Dehai

ሓበሬታ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርትያ ካሊፎርንያ።መዓልታዊ ዙረት (Picnic)

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 03 August 2018

ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ፡
 
ዕዙዝ ሰላምታና ተቐበሉ፡፡

ቀጺልና ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ማለት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ተኣጒዱ ዝነበረ ሽርሕታት ጸረ ህዝብታተን ኣልሚሱ ናብ ፍቕራውን ሕውነታውን ጉዕዞ ዘምርሕ ዘሎ መስርሕ፡ ሳላ ውርጹጽ መሪሕነትና፡ውፉይ ሓፋሽ ህዝብና፡ ዘይሕለል ጽንዓት ምክልኻል ሓይልታትናን፡ ዝተረኽበ ፍረ ስለ ዝኾነ ንሕና ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ  ካሊፎርንያ ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ነንሕድሕድና ባህታና ንገልጸሉን ደገፍና ቀጻሊ ምዃኑ ነረጋግጸሉን ሓቢርካ ናይ ምውዓል መደብ (Picnic) ኣዳሊና ስለ ዘሎና፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብኽብሪ ዕድሚኣ ተቕርብ። 

ዕለት፡ ሰነ 18, 2018 (August 18, 2018)
ግዜ፡ ካብ 10፡00 ቅ/ቀ ክሳብ 6፡00 ድ/ቀ (From 10;00 am to  6፡00 pm.)
ቦታ፡ (Location) Crown Memorial State beach Alameda
Address፡ Eights street and Otis Drive Alameda Ca 94501

ክብሪ ንሰማእታትና 
ዓወት ንሓፋሽ
ሰነ 3, 2018



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events