World News

ብልሽውና ይዕበ ይንኣስ ብልሽውና'ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 02 January 2026

ብልሽውናን ውሕጅን ዝዓግቶ እንተዘይረኺቡ ስርሑ ኣይገድፍን። ብከመይ ይዕገቱ ንዝብል ሕቶ መልሲ፡ እቲ ሓደ ከትርታትን ዲጋትስትን ብምስራሕ፡ እቲ ካልእይ ምኽሽሑን ኣብ ቅድሚ ሕግን ህዝብን ብምቅላዕ። ኣብ ሃገርና ብልሽውና ከም ተርእዮ የለን ክንብል ኣይንኽእልን ክሳብ ብልሽዋት ባእታታት ዘለዉ፡ እቶም ብልሽዋት ቅድሚ ናይ ሓባር ረብሓ ረብሕኦም ስለ ዘቐድሙ። ነዚኦም ዓይነት ሰባት ፖሊስ ወይ መንግስቲ ኣይኮነን ዘቃልዖም፡ ህዝቢ'ዩ። ምክንያቱ ህዝቢ ዓይኒ መንግስትን ፖሊስን ስለ ዝኾነ።  ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሃገራት ብሰንኪ ብልሽውና ብጥሜት ዝሳቐን ዝመውትን ህዝቢ ንሰምዕን ንርእን ኣሎና። ብልሽውና ከም ሳዕሪ ሮማዲ ንተኽሊ ማሸላ ሓኒቑ ከም ዘይትዓቢ ገይሩ ፍረ ንከይትህብ ዘበርዕና፡ ብልሽውና ንግስጋሰ ሕብረተሰብን ሃገርን ማሕንቖ እዩ። ስለዚ ኣዒንትና ዓይኒ ንስሪ ክኾና ኣለወን ብልሽውና ከይስዕርር።



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events