World News

ካብ ሰነዳት ታሪኽ፡ ወርሒ ጉምቦት ዕለት 06.05.1998 ዓም ፈረንጂ!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 06 May 2019

መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማውን ኣዕናውን ጽንኩር ኲናት/ውግእ ብዕለት 24 ጉምቦት 1991 ዓም ፈረንጂ ኣብ ኤርትራ ብጀጋኑ ኣባላት ህግሓኤ/ህሰሓኤ ምስ ተደምሰሰን ካብ ኤርትራ ተጸሪጉ ምስ ወጸን፣ ህግሓኤ ስጋብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኣብ ጎኒ`ታ ጠላሚት ጭፍራ ህውሓት ኮይኑ እናተዋግኤን ከቢድ መስዋኣቲ እናኸፈለ ንህዝቢ ኢትዮጽያ ሓራ ኣብ ምውጻእ ዓቢ እጃም ኔሩዎ እዩ። ንመንግስቲ ደርጋዊ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ`ታ ሕምብርትን መዋፈሪቱ ማእከል ዝነበረት ኣዲስ ኣበባ ንሓዋሩ ቀቢሩዎን ሓመድ ድበ ኣልቢሱዎን እዩ። ብድሕሪኡ`ውን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ብወትሃደራውን ጸጥታውን መዳይ ብኣካል ስጋብ 1996/7 ኣው`ኡ ጸኒሑ እዩ።

ስርዓት ዓሌታውን መስፍናውን ነበር ህውሓት ግን ኣብ ልዕሊ ህግሓኤ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ጥልመት ክፍጽምን ዝበልዓሉ ጻሕሊ ንኽሰብርን ግዜ ኣይወሰደሉን። ካው`ኡ ጀሚሮም ያኢ ንመንግስቲ ደርጊ 'በይኖም' ከም ዝደምሰስዎ ብሓሶትን ብጃህራን ክዛረቡ ከም ዝጀመሩን "ሕዚ`ማ ሻዕውያ ጥራሕ እያ ቀሪያትና ዘላ፣ ንዓዓ'ማ ከነቃብጻ ኢና" ኢሎም ይጸውዩ ከም ዝነበሩ ሓያሎይ ዝዝክሩዎ ዛዕባ እዩ።

በዚ መሰረት`ዚውን ብ 1997 ንናይ ደቡባውን ከባቢ ባድመን መሬት ኤርትራ ብሓገዝ ናይ ባይታ ክኢላታት ጀርመናውያን ሓድሽ ቅርሳ-መሬት ኣስኢሉ ብዓመጽን ስርቅን ቆርሚሙ ናብ ትግራይ ከም ዝሓወሶ ኩልና ንዝክሮ እዩ። ካብ`ዚ ተበጊሱ ድማ ብፍላይ ኣብ ባድመን ከባቢኡን ዝነበሩ ዜጋታት ኤርትራ ሪሞምን መሬቶምን ብሓይሊ ንኸገድፍዎን ንብረቶም ብምዝራፍን ብምህጋርን ገለውን ህይወቶም ብምቕዛፍን ነቲ ኣረሜናዊን ኣጸያፍን ተግባራቶም ተተሓሓዝዎ።

ከምዛ መዓልቲ እዚ`ኣ ዕለት 06.05.1998 ዓም ፈረንጂ እያ ኸኣ በቲ ግፍዕን ዘይሕጋዊ ናይ ዶብ ጠረራን ኣሰኪፉዎም ደሃይ ንክፈልጡን ምስ መሳፍንቲ ህውሓት ብዛዕብኡ ክዛተዩ ገለ 8 ዝኾኑ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ኣሃዱኦም ዝተሰናበቱ። ጭፍራ ህውሓት ግን ምትንዃልን ተቓጺኻ/ተሓቢእካ ምቕንጻልን ኣመላን ባህርያታን ስለ ዝኾነ ዕጫ'ዞም ተጋደልቲ ህግሓኤ'ውን ግዳይ ናይ'ዛ ዓማጺት ኣባላት ኮይኖም ብዘይገመቱዎ መገዲ ተቀንጸሉ።

...............እቲ ኣብ 1998-2000 ዓም ፈረንጂ ዝተገብረ ደማውን ኣዕናውን ውግእ፣ ካው`ኡ ዝቐጸለን ንኣስታት 18 ዓመታት ዝጸንሔ ልዑልነታዊ ሃገረ-ኤርትራ ንምክልኻልን ህዝባዊ መኸተን ድማ ናቱ ሳዕቤናት እዩ ኔሩ። ስለዚ እዞም ኣብ`ዛ ዕለት እዚ`ኣን ድሕሪኡን ብፍላይ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ህዝባውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ድማ ብሓፈሻ ብኽብሪ ንዘልኣለም ክንዝክሮም ኢና።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!!!
ክብርን ሞሳን ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልትናን ንሓርበኛታት ህልዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!|
ዓወት ንሓፋሽ!!!

እዚ ዎደሓንኩም፣ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!!

ብርሃነ ሃብተማርያም

 
 
Abspielen
 
 
 
-4:56
Zusätzliche Grafikeinstellungen
„Ansehen und scrollen“ aufrufenZum Vergrößern klicken
Stummschaltung aufheben
 
 
 
 
 
ሳዋን ሰዉራን an እዝ ገዛ ብህዝባዊ ግንባር ብስዉኣት ብባንዴራ ብሃገር ኤርትራ ናይ ዝሕበኑ ዝኾርዑ ናይ ህግደፋዉያን ጥራይ እዩ

ቃል ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ።
ቃል ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ቃል ናይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ።
እዞም ምሁር ኣቦ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደል ተንኮል መዋዳድርቲ ከም ዘይብሉ ሰላም ክህሉ ተኾይኑ ክኣ ብልቢ ይቅሬታ ክሓተሉ ከም ዘለዎም ምስ ተዛረበ ብዙሓት ተጋሩ ይኹኑ ኤርትራዉያን ኢና ዝብሉ እሞ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝብሉ እዚ ዘረባ ርእሶም የሕሚዎም ብዙሕ ክዛረቡ ክጽሕፉ ተዓዝብና።ኣቦና ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ዝበልዎ ግን ሓቂ እዩ።ከምት ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም በልዑ ክርስዕ ዝኽእል ይህሉ ንሕና ግን ኣይክንርስዖን ኢና ዝበሎ እዩ። 
ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት 06-05-1998 ኣብ ባድመ ንዝተፈጥረ ብሰንኪ ወያነ ንምርግጋእ ንምርድዳእ ኢሎም 8 ብሉጻት ጀጋኑ ምስ ከዱ ብወያነ ዝተቀትልሉ እዩ። እዞም 8 ብሉጻት ጀጋኑ ግዳይ እዞም ርጉማት ጎሮቤትና ዝኾኑ ወትሩ ኣብ ልብና እዮም።ተንኮል ሒማቅ ግብሪ ናይ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መግለጺ መዋዳድርቲ የብሉን።ክሳብ ሕጂ ዉን ንሰላም ሓንግዶም ምሉእ ሰላም ንኸይከዉን ደዉ ኢሎም ዘለዉ ህዝብን መራሕትን ትግራይ እዮም። 
ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና 
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events