World News

***ናቶም "ሲ እደለ ምኾነ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 08 April 2019

***ናቶም "ሲ እደለ ምኾነ ***
እቲ መቑርስካ ፥ደም ዝወጸ ድፋጭኡ
መዘናኾ "ኮ እዩ ፥ ጽኑዕ ኣብ ዕላምኡ
ናቶም  " ሲ እደለ ምኾነ ፥ናትካ ከፊኡ
ምስኦም ከተዳኽር ፥ምስ መረቖም ዝወድኡ

     ንሶም እኳ፥ኣይነበሮም ኣይጠፈኦም
ባርነት ዝናፍቑ ፥ ክሑን ዝቐርዓነ ልቦም
ናጽነት ዘየድመጹ ፥ሰመያዊት ዝባንዴርኦም
ንስኻ ኸ ንኡሰይ ፥ ኣይፋልካ  ያዕ በሎም

     ንሶም"ኳ ፥ብዓል ሕማም ደሓር
ሰብ ድጉል ጽልኢ ፣ በዓል ቀሓር መሓር
ዘበነ ውበ ዝጸመሙ ፣ ሰብ ህርፋነ ሹመት
ግዳይ ክበርኻ "ስ፥ ዓይንኻ ክዕመት

    መራጉድቲ ክትከውን ፥ ጠይቂ ሰብ ኣበሳ  
መትሓጥእቲ ፥ ክንዲ ሃገር ትድብሳ ትኽሕሳ
ንሶም"ኳ ፥ኣእምርኦም ዝተመዛበለ ዝቖንቆኑ
ናትካ ኸ ጎበዛይ ፥እንታይ እዩ ሽንኑ

       ክንዲ ተማሂርካ፥ሂወትካ ትመርሕ ትዓይ
ክንዲ ሰሪሕካ ፥ ለፊዕካ ንዕብየትካ ይጎይይ
ምስቶም ግብዛት ፣ ኣብ ህልኽ ዝተጸምዱ
 ጽቡቕ ሃገር ዘይንታዮም ፥ ካን ምስ ዝዓበዱ

        መዘናኻ እኮ"ዩ ፥ተኣምር ዝሰርሕ ዘሎ
ናቶም "ሲ እደለ ምኾነ፥ናይቶም ብዓል ዋሎ
ባሕርን ጣሕርን ሰጊርካ ፥ሳህራን ህሮርማን
መጋበርያ ክትከውን ፥ናይቶም ርኹሳት ረሲኣን
       
      ብሽምካ ዝነግዱ
 ኣዋሳ ጸኒሖም ፥ደብረዘይቲ ዝዓብዱ
ብዓል ኣምሰሉ ፥ ደሞም ረጊኡ ዝደስከለ
ዕርቃኖም  ዝወጹ፥ ሰብ ዉጹእ ጽላለ

         ናቶም " ሲ ፥እደለ ምኾነ 
         ናይ ቶም፥ ዕነ ምነ
  እንተ ንስኻ ግና ፥ኣይፋልካን ሕሰበሉ
እንታይ ዓዚሙካ ፥ክትከውን መፍቶ ጉሓላሉ
          
         ዓወት ንሓፋሽ
       ኣሸናፊ ኣብርም (ኣሼ)
         ጀርመን
       6/ 4/ 2019

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events