World News

ምስ ሃገር ትኣስሮ ቃል ኪዳን "ኣልፋ ዎ ኦመጋ"ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 01 January 2026

ምስ ሰብ ትኣስሮ ቃልኪዳን ዋላዃ ፍትሕ ዘይፍቀድ እንተኾነ ዘየሰማምዕ ክስተት ምስ ዝፍጠር ትፋታሕ ኢኻ።  ምስ ሃገር ትኣስሮ ቃልኪዳን ግን ኣልፋ ዎ ኦመጋ እዩ። ብዝኾነ ምኽንያት ፍትሕ ዘየፍቅድ። ንእገለ ጸሊኤ ንእገሊት ኢልካ ሃገር ኣይከሓድን እዩ።  ትሕመቕ ትጸብቕ ሃገር ጽላል እያ።  ብልቢ ዓቕምኻ እንተበርኪትካላ ወይ ነቶም ዝገብሩላ ዕንቅፋት እንተዘይኮንካ ባህግታት ህዝባ ዘይተማልእ ሃገር የላን።  ሃገርና ምስቲ ኩሉ ተጻብኦታት ጥሜት ዘይርኣየላ ሃገር ክትከውን ዝኸኣለት ዝኣሰርዎ ቃልኪዳን ዘይፈትሑ ስለ ዘለዉዋ እያ። ኩልና ኣብ ንነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ ቃልኪዳና ምስ ሃገርና ነባሪ ይኹን።

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events