እቲ ዘይብሉ
እቲ ዘይብሉ ካብ ዘይብሉ ነቲ ዘይብሉ
ነዛ ቁራስ ዝመቓቐለሉ
ከመይ ገሩ ኢዩኽ ዝኣኽለሉ
እቲ ዘይብሉ ነቲ ዘይብሉ ዝህበሉ
ንሰብ እንተነገርካዮ ዘሸግሮ ክኣምነሉ
ከመይ ገሩ ንባዕሉ ስሉስቶ ዘይብሉ
ነዛ ነብሱ ዝዕንግለሉ
ይብለካ ከምዚ ዝገብርሲ ኣበይ ኮን ይህሉ
ተሓቢንካ ትብሎ ኤርትራዊ እንደኣሉ
ደፋእ ዓረብያ ምለሊኽ እቶቱ
ዓዳኒ መደበር ዉዕለቱ ንእሽቶ
ሓንቲ ባኒ'ምበር ካልእይቲ ዘይተፈትፍቶ
ነታ ካልእይቲ ንጊረበቱ ዘበርክቶ
ኩሉን ካብ ኢደን ኢዶም ናብ ኣፎም
ኩሉ ተዓጽዩ ተኾሊፎም
ኣፍረይቲ እንከለዉ ብኮሮና ተዓጊቶም
ብዓልነጎዓዝያ ኮሮና ዓጽይዎ
ከይወፈረ በቲ ዝኣተዎ
እተን ዘዋህለለን ምስህዝቡ ተማቒልዎ
እኹል ደሞዝ ዘይብሎም ሰራሕተኛ
ዘረኸበን ይማቐለን ምስበተሰቡ ንጋና
ስለዝእምን ጸገም ከምዝስገር እንተተሓጋጊዝና
ዘለወን ይማቐል ንዝረኸበን ትካቦ
ካብ ጎረበቱ ይኹን ጎዶቦ
መን ከምዘ ይገብር ብዘይ ዓደቦ
ኤርትራዊ ጥራሕ ዝነብር ብኒሕ ብሓቦ
ኣብ ግምባር ሂወቱ እናወፈየ
ካብተን ናይ መማቕርቱ እናተበጀወ
ንህንጸተ ልምዓት ዘለዉኦ እናኣበርከተ
ተርፍ ሳነቲሙ ንማዕከን ኮሮና ዝመጠወ
ኣብ በተ ስዕስዒትን መስተን ከይኣተወ
ኣበናይ ዓለም ይግበር ከምዚ
ብዘይካ ኤርትራዊ የለን ካልእ ህዝቢ
እቲ ዘይብሉ ካብቲ ዘይብሉ ነቲ ዘይብሉ ዝህበሉ
ተኣምርዩ ከም ኤርትራዊ ትኾርዓሉ
ንዘልኣለም ብታሪኽ ትዝከረሉ
ብፍሉይነትካ ተሓቢንካ ትሕበነሉ
ኣፍልብኻ ነፊሕካ ደልዲልካ ትረግጸሉ
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ (ማንሃይም)