World News

BBC.com: ሃንቀውታ ሰላም ህዝቢ ዓጋመ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 09 May 2018

ግምቦት ዕለት 09, 2018 ዓም ፈረንጂ
መንእሰይ መልኣኩ ደስታ፣ ወይዘሮ ኣብርሀት ባህታን መምህር ፍፁም ፀጋይን

"ዕንፀይቲ ዓጋም ዘይነድድዬ

ፍቕሪ ዓጋመ ዘይሰድድዬ"

ተባሂሉ ዝተደረፈሉ ድንግል መሬት ዓጋመ ጎዶን ቆፎን ቅያታት ዝተመልአ እዩ::

ጥሕሎን ሜስን ኣሳንዩ ተዓጢቑ ዘሳስይ: ኢዱ ሰሊዑ ክእንግድ ጋእ ዘይብል ሕያዋይ ህዝቢ ዝሓቖፈ እዩ ህዝቢ ዓዲግራት ማለት:: ዓጋመ ድማ ቅድሚ 20 ዓማውቲ ሓንቲ ካብተን ግርጉራት ከተማታት ኢትዮጵያ እያ ነይራ::

ኣብ መንገዲ ሕለፍ ተመሓለፍ ምስ ምህላዋ ከዓ ደሚቓ ክትረአ ግድን ነይሩ::

ኢትዮጵያ ኣብ ጉንዲ እዝና ዝርከብ ኣፍደገ ባሕሪ ባፅዕ ተኻርያ ክትጥቀም ብዓዲ ግራት ኣቢላ እያ ትሓልፍ::

በዙይን ክንድዙይን ህዝቢ ዓጋመ ምስ ጎረቤት ኤርትራ ኣብ እንካን ሃባን ዝተመስረተ ንግዳዊን ማሕበራውን ርክብ ነይሩዎ::

ተንከርከር ዓዲግራት

ንዓዲ ግራት ዝፈልጥ ሆቴል ኒያላ ህልም ኣቢሉ ኣይርስዕን::

ክንዲ እምባ ኮይኑ ዝረአ ዝነበረ ጎብለል ሆቴል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋይሽ ሓሪሞሞ እንዳ መስተ ጥራሕ ኮይኑ'ሎ::

ወናኒት እቲ ሆቴል ወይዘሮ ኣብርሀት ባህታ ግና ልዕሊ ኹሉ እቲ ምስ ስድረአን ፈላልይወን ዘሎ ዘይተዓረየ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት እዩ ዘጉህየን::

"እቲ ናይ ቀደም ፍቕሪ እናተራኣየኒ እጉህይ እሓዝን:: ሰብ ክፋቐር ክተሓዋወስ ደስ ይብለኒ:: ንጉሆ ኣብ ዓዲግራት ቡንካ ሰቲኻ ኣብ ኣስመራ ስራሕኻ ወጊንካ ምሳሕካ በሊዕኻ ምሕዳርካ ዓዲግራት ይምፃእ ነይሩ:: እንታይ እሞ እንታይ እሞ..." ብምባል ኣዒንተን ቁፅርፅር ክሳብ ዝብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይዝክረኦ::

ከተማ ዓዲግራት

ሎሚ እቲ ዝነበረ ከምዘይነበረ ኮይኑ ብዛንታ ይዝከር'ሎ:: ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ዶብ ኣፍ ደገ ምስተሃርሀረ ዓዲ ግራት ናብ ዕንይንይ ኣተወት።

ኣብ'ታ ከተማ ብዘይካ እታ ንፈውሲ ማሕላ ዝተተኸለት ፋብሪካ መድሓኒት ካልእ እዚ እዩ ኢልካ ዝፅዋዕ ኣፍራዪ ትካል የብላን።

እተን ብድሕሪኡ ዝበቖላ ትካላት እውን ካብ ፋብሪካ ሕሩጭ ወዲ ሕሩጭ ኣይሓለፋን።

ህዝቢ ዓዲግራት ንዘዝመፁ ሹመኛታት ክሻብ መዓዝ ኢና ኣብ ዕፁው ገዛ ክነብር: ፍታሕ ዘይተምፅኡ እንትብል ሽምጡ ገቲሩ ሞገቶም።

ብድሕሪኡ ፈውሲ ግስም ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተጣይሻ ነታ ከተማ ፈለኽ ክተብላ ከኣለት። ብኣውርኡ ግና ርክብ ክልቲኦም መንግስታት ደኾን ናብ ንቡር ይምለስ እሞ ኣፋፍኖት ንረክብ ብምባል ህዝቢ ኣንቃዕሪሩ ተፀበየ።

"ትፅቢትያ ድራርስ ዓይኒ የዕውር" ምስኮኖ ህዝቢ ናይ ኣቦታቱ ግራት ናብ ምልማዕ ወፈረ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ'ቲ ዝነበረ ኣይግደድ ዓዲግራት ተንከርከር ትብል'ላ።

ሃንቀውታ ስኒት

መምህር ፍፁም ፀጋይ ብገደብ ዕድመ ስራሕ ካብ ሞያ መምህርነት ተሰናቢቶም ኣብ ሓደ ፋብሪካ ሕሩጭ ይሰርሑ ኣለዉ::

"እቲ ጎንፂ ብሕልፊ ኣብ ከባቢ ንዘለና ልዕሊ ኩሉ ድማ ንከም ዘላምበሳ ዝኣመሰሉ ኣዝዩ እዩ ጎዲኡ:: ብኢኮኖሚ: ብኣተሓሳስባን ብሞራልን ብጣዕሚ ተጎዲኡ እዩ:: ሰላም ተዘይሃልዩ መርዓ የለን: ሓጎስ የለን ብሓባር ምንባር የለን:: ኣብ ዘላምበሳ ፋብሪካ የለን ዝተጠናኸረ ስራሕቲ ልምዓት የለን:: ከመይ ኢሎም ከምዝነብሩ ኣዐርዩ እዩ ዘሕስበኒ:: ኣብ ዑና እዮም ዝነብሩ ዘለዉ" እንትብሉ ኣምርር ኣቢሎም ይዛረቡ::

ህዝቢ ብፃምርን ሃንቀውታን ሰላም ተጠዊፉ ክመውት ከምዝበለ ልዕሊ ኣንደበቱ ምስክርነት ምቕራብ ኣይከኣልን::

ስነጥበባዊን ነጋዳይን ካሳሁን ወልደጊዮርጊስ
ናይ ምስሊ መግለጺ
ስነጥበባዊ ካሳሁን ወልደጊዮርጊስ

ስሙይ ስነጥበባዊን ነጋዳይን ካሳሁን ወልደጊዮርጊስ ብግዲኡ ነቲ ኩይናት ንምክያድ ዝተኸፈለ ዋጋን ድሕሪኡ ዝተረኸበ ነገርን ብፍጹም ኣይመጣጠንን ይብል::

ኮይኑ ግና ውዒሉ ሓዲሩ ስኒት ክመፅእ እዩ ብምባል ዘለዎ ተስፋ ይገልፅ::

"በቲ ጎንፂ ኩልና ተጎዲእና ኢና:: እቲ ነቲ ዶብ ክሕልው ወፊሩ ዘሎ ሰራዊት ዝፈስስ ዘሎ ገንዘብ ሓሲብካ እዚ ኹሉ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ውዒሉ ተዝኸውን ነይሩ ንብዙሓት ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ምኻኣለ ነይሩ:: ፍቕርን ሰላምን እውን መዕሰለ" ብምባል ክንደየናይ ማህሰይቲ ይወርድ ምህላዉ ኣነፂሩ የቕምጥ::

መንእሰይ መልኣኩ ደስታ ደርፊ ኣብራር ዕሱማን እናሰመዐ ኣብ ሓንቲ ፀባብ ኣጉዶ መዐረዪ እንዳ ሞባይል ይሰርሕ::

"ቆልዓ ኮይነ እንትዝክር ኣብ ዓዲግራት ብጣዕሚ ዓበይቲ ኣውተቡሳት ይመፅኣን ብዙሕ ምንቅስቓስ ህዝቢ ይረአን ነይሩ። ሎሚ እዚ ኹሉ ተሪፉ: እታ ከተማ እውን ሞይታ እያ ዘላ" በለ::

እቲ ጎንፂ ምልዓሉ ኣሻሓት ህይወት ሰብ ቀዚፉ ንብረት እውን ጉሒፉ ሓሊፉ እዩ:: ብድሕሪኡ ድማ ኣይ ሰላም ኣይ ኩይናት ን20 ዓመት ህዝብታት ኣብ ሰንፈላል ክነብሩ ገይሩዎም::

ብወገን ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ሑመራ ሸራሮን: ዓድዋን ኣክሱምን: ዛላምበሳን ዓሊቴናን:ዓዲ ኣርባዕተን ገርሁ ስርናይን ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ክሳብ መዓዝ ኢና ተተፋኒንና ክንነብር? ሓዲኡ ዘይትገብሩ እንትብል ናብ ከባቢኡ ንዘዝመፅኡ ሰበስልጣን ይሓትት'ሎ::

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብልሳን እቶም ሓዱሽ ዝተሸሙ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢሉ ተዛሪቡ እዩ:: ነቲ ፀገም ምስ መራሕቲ ኤርትራ ብዘተን ልዝብን ክንፈትሕ ድልዋት ኢና ኢሎም::

ብወገን ኤርትራ ድማ ዓራቒ ሽማግለ ንባድመ ሓዊሱ ዝሃበና መሬት እንተየረከብኩምና ዘተን ልዝብን ዝበሃል የለን እንትብሉ ኣብ ዘረባኦም ረጊፆም ኣለዉ::

ክልተ ሓራምዝ ብዘካይድዎ ዘለዉ ህልኻዊ ቅልስ ኣብ መንጉኡ ህዝቢ እንተይፈተወ ብዓይኒ ማዕዶ እናተጠማመተ ንብዓት ናፍቖት ቋፂሩ ይነብር'ሎ::


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events