ባንክ ኤርትራ፡ ንሕጋጋት ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 134/2026 ኣውጺኡ።
እዚ ሎሚ 9 መስከረም ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ዝወጸ ሕጋዊ ምልክታ፡ ኣርባዕተ ዓንቀጻት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ ብባንክታትን ፊናንስያዊ ትካላትን ኪካየድ ስለዝግባእ፡ ብውልቀ-ሰብን ብሕታዊ ትካላትን ንዝተወሰነ ግዜ ክተሓዝ ንዝኽእል መጠን ጥረ ገንዘብ ዘነጽር’ዩ።
በዚ መሰረት፡ ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ልዕሊ 25 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ደረጃ ‘ሐ’ ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ልዕሊ 50 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ደረጃ ‘ለ’ ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ልዕሊ 100 ሽሕ ናቕፋ፣ ኣብ ደረጃ ‘ሀ’ ዝተመደበ ብሕታዊ ትካል ድማ ልዕሊ 150 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ኣብ ኢድ ክሕዝ ከምዘይፍቀድ ተደንጊጉ’ሎ።
ቅቡል ብዘይኰነ ምኽንያት፡ ልዕሊ’ዚ ዝተጠቕሰ ፍቑድ መጠን ጥረ ገንዘብ ካብ 15 መዓልታት ንላዕሊ ዝሓዘ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብሕታዊ ትካል ሕጋዊ ስጒምቲ ከምዝውሰዶ፡ እቲ ሕጋዊ ምልክታ ኣነጺሩ’ሎ።
እዚ ሕጋጋት’ዚ ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል።
ኣስመራ፣ 9 መስከረም 2026
ባንክ ኤርትራ