳርሒ ባዕዳውያን ዝኾነ ውድብ ክትርሕርሖ ቅኑዕ ውሳኔ እዩ። ገለገለ ዘይውርዙያ ግን ከኣ ለባማት ክመስሉ፡ እዋእ ሕጂ ከኣ ካብ ኢጋድ ወጺኣ ፍርሒ ዝተሓዎሶ ቶኽታኲ ዘረባታት ካብ ምድርባይ ኣይተቖጦቡን። እዞም ኣብ መስትያት ቀሪቦም ምጽስሊ ገጾም ዘየለልዩ ድኹማት መንግስቲ ንዝወሰዶ ስጉምቲ  ምቁዋም እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዓላማ ናይ ኢጋድ ኣይቋወሞን እዩ። ኣብተን ዝነበረለን ዓመታት ከቕንዖ ጺኢሩ እዩ። ምስ ጎባጥ ክጉብጥ ግን ድልየት ስለ ዘይብሉ ካብኡ ሲሒቡ ኣሉ። ከም ኤርትራውያን ኣብ ሩኳን ክንሕንብስ ኣይንደልን። ዕድመ ንመንግስትና።

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events