Basic

(ድምጺ ኣመሪካ) 'ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ዓለም ፈሊጣ`ያ' ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 30 July 2020


'ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ዓለም ፈሊጣ`ያ' ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ሓምለ 29, 2020   ተወልደ ወልደገብረኤል


ዋሽንግተን — 

ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ዓለም ፈሊጣ`ያ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ ህዝቢ ትግራይ`ውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ብሰላም ሰሪሑ ልምዓት ከምጽእ`ምበር ውግእ ክሰምዕ ዝደሊ ኣይኮነን ፥ ድልየት ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ድልየት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም`ዩ ብምባል ውግእ ዝሕሰብ ነገር ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ቁጠባዊ ርክብ ጠጠው ዝበለሉ ምኽንያት ንኤኮኖሚ ትግራይ ንምጉዳእ`ዩ ይብሃል`ዩ ዝብል ሕቶ: ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ናይ 20 ዓመታት ድቃስ ዝተበራበረ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከመይ ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ምውሳድ ጽቡቕ`ዩ ኢሉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ጽቡቕ ዲፕሎማሲያውን ጸጥታውን ርክብ`ዩ ዘለና ብቑጠባ`ውን ከም ናይ መንገዲ ኣየርን ተለፎንን ዝብሉ ንግዳዊ ርክባት ኣለና`ዩ ካልኦት ቁጠባዊ ርክባት ንምምዕባል`ውን ብሓባር ንሰርሕ ኣለና። እዚ ርክባት`ዚ ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ድማ ተስፋ ኣለና ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቀላጠፍ ኩሉ ጽቡቕ ድልየት ዘለዎ ሰብ ዝሓስቦ`ኳ እንተኾነ፥ ን20 ዓመታት ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ እናኸኣሉ፥ ን20 ዓመታት ክፈትሕዎ ዘይክኣሉ ሰባት፥ ኣብ ክልተ ዓመት ንዝረኸብናዮ ዓወት ከነኣእሱ ክትሰምዕ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ። ባዕልኻ ክትገብሮ ዘይክኣልካ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕጂ ካልእ ሰብ ምስ ገበሮ ተመሊስካ ክተነኣእሶ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ ።

እቲ ርክብ ክሳብ ክንድ’ዚ ንትግራይ ዝጠቅም`ዩ ኢልካ እንተኣሚንካ ንምንታይ ን20 ዓመታት ዘይፈታሕካዮ ክብል ዝሓትት ዶ/ር ኣቢይ፥ እቲ ርክብ ንኤርትራ`ውን ስለዝጠቅም ካብ ሰላም ኩልና ንጥቀም ኢልካ ምሕሳብ`ምበር ዝተፈለየ ጠቕሚ ከምዘለካ ንትግራይ ንምጉዳእ ኢልካ ምሕሳብ ዝጠቅም ኣይኮነን ረብሓ ክልል ትግራይ ድማ ካብ ረብሓ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ክትርእዮ ዝክኣል ኣይኮነን ኢሉ። እቲ ካልእ ነጥቢ ድማ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላዊ ሃገራት ዝግበር ርክብ ብምዃኑ ናይ ፈደራል ስልጣን ምዃኑ`ውን ክስመረሉ ይግባእ ኢሉ ።

ጉድኣት`ውን እንተሃልዩ ንኹሉ ዝጎድእ`ምበር ፈሊኻ ንትግራይ ጥራሕ ከምዝጎድእ ጌርካ ክትወስዶ ዝክኣል ኣይኮነን ዝበለ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ግን ኣብ ቅኑዕን ኣብ ዝሓሸን መስመር ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዘሎን እናተረረ ይኸይድ ከምዘሎን ከረጋግጽ እፈቱ ብምባል ኣብዚ ቀረባ ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዑደት ከም ኣብነት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ፈደራል ክወግኣና`ዩ ዝብል ነገር ኣብቲ ክልል ይስማዕ`ዩሞ ንትግራይ ክትወግኡ ዲኹም ንዝብል ክምልስ ከሎ፥ ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ እዚ "ናይ ዕብዳን ዘረባ`ዩ" ንዓይ ዝገርመኒ ካብቶም በሃልቱ እቶም ነዚ ከምቁምነገር ወሲዶም ክትንትኑ ዝውዕሉ ሊቃውንቲ`ዮም ኢሉ። ውግእ ናይ ዓያሹን ዘይጠቅምን ምዃኑ ካብ ህዝቢ ትግራይ ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን ዝበለ ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ትግራይ ይኹን ምስ ካልኦት ናይ ሓሳብ ኣፈላላያትና ብልዝብን ብክትዕን ንፈትሕ`ምበር ናብ ተኹሲ ክንኣቱ ፍጹም ዘይንሓስቦ`ዩ ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ውግእ ኣይክህሉን ኣይንሓስቦንን`ውን ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ፥ ብኻልእ ወገን ንመንግስቲ ኤርትራ ንዓ በጃኻ ንኢትዮጵያ ንውጋእ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕድሞ ዘይሕሰብ` ኣብ ታሪኽ`ውን ተራእዩ ዘይፈልጥ`ዩ -መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ `ውን ኣብቲ ኸባቢ ልምዓት `ምበር ናይ ውግእ ድልየት የብሉን`ኢሉ።

"መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን`ዚ ፥ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ሓደ ሓደ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ፍሉይ ተራ ኣብ ምጽዋት`ዩ ዝርከብ ዘሎ" ዝበለ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፥ "ኣብዚ እዋን`ዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነት ዓለም ፈሊጡ`ዩ ዘሎ” ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ`ውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ብሰላም ሰሪሑ ልምዓት ከምጽእ`ምበር ውግእ ክሰምዕ ዝደሊ ኣይኮነን ፥ ድልየት ህዝቢ ክልል ትግራይ ከም ድልየት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም`ዩ ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ ብመሰረቱ ንሕና ብምሕዝነት ሃገራት ክልቲአን ሃገራት ሓዲሽ ታሪኽ ክንሰርሕ ኢልና ንሰርሕ ዘለና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ቀረባ ክፍታሕ`ዩ ዝብል እምነት`ዩ ዘለኒ- ክፍታሕ ስለዘለዎ-ምኽንያቱ ከምኡ እናበልካ ስራሕ ገዲፍካ ምንባር ኣይክኣልን`ዩ ኢሉ። እቲ ጸገም መታን ክሓጽር ግን ህዝቢ ትግራይ ነቶም ልምዓት ዝደልዩ ምሳና ኮፍ ኢሎም ብልዝብ ክፈትሕዎ ዝደልዩ ከም በዓል ዶ/ር ደብረጽየን ዝበሉ መራሕቲ ክድግፎም ፥ ነቶም ጎንጺ ዝመርጹ ድማ ኣይፋልኩምን፡ ክብሎም ይግባእ ኢሉ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ካብቲ ውድብ መን ንህዝቡ ኢሉ ከም ዝሰርሕ፥ መን ድማ ንባዕሉ ጠቕሚ ኢሉ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ከም ዝነግድ እቲ ህዝቢ ስለዝፈልጥ እቲ ኣድላይ ዘይኮነ ንኹልና ዘይጠቅም ፥ጉድኣት ጥራሕ ዘለዎ ነገር ይኣክል ኢሉ ናብ ቅኑዕ መስመር ንምውሳድ ናይ ህዝቢ ትግራይ ግደ ዓቢይ ስለዝኾነ ተርኡ ክጻወት ኣለዎ ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዝተማህረን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ኣለዎ፥ ማህጸን ህዝቢ ትግራይ በብዘመኑ ጀጋኑ ምውላድ ጠጠው ኣይበለትን ኢሉ። ክልል ትግራይ ኮነት ኢትዮጵያ ብናይ ትማሊ ሓሳብ ብናይ ቅድሚ 50 ዓመት ሓሳብ ክትነብርኣይትኽእልን። ኣብ ትግራይ`ውን ንህዝቢ ብደርቢ ከፋፊልካ ምምራሕ ኣይክኣልን`ዩ ኢሉ ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ትግራይ ክትብልጽግን ከምቲ ታሪኻ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ተራ ክትጻወትን በዚ ሓዲሽ ወለዶ ክትኣምን ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለኒ ኢሉ።

---------
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፋና ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብቋንቋ ትግርኛ 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events