World News

BBC.com: ጉዳይ ስደተኛታት ኣውርጳ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ሓዲሽ ስምምዕ ይበጽሓ'ዶ ይኾና?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 28 June 2018

  • June 28, 2018
https://ichef.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/6063/production/_102157642_migcatanialanding13jun18getty.jpg
ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛትት ጣልያን ናይ መጀመርታ መርገጺ እግሮም እያ።

ዝሓለፈ ሰንበት መብዛሕትኦም መራሕቲ ኣውሮጳ ንጉዳይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት መግትኢ ንምርካብ ተራኺቦም።

እዚ ዘተ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ቅድሚ 28-29 ሰነ በዛዕባ ጉዳይ ብሬግዚት ዝካየድ ብእንግሊዝ ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታትን ንምዝታይ ምጅማሮም'ዩ ተኻይዱ።

ሓደ ካብቲ ኣብ በራስለስ ዝተኻየዱ ዘተታት ኣብ ሓላፍነትን ስምረትን ዝብሉ ቃላት ዘተኮረ ኮይኑ፡ እተን ቀንዲ መርገጺ እግሪ ስደተኛትት ኣፍሪቃ ዝኾና ጣልያንን ግሪኽን እንታይ ክገብራ ኣለወን ? ብኣውሮጳዊ ሕብረት ክጽወር ዘለዎ ሸኸምን ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ዘትዩ።

ኣባላት ኣውሮጻዊ ሕብረት፡ ድሕሪ ናይ 2015 ቅልውላው ስደተኛትተ ነዝን ሃገራት ንምሕጋዝ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣብ ስራሕ'ዩ ጸኒሑ።

መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ሓደ መደምደምታ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ክትዕ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ሓዲሽ ልፍንታዊ መንግሰቲ ጣልያን ኣብ ስደተኛታት ዝኽተሎ ፖሊሲ፡ ጣልያን ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ኣኳርዮስ ኣብ ወደባታ ክትጽጋዕ ዘይምፈቃዳን፡ ወጥሪ ኣብ ልፍነታዊ መንግስቲ ጀርመንን ካልእን ነዚ ክትዕ ካብ ዘንቀሉ ከምዝኾኑ ይንገር።

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብመሰረት ስምምዕ ደብሊን፡ ስደተኛ ኣብታ ፈልማ እግሮም ዘንብሩላ ሃገር ናይ ዕቁባ መሰል ክፍለጠሎም ዘፈቕድ እዩ።

ሓደ ሰብ ስደተኛ ንክብሃል እንታይ ዓይነት ናይ ፈተናን መርመራን መስርሕ'ዩ ሓሊፉ'ዩ ናይ መሰል ዑቕባ ዝህልዎ? ኣብ ሃገሩ ስቓይ ስለዝወረዶ? ናይ ቁጠባ ስተደተኛ ስለዝኾነ? ካብዚ ወጻኢ ድኣ መንከ'ሎ? ዘብሉ ኣካታዕቲ ሓሳባት ካብቶም ዝተላዓሉ እዮም

መንግስታት ንሓተትቲ ዑቕባ ከመይ'የን ክሕዘኦም ዘለወን?

እቲ ኣብ 2015 ክስርሓሉ ዝጅመር ኣብ ስደተኛትት ዝምልከት ኣተሓሕዛን ኣመቓርሓን ዕዉት ዘይምንባሩ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ንሓድሽቲ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳ ብኮታ ናይ ምምቕራሕ መስርሕ ክህሉ ኣለዎ ደዩ?

ዝብሉን ካልኦትን ካበቶም ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝለዓሉ ሕቶታት'ዮም።

https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/D7FC/production/_102129255_gettyimages-674713462.jpg

ሃንጋሪ ብደቡባዊ ሸነኽ ዝመጹዋ ስደተኛታት ንምግታእ ድሕሪ 2015 ዝሰርሓቶ ሓጹር

ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብዚ መሰማምዒ ክኸውን ዝኽእል ሓሳብ ኣቅረቡ'ሎ፡ እተን ብዙሕ ዋሕዚ ስደተኛትተ ዝቅበላ ሃገራት ሓገዝ ክወሃበንን፡ እተን ስደትኛታት ክቅበላ ዘይደልያ ሃገራት ፋይናንስያዊ ሓገዝ ከበርክታ ዝብል መሰማምዒ ሓሳብ ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ እንታይ እዩ?

ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓለዋ ዶባት ድሮ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ኣውሮጳዊ ሕበረት ኣጄንሲ ሓተትቲ ዑቕባ ካኣ ክህሉ'ዩ።

ዳታ ቤዝ ኣሰረ ኣጻብዕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰፊሑ ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ሕግታት ኣውሮዓዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ክኣ ኣብ ጽፉፍ መስርሕ ኣሎ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/161C6/production/_102166509_migmoriacamp20may18getty.jpg ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ግሪኽ ዝርከብ መዓስከር ሞርያ መሰረታዊ ቀረባቱ ኣዝዩ ድሩት'ዩ

ንምንታይ እዩ ኣኼባ ኣድልዩ?

እዚ ኣኼባ ብቻንስለር ጀርመን ኣንጅላ መርከል ዝተጠልበ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኮንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ዶናልድ ታስክ ኩሉ እዚ ስምምዕ ብመራሕቲ ዕስራን ሸሞንተን ሃገራት ኣባላት ኣውራጳዊ ሕብረት ክውሰን እኳ እንተነበሮ እቲ ናይ ምቕባል ሓላፈነት ግን ንፕረዝደንት ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ጁዋን ክላውደ ጅንከር'ዩ ተዋሂቡ ዘሎ ይብል።

እዚ ኣኼባ 17 ሃገራት ዝተሳተፈኦ ኮይነን፡ ፖላንድ፡ ቸክ ሪፖብሊክ ስሎቫክያን ሃንጋሪን፡ ኣብዚ ጉዳእ ክሰማማዓ ኣይክኣላን።

እዘን ሃገራት ሓተተቲ ዑቕባ ኣብ ምቕባል ኮነ ፋይናንስያዊ ሓገዛት ኣብ ምብርካት ኢደን ከምዘይሕግዛ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኣብዚ ኣኼባ ገለ ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተረን ክሰዳ እንከለዋ ገለ ክኣ ሚኒሰትራት ብምስዳድ እየን ተሳቲፈን።.

https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/C746/production/_102241015_migrants_italy_greece_spain-4sp79-nc.jpg

ካብዚ ኣኼባ እንታይ ውጽኢት ከምዝርከብ ንጹር ኣይኮነን፡ እቲ ካብ ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአ ጽሑፍ ካብ ምስ ጣልያን ምስ ጀርመን ኣብዚ ጉዳይ ንምስምማዕ ብዝያዳ ከምዝኸብድ የብርህ።

ቀዳማይ ምኒስተር ጣልያን ጁሰፔ ኮንተ፡ ኣብ ፌስቡኩ እዚ ሰነድ ዘይቅቡል ስለዝኾነ ክሳሓብ ኣለዎ፡ እቲ ክግበር ዘለዎ እቲ ዝተዘርበሉን ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉን ጥራይ'ዩ ክኸውን ዘለዎ ክብል ጽሑፉ።

ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ናይ ስደተኛታት መበሊ ነቁጣ ክግበር ይከኣልዶ?

እዚ ሓሳብ ብዙሕ ምስሕሓባት ፈጢሩ ኣሎ።

መራሕቲ ዴኒማርክን ኦስትርያን ስደተኛታት ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮና ሃገራት ስደተኛታት ንምስፋር ኣብ ዝብል ዛዕባ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ኩሎም መራሕት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብዚ ሓሳብ ክዛረቡ ሙዃኖም ዝልሓኹ ሓበሬታ ይሕብሩ።

እዚ ሓሳብ ግን ሓያሎ ሕቶታት ከልዕል ዝኽእል እዩ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ወደባተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጅላቡ ክዕሸጋሉ ከፍቕዳ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ እንከለዋ፡ እተን ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮና ሃገራትከ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግዚኡ እዩ?

እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ምስ ሕግታት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ክብርታትን ዝጠዓዓም ድዩ ዝብል ክኣ ካልእ ተወሳኺ ሕቶ'ዩ?


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events