ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ንምስጓጕ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣቤቱታ፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ልኢኹ።
እቲ ብ12 ጥቅምቲ ዝተላእከ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ1 ጥቅምቲ ንኹሎም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፣ እንተላይ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝተመደቡ፡ ካብ’ታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘ ብምጥቃስ፡ ንቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ካልኦት ኣባላት ናይ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ዲፕሎማሰኛታትን ምስጓጉ፡ ቅሉዕ ጥሕሰት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣአንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያን ዝተገብረ ውዕል፡ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ኣህጉራዊ ስምምዓት ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
እዚ ተግባራት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብወግዒ ዘይተገልጸ ምዕጻው ኤምባሲኣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2026 ዝሰዓበ ምዃኑ ዝጠቐሰ መልእኽቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣባልነት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት፡ ኣአንጋዲት ሃገር ብእትወስዶ በይናዊ ስጒምቲታት ክገሃስ ከምዘይግባእ ኣስሚሩሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መትከል ልኡላዊ ማዕርነት ኩለን ኣባል ሃገራት ዝቘመ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ መሰል ኣባልነት ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዊንታ ካልእ ኣባል ሃገር ክምርኰስ ከምዘይግባእ ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውክልና ኤርትራ ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ናይ’ቲ ውድብ ንምምላስ ዘድሊ ኣራሚ ስጒምቲታት ብምውሳድ፡ ከም ልኡላዊትን ኣባል ሃገርን ምሉእ ተሳታፍነታ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት ከረጋግጽ ጸዊዑ።