World News

Tigrigna.VoaNews.com: ቂሔ-ጽልሚ፡ ጽምብል 25 ዓመት ኣብ ኣፍራይነት ሙዚቃ ኣበባ ሃይለ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 17 March 2018

መጋቢት 17, 2018
ፋይል- ድምጻዊት አበባ ሃይለ
ፋይል- ድምጻዊት አበባ ሃይለ

ድምጻዊትን ሙዚቀኛን ኣበባ ሃይለ፡ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ንዝስርሓቶም ስነጥበባዊ ስርሓት ንምዝካርን ንምስናድን “25 ዓመት ኣብ ኣፍራይነት ሙዚቃ ብዝብል ቴማ ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ዓበይትን፡ ገዳይምን መንእሰያትን ስነ-ጥበባውያን መሳርሕታ፡ መታዓቢታን ኣፍቀርታን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓርቢ ምሸት 2 መጋቢት 2018 ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ብድምቀት ጸምቢላ።

ኣብ`ቲ ጽምብል ንሕሉፍ ጉዕዞ ስነ-ጥበባዊ ሂወታ ዝገልጽ ዶክመንታሪ ፊልም ክቐርብ ከሎ ሻዱሸይቲ ኣልቡማ`ውን ተዘርጊሓ።

ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝጽንሐ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ብኤሪ ባንድ ተዓጅባ ሓደስትን ናይ ቀደምን ስርሓታን ብምቕራብ ንተሳተፍቲ ኣዘናጊዓ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4302238.html#player-start-time=192.609501

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events