World News

BBC.com: ሓደ ካብ ኣቦታት ቋንቋ ትግርኛ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 02 July 2018

ዶክ ስብሃቱ ገብረሚካኤል Image copyright SEBHATU GEBREMICHAEL
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ስብሃቱ ገብረሚካኤል

ዶክተር ስብሃቱ ገብረሚካኤል ክፍሉ ንምዕባሌ ቋንቋ ትግርኛ ኣዝዮም ዝጸዓሩን ሕጂ'ውን ዝጽዕሩ ዘሎውን ተመራማሪ'ዮም።

እዞም ተመራማሪ'ዚኦም ሓደ ኣዝዩ ዘሕምሞም ነገር ኣሎ ... ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ትግርኛ ዝወረደ ማህሰይቲ። ነዚ ጕዳይ'ዚ እናረቝሑ ንዘልዕልዎም ዛዕባታት ምስማዕ እቲ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደይ ተኸኽ ከም ዘበሎም ክንግንዘብ ንኽእል።

ብስዋሱው ትግርኛ ጥራይ ዘይኰነስ ብስነ-ኣተናብሃ፡ ብስነ-ኣቀራርጻ-ቃል፡ ብስነ-ባህለት፡ ብስነ-ሲንታዚ ከምኡ'ውን ብስነ-መቐረት ጠቒሶም ክዛረቡ ንዝሰምዐ ሰብ ብሓቂ'ዩ ዝገርሞ። ዕላሎም፡ ብምዕቡል ኣሰዃዅዓ ቃላትን ብግሩም ዝዀነ ሰንሰለታውያን ሓረጋትን ስለ ዝስለሙን ዝተኣሳሰሩን፡ ንባዕሉ ዳርጋ ኣስተምህሮ'ዩ - በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ቋንቋ ትግርኛ ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ምዃኑ የርኢ።

ዶክተር ስብሃቱ ብ 1937 ኣብ ኣዅሩር፡ ስያሕ ጽንዓደግለ (ኣከለጉዛይ) ተወሊዶም፡ ሕጂ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝነብሩ ዘሎዉ ተመራማሪ፡ ውጽኢት ምርምሮም ናብ ህዝቢ ምእንቲ ክመሓላልፍ ከየባተኹ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ከም ዝጸዓሩ እቶም ብርክት ዝበሉ ዘሕተምዎም መጻሕፍቲ ይምስክሩሎም።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ዅሉ ፍልጠቶም ግን ንተዛረብቲ ትግርኛ ኸመሓላለፍዎ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ጥጡሕ ባይታ ኣይረኸቡን።

ዶክተር ስብሃቱ ከም ዝብሉዎ፡ እዋን ንእስነቶም ኣብ ኤርትራ ብናይ'ቲ ዘበን'ቲ ብሱላት መምህራን - ከም በዓል መምህራን ማቱሳላ ሃይሉ፡ ክንፈ ተስፋጋብር፡ ተስፋይ መዘንግዕ ዘኣመሰሉ - ተዀስኲሶም ስለዝዓበዩ ንሸዋ ክግዕዙ ከሎዉ እኹል ፍልጠት ባህልን ቋንቋን ትግርኛ ነይሩዎም'ዩ። ብተፈጥርኦም ከኣ ትኩር ስለ ዝነበሩ ንዝተማህርዎ ዓቘሩዎን ተኸናኸንዎን፣ ንዝተረፈ ኸኣ ብምርምር ከኻዕብትዎ ኸኣሉ።

"ኣብ ሕማቕ ወቕቲ'የ ተወሊደ"

ዶክተር ስብሃቱ ኣብ ሃገረሰብ ብጕስነትን ናድዮት ትምህርትን ክዓብዩ ኸለዉ፡ ትምህርቲ ድሒሮም ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ድማ ምስ ኣዝማድ ተጸጊዖም'ዮም ኣሕሊፎምዎ - ብሓጺሩ ንኽምሃሩ ብዙሓት መሰናኽላት-ህይወት ዝሰገሩ'ዮም።

"ኣነ ኣብ ሕማቕ ወቕቲ'የ ተወሊደ" ይብሉ። ወሲኾም "ኣደይ ንዓይ ብጥንስታ ኸላ ኣቦይ ዓስከር ጥልያን ኰይኖም ንትሪፖሊ (ሊብያ) ወፊሮም ስለ ዝነበሩ ኣነ ንመጀመርያ ጸሓይ እዛ ዓለም'ዚኣ ዝረኣኽሉ ሰዓት ኣቦይ ምሳና ኣብ ዓድና ኣይነበሩን፣ ክስብ ወዲ ሓሙሽተ-ሽድሽተ ዓመተይ ዓይኒ ንዓይኒ ኣይተረኣኣናን" ይብሉ።

ቀጺሎም ከኣ "ኣቦይ ብ 1942 ኣብ እምባ ኣላጀ ዝተኻየደ ኲናት ብወትሃደራት እንግሊዝ ተመሪኾም ንኣዲስ ኣበባ ተወስዱ - ኣብ ማእሰርቲ 'ዓለም-በቃኝ' ከኣ ኣተዉ። ካብኡ ሓደ ካብ'ቶም ንኤርትራ ክምለሱ ዕድል ዝረኸቡ ኰይኖም ኸኣ ካብ መቕዘፍቲ ናይ'ቲ እዋን'ቲ ድሓኑ" እናበሉ የዘንትዉ።

"ተዘክሮታት ዳርናዮስ"

ብዙሓት ተዘክሮታት ዶክ ስብሃቱ ኣብ ኣእምሮኦም ተወቒሮም ስለ ዝተረፉ ኣብ "ተዘክሮታት ዳርናዮስ" ዘርእስታ፡ ቅድሚ ዓሚ ዘሕተምዋ መጽሓፍ፡ ዛንትኦም፡ እኳ ድኣ ምስ መሃሪ ድሕረ-ባይታኡ፡ ከሰጋግርዎ ከኣሉ።

ዶክተር ስብሃቱ ገብረሚካኤል SEBHATU GEBREMICHAEL
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶክተር ስብሃቱ ገብረሚካኤል
(1987፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከፍተኛ 18 (ኣዲስ ኣበባ) ዝወጽሉ እዋን ዝተላዕለ ስእሊ)

ኣብ'ቲ መጽሓፍ'ቲ ብዛዕባ ኣተዓባብዮኦም፡ ምስ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰቱ መግዛእታዊ፡ ፖለቲካዊ ዀኑ ማሕበራዊ ምዕባሌታት ኣተኣሳሲሮም ከዘንትዉ ምንባብ ንቀልቢ ኣንባቢ ኣዝዩ'ዩ ዚምስጥ።

ዉልቃዊ ዛንትኦም ምስ ምቅይያረ-መግዛእቲ ኣዋሃሂዶም፡ ማለት መንግስቲ ጥልያን ተሳዒሩ ወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ብዛዕባ 'ዘመን ኣካሒዳ'፡ 'መልከፍቲ ሕማም በዲዶ' ዀኑ ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰቱ ቅዝፈታትን ፍጻሜታትን ብምጥቃስ ዘስፈሩዎም ጸብጻባት ብሓቂ መሃርቲ እዮም።

"በቲ እዋን'ቲ፡ እንግሊዝ 'ቃልሲ ምጥፋእ ድንቍርና ካብ ኤርትራ' ዝመደባቶም መባእታት ኣብያተ-ትምህርትታት ክኸፍቱ ኸኣሉ" ይብሉ። ብርግጽ፡ እቶም መደባት ትምህርቲ ብቋንቋ ትግርኛ ስለ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ከኣ ክምሃሩ ከኣሉ፣ ብ1942 "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ" ክትሕተም ጀመረት።

ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ኤርትራ ክምዕብል ከኣለ። ዶክ ስብሃቱ ኸኣ ነቲ ምዕባሌ'ቲ ተጠቕምሉ።

ቃልሲ ንትምህርትን ንእምነትን

"በቲ እዋን'ቲ ንኽምሃር ብዙሕ ዕንቅፋታት የጓንፉኒ ነይሮም፣ ብቀንዱ ኣቦይ ወላዲየይ፡ ኣዝዮም ተግባርተኛ ባህርይ ስለ ዝነበሮም፡ ማል ክጓስየሎም'ምበር ንኽምሃር ኣይደልዩንን ነይሮም" እናበሉ ይዝክሩ። "ዝዀነ ዀይኑ፡ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ፡ ዳርጋ ብሓያል ድፍኢተይ፡ ንኽምሃር ከፍቅዱለይ ከኣሉ" እናበሉ የዘንትዉ።

ካብ'ታ ዝተወልዱላን መባእታ ትምህርቲ ዝቐሰሙላን ቍሸት ወጺኦም፡ ብማእከላይ ቤት ትምህርቲ ደቀምሓረ፡ ጸኒሖም ከኣ መንደፈራ ኣቢሎም፡ ንኣስመራ ብምምራሕ ተምሃራይ ቤት-ጊዮርጊስን ስኩዎላ-ቪቶርዮን (ድሓር ብልዑል መኰነን ዝፍለጥ ዝነበረ) ከም ዝነበሩ ይገልጹ። ቀስብቐስ ኣንፈት ትምህርቶም ከነው ኣቢሎም ክሕዝዎ ከኣሉ።

ሓደ እዋን ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝቐረበ ፈተና ብምውሳድ ካብ ብዙሓት ተፈተንቲ ጸብለል ኢሎም ስለ ዝወጹ ተመሪጾም ተቈጽሩ። ጸኒሖም ናብርኦም ብዝሓሸ ንኸጣጥሑ ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሰገሩ።

ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ን 16 ዓመታት ሰርሑ። ግናኸ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናሰርሑ፡ ምስ ፍቅርቲ በዓልቲ ቤቶም ዀይኖም ደቆም ኣብ ዘዕብዩሉ ዝነበሩሉ እዋን ሽግር ካብኦም ኣይተፈልየን።

እቶም ብጊዜ ደርግ ኣብ ልዕሊኦም ዝትኸሰቱ ጸገማት ኣሰቀቕቲ ነበሩ። "ኣብ ኢትዮጵያ ከለኹ ኣርባዕተ ግዝያት ኣብ ኣብያተ-ማሕዩራት ብምኽንያት ሃይማኖትን ዜግነትን ኣቶኹ" እናበሉ የዘንትዉ። ንሶም ኣባል ምስክር የሆዋ'ዮም።

ሽግራቶም እናዓበዩ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ብጸቢብ ተታሕዙ፣ ማለት ብዙሕ ጭካኔ ስለ ዝረኣዩን ንናብራኦም ሰንከልከል ዜብሉ ተጻብኦታት ብተኸታታሊ ስለ ዘጓነፎምን ካብኦም ንክገላገሉን ንሓዳሮም ን መዕበያ ደቆምን ብግቡእ ንክከናኸኑን ብ1986 ናብ ዓዲ ስደት ኣምርሑ።

ናብራ ኣብ ሃገር ሽወደን

ዓቢ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘበን ግዝኣተ ኢትዮጵያ ስለ እተወልደ፡ እቲ ብኽንደይ ጻዕርን ጸበባን እግሪ ዝተኸለ ቋንቋ ትግርኛ ክብሕጐጕን ክተሓናፈጽን ዶክ. ስብሃቱ ይዕዘቡ ነበሩ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ካብ'ቲ ብጸበባ ዝተኸበበ ናብራ ኣዲስ ኣበባ ኣምሊጦም ቀሲኖም ክነብሩ ምስ ጀመሩ ኣቓልቦኦም ናብ ቋንቋ ትግርኛ ኣድሃበ።

"ኣነ ኣዛውንታይ'የ፣ ስለዚ፡ ኣነ ይዅን ከምኡ'ውን እቶም ካልኦት ሓላፍነት ድንፍዕትን ግስጋሰን ምዕብልናን ቋንቋና ሒዙና ሓርኰትኰት እናበልና፣ ካብቶም ቅድም ኢልና ዝፈለጥናዮም ለቓቒምና ኣገባባት ሰዋሱዋት ቋንቋና፣ ካብ ኣፋውያን ዝዀኑ ታሪኻታቶም ለቓቒምና ህያዋን ክንገብሮም ብመጠኑ ጽዒረ'የ" እናበሉ ብትሕትናን ምቕልሉነትን ይዛረቡ።

ኣበርክቶኦም

ኣብ ሽወደን ኰይኖም ንስዋስው ትግርኛ ዚምልከት ክልተ ቅጽታት ዘሎዎም ብ1990 ዓበይቲ መጻሕፍቲ ኣበርከቱ። ኣብ ዓመቶም ከኣ 360 ዝገጹ ንስርሓት ጸሓፍትን ተርጐምትን ዝኸውን መጽሓፍ ኣዳለዉ። ብ2003 ንመጽሓፍ ቅዱስ ብእሩም ትግርኛ ደጊሞም ጸሓፍዎ። ብ2014፡ "ተዘክሮታት ዳርናዮስ"፡ መጽሓፍ ታሪኾም፡ ምስ ኣሕተሙ ከኣ ከምብሓድሽ ምዕቡል መጽሓፍ ሱዋስው ትግርኛ ኣቕረቡ።

ዝተዳለው ግናኸ ኣብ ማሕተም ዘይበጽሑ መጻሕፍቲ'ውን ኣሎዎም። "መዛንዮት - I" (ዳርጋ 5,000 ዝገጻቱ) / "መዛንዮት - 2" (ዳርጋ 2,500 ዝገጻቱ) ዝተባህሉ - ብዛዕባ ምስላ ኣቦታት፡ ዘረባ ኣቦዋት እዞም ብመልክዕ ክልተ ክጽታት ክወጹ ትጽቢት ዝግበረሎም ዘሎዉ መጻሕፍቲ ናይ ምሉእ ህይወቶም ምርምር ዝሓዘሉ'ዮም። ንክሕተሙ ምሹእ እዋንን ዓቕምን ኣብ ምጽባይ ይርከቡ።

"ኦሮማይ፡ ብኸዪ ትግርኛ" ዘርእስቱ መጽሓፎም'ውን ተዳልዩ ይርከብ - ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ብዝወረደ ማህሰይቲ ኡይ ዚብል መጽሓፍ'ዩ።

ጻውዒት ንትንሳኤ ቋንቋ ትግርኛ

ዶክተር ስብሃቱ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ቋንቋ ትግርኛ ዘርኢ ጕዳይ ንሓላፊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መንግስቲ ኤርትራ-ነበር - ኣቶ ዑስማን ሳልሕ - ብ2010 ዓ.ም.ፈ. ሓደ ግልጽ ዝዀነ ደብዳቤ ልኢኾም ነይሮም'ዮም።

ትሓዝቶ'ቲ መልእኽቶም ከምዚ ይመስል ነይሩ ... "ንተገደስቲ ኣባላት ሕብረተ-ሰብና ብነጻ ኣብ እተደልዩ ስፍራታትን ግዝያትን ውዕዉዓትን ንጡፋትን ሓጸርቲ ንመፋለጥታት ዝዀኑ ኣስተምህሮታትን ምይይጣትን ከወክፍን ከተግብርን፣ ወይ ከኣ ብስምምዕ ኣብቲ ካምፓስ ዩኒቨርሲቲ ንእትተወሰኑ ግዝያት ከም ሓደ ሞያተኛ መምህር (ብገዛእ ፍቓደይ፡ ብነጻ ብዘይገለ ክፍሊት) ተቘጺረ ከስተምህር እንሆ ኣደፍር ኣለኹ'ሞ፡ ፍቓድኩም ስምረትኩም ዝገልጽ ኣወንታይ መልእኽቲ ለግሱለይ።" መልሲ ግን ኣይረኸብሉን።

ብተመሳሳሊ፡ ብ2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ካምፓስ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ብኣካል ተረኺቦም ሓድሓደ ኣስተምህሮታት ድሕሪ ምሃብ ንስለ ትንሳኤ ቋንቋ ትግርኛ ሓቢርና ንስራሕ ኢሎም ዘቕረቡዎ ጻውዒት ሰማዒ ኣይረኸቡን።

ዶክተር ስብሃቱ፡ ንትንሳኤ ቋንቋ ትግርኛ ብልቦም ይኣምንሉ ስለ ዝዀኑ ብዕድሜ ደፊኤ'የ ከይበሉ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ተመራማሪ'ዮም።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events