World News

ይኣክል ንመን ?

Posted by: "MediaComunitaEritrea .it"

Date: Friday, 10 May 2019

Merhaba Dehai !!

The article we sent you before unreadable due to the original  geez font ( Nyala)  we are sending to you the article with different geez fonts  doc and pdf files hoping to be corected

MIS BIZUH  SELAMTA

F.K.


ይኣክል ንመን ?

ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን ቴክኖሎጅን መራኸብታትን ኣብ ዝረቐቐ በጺሕሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ በቲ ኣወንታዊ ጎድኑ ክንጥቀመሉ ከለና ንቕልጡፍ ዕቤትን ስልጣነን ሓጋዚ ይኸውን፡ በቲ ኣሉታዊ ጎድኑ ከኣ ንዕንወትን ጥፍሽናን የገልግል።

እቲ ሕቶ ኤርትራውያን ነዚ ዘመናዊ ቲክኖሎጂ ብኸመይ ንጥቀመሉ ኣለና፣

ኣብ ውሽጢ ሃገር መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣብ ትምህርትን ኣብ ስራሕን ተጸሚዶም ነዚ ቴክኖሎጂ ዘምጽኦ ምዕቡል መሳርሒ ተጠቒሞም ነብሶም ኣብ ምምዕባል ኣበርቲዖም ክምሃሩን ክመራመሩን ሓደስቲ ምህዞታት ክምህዙን ብኡ ኣቢሎም ከኣ ሃገሮም ከልምዑን ክልውጡን ኣብ ብዙሕ ሞያታት ተዋፊሮም ብጽንዓት ይረባረቡን ይግስግሱን ኣለዉ። እቲ ዝዓበየን ዝኸበርን ጸጋ ሃገር ወዲ ሰብ ኣብ ቅድሚት ስለ ዝስራዕ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዜጋታቱ ንኸምህር ዝዓበየ ባጀት መዲቡ ብሉጻት ዜጋታት ንምፍራይ ኩሉ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ገዛእትን ጨኮንትን ሓይልታት ኣብ ዝነበርትሉ እዋናት ሃገር ምሃይምን ሓውሲ መሃይማትን ትልለ ዝነበረት፡ ሳላ መስዋእትን ጻዕርን ደቓ ናብ ሃገር ምሁራትን ሊቓውንትን ክትቕየር ንዕዘብ ኣለና፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ሞያውያን ንምጥራይ እታ ሓንትን ዝርካባን ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዝነበረት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ ካልኦት 8 ዝተፈላለየ ስነ ፍልጠት ዘምህራ ምዕቡላት ኮሌጃት ወይ ዩኒቨርሲታት ትሃኒጸንን ብዙሓት ሞያውያን ኣፍርየንን የፍርያን ኣለዋ፡፡ እዞም ተስፋ ሃገር ዝኾኑ ተመራመርቲ መንእሰያት ዝተፈላለየ ዓይነት መሳርሒ ቴክኖሎጂ ብምጽናዕ፡ ንነብሶም ኣማዕቢሎ ቀይሮም ንሃገሮምን ሃገሮምን ህዝቦምን ዝጠቅም ምህዞታት ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ከኣ ዘሕብን ኢዩ።

በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ዕድላት ብግጉይ ኣገባብ ክጥቀምሉ፡ ኣብ ክንዲ ንትምህርትን ዕቤትን ፡ ንኣሉታዊ መዳያት ጥራይ ክሰርሕሉ ይርኣዩ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መራኸቢ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ (ሶሻል ሜድያ) ከም ፈይስ ቡክ፡ ትዊተር፡ ዌብ ሳይት ወ.ዘ.ተ ንመጻረፍን መባዝሒ ሓሶታትን መደንቆሪ ወረታትን ንመሕጸቢ ኣእምሮ ወዲ ሰብን ጥራይ ከጎሳጉስሉ ከለዉ እቲ ክሳራ ይርኣየካ።

ነዚ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ብዝበዝሐ ብኣሉታዊ መልክዑ እንጥቀመሉ ከኣ ዝበዝሓና ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን መንእሰያትን ካልኦት ንውልቓዊ ረብሖም ንጸቢብ ፖሎቲካዊ መሳርሒ ከም ሚሳይል ዝወነኑ ሓሶታት እናምሃዙ ንምዝንባል ኣእምሮ መንእሰያት ክሓጽብሉ ይርኣዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ ከም ዝብሃል ኣብ ዕጹው ገዛ ተሸጉጥካ ስምካ ወይ መንነትካ ሓቢኢኻ፡ ብናይ ሓሶት ሓበሬታ መሳርዕ ህዝብታት ንምዝራግ ንዘይኮነ ስእሊ ኣምሲልካ ብምቕራብ ናይ መንእሰያት ኣእምሮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ንምእታው ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግ ብትሑት ጸበብቲ ስምዒታት ብኣውራጃ ብሃይማኖት ንህዝብታት ምንቛት ከም ዕለታዊ ስርሖም ዝሓዝዎ ኣገልገልቲ ፍሉይ ረብሓታት ከም ፍልሖ ክባዝሑ ይርኣዩ። ሓሶትን ፍኹሰን ግን ከም ትኪ በናኒ ስለ ዝኾነ ዕድመ የብሉን። ሓደ ካብቲ ንመሳርዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ብመደብ ዝሰርሕ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ወያነ፡ ኣሽሓት ገንዘብ ብምፍሳስ ዲጂታል ወያነ ዝብል ሓዲሽ ጭንቀት ዝፈጠሮ ፕሮጀክት ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ብኡ ኣቢሉ`ውን ንናይ ሰላም መስርሕ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝራግን ከም ዝዓበየ ዕማሙ ገይሩ ይሰርሓሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንከዳዓትን ሃሱሳት ብገንዘብ እናኣዋፈረ፡ ኣብ ወጻኢ ብስም ናይ ኤርትራውያን ተጎልቢባ እትሰርሕ ሳተላይት ቴሊቪዥን ኣሰና (ሓሰና) ኣሽሓት ዶላራት ወጻኢታ እናገበረ በቲ ምልሙል ዕሱብን ከዳዕን  ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኢያሱ እትካየድ ትካል ሃኒጹ ንግሆ ንግሆ ሓደስቲ ሓሶታት ብምምሃዝ ንህዝቢ ንምድንጋር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግን ወፍሪ የካይድ ኣሎ። እቶም ኣብዚ መደብ ዝቐርቡ ባእታታት ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልስን ብድሕሪኡን ካብ ኤርትራ ዝተፈላልየ ዓበይቲ ገበናት ገይሮም ዝሃደሙ ከድዓት ደቂ ሃገርን፡ ጀብሃዊ ኣተሓሳስባ ዘይበለየሎምን ናይ ቦታን ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ከዳዓትን፡ ካልኦት ከም ኤርትራውያን መሲሎም ዝተዋፈሩ ተጋሩን ኣብ ናይ ኣሰና ተለቪዥን ካልኦት ብዛዕባ ኤርትራ ጸለመን ሕማቕን ጥራይ ንምውራይ ዝተዓጥቃ ዌብ ሳይትን፡ ታሪኽ ኣናጠማዘዙ በቲ ከዳዕ ኣማኒኤል ኢያሱ ዓሰብቱን ተቓናቢሩ ዝተዋደደ መኣዲ ቃለ መሕትታት እናተገብረሎም፡ ክሕደት ንኤርትራ መንግስታን ህዝባን ታሪኻን ንምድዋን ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ይርኣዩ።

እዞም ወያነ ኣብ ኤርትራ ሓዚሉ ከእትዎም ኣብ ስልጣን ኮፍ ከብሎም  ዝጽበይዎ ዝነበሩ ሕልምታት ኩሉ ምስ በነነ፡ ብጥፍሽንኦም ተስፋ ዝቖረጹ ባእታታት፡ ኣይፍለጥን ብኻልእ መገዲ ዘይንፍትን ብምባል፡ ሓዲሽ ከይጀመረ ዝፈሸለ ይኣክል ዝብል ፕሮጀክት ኣዋዲዶም ኣብ መስኮት ፈይስ ቡክ ካልእ መራኸብታትን  ዓንገረር ክብሉ ይርኣዩ።

ንኽድዓትኩም ይኣክል ክብልኹም ዘለዎ፡ እቶም ምእንቲ ልኡላውነቶም ከይድፈር ኣብ ቅድሚ ግንባራት ጸላኢ ኣብ ድፍዓት ደው ኢሎም ንዕስራ ዓመታት ዝመከቱን ሃገሮም ዘውሓሱን ጀጋኑ ህዝባዊ ሰራዊትናን ቅኑዓት መራሕቱን ኢዮም።

ይኣክል ንኽድዓትኩም ክብልኹም ዘለዎም፡ እቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ንኹሉ ተጻብኦታት ተጻዊሮም ኣብ ዕላምኦም ጸኒዖም ንኹሉ ውዲታትኩም ዘምከኑ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም።

እወ ሕጂ ውን ይኣክል !!

ይኣክል ! ነቶም ናጽነት ኤርትራ ንኸይረጋገጽ ረፈረንዱም ኣይንመርጽን ዝበልኩም፣

ይኣክል፡ ነቶም ትማሊ እገዳ ንኸይልዓል ዝመጎትኩም፣

ይኣክል ! ነቶም ወያነ ንኤርትራ ንኽወራ ኩሉ ዝከኣለኩም ዝገበርኩም፣

ይኣክል ! ነቶም ኣብ ኣዋሳን መቐለን ናይ ወያነ ሻርባ ተጎልቢብኩም ሕቡእ መንግስቲ ዝመስረትኩም !

ይኣክል ! ነቶም ንስውኣት ዝጸረፍኩምን ዘቛናጸብኩምን፣

ይኣክል  ! ነቶም ባንዴራ ኤርትራ ዝረገጽኩም፣

ይኣክል  ! ነቶም ምስ ወያነ ኮንኩም መቓብር ስውኣት ዘፍረስኩም፣

ይኣክል  ! ይኣክል ነቶም ንወትሃደራት ወያነ መሪሕኩም ንኣዴታትን ኣሓትን ኤርትራውያን ዝተጋሰስኩም!

ይኣክል ! ለይትን መዓልትን ኣብ ምጽላም ንኤርትራ ዝተዓጠቕኩም፣

ይኣክል ! ብደም ንጹሃት መንእሰያት ዝተጣላዓኹም፡ ጌና ውን ትቕጽልዎ ዘለኹም፣

ይኣክል !  እትብሃሉ ንስኹም ኢኹም ተቛመርቲ ኣውራጃውያን ፈላለይቲ ብሃይማኖት ሸቐጥቲ፣

08/05/2019                                                                                               ዓወት ንሓፋሽ !!                                                                                           

ፋሲል ቀለታ !  ሚላኖ - ኢጣልያ 



Mail priva di virus. www.avast.com

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events