Date: Friday, 22 February 2019
ብሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመራሕ ልኡኽ ኤርትራ ብዛዕባ ክልትኣዊ ርክባትን ዞባዊ ምዕባለታትን ንምዝርራብ ሎሚ ሓሙስ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ገሊፆም።
እቲ ሓባራዊ ርክብ ዝበፅሓሉ ደረጃ ንምግምጋምን ዝርዝር ናይ ምትሕብባር ስምምዓትን ብዝምልከት ዝለዓለ ሓባራዊ ኮሚቴ ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼብኦም ጀሚሮም ኣለው።
ንጋዜጣ ኢትዮጵያ ሄራልድ መገልፂ ዝሃቡ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ንግዲ፣ኣጠቓቕማ ወደብ፣ጉምሩክ፡መጎዓዚያን ካልኦት መዳያትን ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ዝርርብ ከካይዱ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።