Dehai

ዝኽሪ ሰማእታ ኣብ ሳንሆዘ ካሊፊርንያ፡ (San Jose Ca.)

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 17 June 2018

ኤርትራውያ ነበርቲ ከተማ ሳንሆዘን ከባቢእን (San Jose Ca.) ብሰ 16, 2018 ስለ እቶም ሂወቶም ከፊሎም ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ዘድሓኑ ብጁዋት ሰማእታትና ንምዝካር ኣብ ህዝባዊ መናፈሻ (Kelly park Santa Clara) ዝኽሪ ተገሩሎም። ኣብዚ ቁዱስ መዓልቲ  ሰማእታትና ዝግብኦም ክብሪ ንምሃብ ብርክት ዝበሉ ኣቦታትን ኣደታትን ዝለዓለ ብዝሒ ህጻናትን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ዕለት ኔሩ።  መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ተኸፊቱ፡ ቀጺሉ ሃገራዊ መዝሙር ድሕሪ ምዝማር ነቲ በዓል ዝምልከት መልእኽቲ ካብ ኩቡር ኣምበሳደር ሃገረ ኤርትር ዋሺንግቶን ዲሲ (Washington DC) ኣቶ ብርሃነ ገብሪሂወት ዝተላእከ መልእኽት ተነቢቡ።                                                                                                                                                          ብድሕሪኡ ተሳተፍቲ ኣብ ዘዘለዉዎ ብዛዕባትቲ ዝሓለፈ ቃልስን ዝተኸፍሎ መስዋእትን ዝኽርታቶም ዘሔድሱ ዕላላትን ልቢ ተንከፍ ታሪኻትን ሕጂ ዘሎ ኩነታታት ተዛትዮም።  በደታት ዝተዳለወ ቡን ሻሂን ቁርስን ንእንግዶት ተዳልዩ ኩሉ ሰብ ድማ ተኻፊሉዎ። ንህጻናት ስለቲ ዘርእይዎ ተሳትፎን ተገዳስነትን ንዕኦም ይኸውን ዝተባሕለ ፍሉይ መግቢ ተቐሪቡሎም ኔሩ።
እዚ ካብ ሰዓት 2፥30 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት ሸውዓት ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ዝኽሪ ምድምዳሙ፡ ተሳተፍቲ በብዓቕሞም ንስድራ ቤት ሰማእታት ዝውዕል ገንዘባዊ ውጺኢት ገረም። ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ሓንቲ እደ ንስድራ ቤት ሰማእታት ንምሕጋዝ ነርባዕተ (4)ስድራ ንሓደ ዓመት $1,460 ክትህብ ከላ ጥዕና እንተሂቡኒ ንዓመታ ናይ ካልኣይ ዓመት ክንድኤ ክውስኽየ ክትብል ተመባጺዓ። ብጀካዚ ናይ ሎሚ እዛ ኣደዚኣ ነርባዕተ ስድራቤታት ሰማእታት ትሕግዝ ከምዘላ ክሕብር  እፈቱ። ስለዚ ብጠቕላላ ንሾመንተ ስድራ ሰማእታት ሒዛ ኣላ። ዕድመን ጥዕናን እምነየላ ምስጋና ይብጽሓያ።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ሽምዓ ኣብሪሆም ብዝተሓበሮም ቦታ ባንደራ ኤርትራን ኣሜርካን ሒዞም ብመስርዕ ሰለስተ(3) ግዜ ድሕሪ ምዛር ብዝኽሪ ሰማእታት መደብ ተዛዚሙ።
ክብርን ነባሪ ዝክሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር
San Jose Ca.

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events