Date: Wednesday, 10 January 2018
ኤሪስታር ዝተባህለ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝመደበሩ ናይ ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ናይ ስፖርት ክለብ ዝሓለፈ ሰሙን ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዕላማ ዝገበረ ዋዕላ ኣዳልዩ ኔሩ።
“ትበጽሖ ሸቶ ብምሕሳብ ጉዕዞኻ ጀምር” ዝብል ቴማ ሒዙ ዝተዳለወ እዚ ዋዕላ ልዕሊ 200 ተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ከምኡ’ውን ወለዲ ተሳቲፎም ኔሮም።
ንኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንዝኣትው ተማሃሮ እኹል ምቅርራብ ንኽገብሩ ዝዓለመ ዋዕላ እዩ ኔሩ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ቤልትስቪል ሜሪላንድ ዝተኻየደ ዋዕላ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ተመሪቖም ኣብ ስራሕ ዘለው ገና ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ ዘለው ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ተዋፊሮም ዘለው ሰብ ሞያ ተመክሮታቶምን ኣኻፊሎም ።