World News

***ንኺድ ደኣ*** ብኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) - ፍራንክፈርት / ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Thursday, 09 May 2019


      ***ንኺድ ደኣ***

 ንቐጽል መንገዲ ቀደምና ፤ንንቀል
ከም ዓንተቦና ፥ረጊጽና መትከል
ሕጂ ግዳ ኩርኳሕ ፥ተመድሚዱ
ትማሊ እኳ ዝኸድና ፤ኣሻኽ መንገዱ
 
       ዝተተፈ ይትረፍ፥ ዘልሓጥ ዝበለ ይበል
መስርዕ ቆሪጹ ፥ዝተሰነፈ ብሰንደልደል
ግዲ ኣይንግበረሉ፥ ተዋሊኡ ንዝላህለሀ
ንኺድ ጥራይ ፥ንቕሎ ኣለና ንዝነወሐ

       ሕንባበና ነሕንን፥ብራብዓይ ማርሻ
ዘገም ይኣክል ፥ህዱእ ምረሻ
ገና እዩ ምዕራፍና ፥ንበጽሖ ኣድራሻ
መርከብና ትጽበ "ላ ፣ሞተር የሐዲሳ

       ባቡርና ሓዲዳ ፥ብትሸዓተ ብሎኒ ኣሲራ
ምስ ውሕሉል ቀላሲ ፥ቀጠልያ መብራህቲ ሰጊራ
ብሽዱሽተ ፒስቶኒ ፥ምስ ፈጣን ዲናሞ
ንኺድ መንገዲ ቀደምና፣ብኣጋ ክንዓሞ

        ድሙቕ መብራህታ ፥ማንታ  ዝዓይና
ደቂ ከበሳን ቆላን፥ ኣሳፊራ  ኣብ ዝባና
ጉዕዞኣ ከሰናኽል ፥መንገዳ ንዝዓግት
ጢሒስካ ምሕላፍ እዩ ፥ ምኻድ ንቕድሚት

       ትማሊ ጥውይዋይ ፥መንገዲ ኣንጎሎ ዝበዝሖ
ዓቐብ ቁልቁል ፥ከም ሽንኮለት ብድሆ
ኣብ ጸላም ግዜ ፣ቁልዒ እኳ ዘይብርሆ
ሎሚ ደኣ ፥ባና ኣምሪሕና እንዲና ንበጽሖ

      ጉዕዞና ዝዕንቅፍ ፥ዕጻይ -ምጻጻይ ዘብዝሕ
ሓልኪ ኮይኑ ዝዕንቅጽ፥ምዕራፍና ከይንበጽሕ
ርጥ-ርጥ ነብሎ ፥መዕጠጠይ ሃካይ ንኣመሉ
ግብዝ ከየባኽረና ፣ጉዕዞና ናህሪ ንወስኸሉ

       ንኺድ ንሳፈር ፥ኣብ መርከብ  ትማሊ
ኣሸበሸብብ ግና ፥ መጋይሽትና ነለሊ
መንኮርኮር ተሽከርካሪትና፥ውሻል ከይኮንዋ
ታኮ ከይሕዘና ሓደራ፥ ንኺድ መንገዲ ራህዋ

           ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
            ጀርመን
           28/12/ 2018



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events