Dehai News

መትከል መንግስቲ ኤርትራ ከም ከውሒ ብእሳተ ጎመራ መኺኹ ዝተረረዩ፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 15 April 2026

መትከል መንግስቲ ኤርትራ ከም ከውሒ ብእሳተ ጎመራ መኺኹ ዝተረረዩ፡

     ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዓወት ከብጽሖ ዝኻኣለ እንታይ ስለ ዝገበረዩንዝብል ሕቶ ብዙሕ መልስታት ኣለዎ።  ንኹሉ ምኽንያታት ጠርኒፋ ትምልስ ግን ሓንቲ መልሲ ኣላ።  መትከል ህዝባዊ ግንባር ከም ብእሳተ ጎመራ መኺኹ ዝተረረ እምኒ ዓረ፡ ተሪር ዘይገላበጥ ብብጊሓቱ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣእሙሮ ተጋዳኣይን ህዝብን ዝተነድለ ስለ ዝነበረዩ።  ህዝባዊ ግንባር ኣብ መትከሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ግዜን ከቢድ መስዋእትነትን ከምዝጠልብ ኣብ መወዳእታ ብኹሉ ዝተማልኤ ነጻነት ከም ዘምጽእ ኣነጺሩ ስለ ዘስፈሮዩ መስዋእትነት ከምንቡር ተወሲዱ ተጋዳላይ ብዘይ ነግ ፈረግ ሂወቱ ዘወፊ ዝነበረ።  

     መትከል ህዝባዊ ግንባር ብዓይኒ ዝርኤ ክትርእዮ እንተዘደለኻ ትዕመት፥  ብእዝኒ ዝስማዕ እንተዘደለኻ ኣእዝንኻ ትዓጽዎ፡   ብኢድ ዝድህሰስ እንተዘይደለኻ ኣእዳውካ ትእክበሉ፥ በፍንጫ ዝሽተት እንተዘይደሊኻ ኣፍንጫኻ ትዓብስ፡ ብመልሓስካ ተስተማቕሮ እንተዘደለካ ምስትምቓር ትገድፎ  መትከል ኣይኮነን።  እንታይድኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ መንፈስ ዝሰፈረ ዘይንጸል፥ ዘይድምሰስ ካብ ዎሎዶ ናብ ዎሎዶ ሰሪጹ ዝነብር ህያውዩ ዋላውን እቶም ጸረ ህዝባዊ ግንባርን መሪሕነት ዝጻረፉ ዝሓከሉ ሽዩጣት ተቛወምቲ ኢና ዝብሉ ነቲ መንፈስ ክቕበሉዎ ኣይድለዩ እንበር ኣብ ውሽጦም ሰፊሩ  ጭንቀት ኣሕዲሩ ዘዕገርግሮም ዘሎ ንሱዩ።

    ደቂ ሰባት ነበርቲ ኣይኮናን።  እቲ ቁኑዕ መትከል ንዝመጹ ዎሎዶታት ብሰላምን ፍቕርን ቅሳነትን ዘንበር ግን ነባሪ እዩ።  ብመን ዝተነድፈ መትከልዩ ኣይኮነን ዘገድስ። ቅኑዕድዩ ወይስ ኣይኮነንዩ ዘገድስ። ብስንኩፍ ምኽንያታት ተላዕጢጥካ ነቲ ቁኑዕ መትከል ሃገር ዘውሓሰ ናይ ብዓል እገለዩ ኢልካ ምውንጃል ታሪኽካን ታሪኽ ቤተ-ሰብካን ዘመራስሕ ኣብልዕሊ ምዃኑ ዓቢ ገበንዩ።  ቁኑዕ መትገል ብቁኑዓት ከምዝንደፍን ዝምራሕን ምፍላጥ ናይ ለባማት ኣተሓሳስባዩ።

     ሎሚ መትከል ህዝባዊ ግንባር ዝኾስኮሶም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ መንእሰያት ኤርትራውያን ውሕስነት ሃገር ብዘረጋግጽ ውዳበ ተወዲቦም ንቕሓትን ተወፋየነትን ደሊቦም ንስለ ብልጽግና ሃገሮም ብፍልጠቶምን ጉልበቶም ከም ዝሰርሑን ይሰርሑ ከምዘለዉን ክትርኢ ከሎኻ ካብ ‘’‘እንቋዕ ሓሳብ ልብና ሰመረልና‘’ ንላዕሊ ዝበሃል ነገር  የልቦን።

     መትከል ህዝባዊ ግንባር ክስስን፥ መትከል ጸላእትና ከም ኣብ ጸሓይ ዘቐመጥካዮ ልኻይ ክመክኽ ብሂወትና ከሎና ብዓይንና ንርእዮ ዘሎናዩ።

 

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና                                                                                                        ዓወት ንሓፋሽ                                                                                                                        ገብረንጉስ  መስመር                                                                                                      


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events