Dehai

መጽሓፍ ክንበብ እንበር ኣብ ከብሒ ክድርደር ኣይተሓትመን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 31 January 2024

ብዙሕ ግዜ መብዛሕትና ዳርጋ ኩልና ኤርትራውያን ታሪኽ ቃልስና (ሰውራና) ገና ኣይተሰነደን ዘሎ በሃልቲ ኢና። እቶም ታሪኽ ዝፈጸሙ በብሓደ ይሓልፉ ኣለዉ ዝብል ስክፍታ ኣሎና። ሓቂዩ ገና ብዙሕ ዘይተነግረ (ከይተሰነድ) ንስነዳ ዝጽበ ውዕሎታት ኣሎ።  ብኡ መንጽር ታሪኹ ብዝግባእ ክፈልጥ ዝጽበ ዎሎዶ ኣሎ። ተራ መሪሕነት ገድሊ፡ ተራ ተጋደልቲ፡ ተራ ገባሮ፡ ተራ ሰራሕተኛ፡ ተራ ደቀንስትዮ፡ ተራ ተመሃሮ፡ ተራ ቤተ እምነታት፡ ተራ መንእሰያት፡ ተራ ጓሶት፡ ተራ ኣብ ስደት ዝነበሩን ዝነበራን፡ ክኣሳብ ተራ ናይቶም እንስሳታት ኣብ ጎኒ ተጋደልቲ ኮይኖም ጉቡኦም ዝፈጸሙ፡ ብሓፈሻኡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።  እቲ ስክፍታ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ግን ከኣ ብዙሓት መጻሕፍቲ ተደሪሶም ተሓቲሞም ኣብ ዕዳጋ ዝቐረቡ ከምዘለዉ ክዝንጋዕ የብሉን።  ማዕረቲ ስክፍታ ታሪኽ ብዝግባእ ዘይ ምስናዱ፡ እቶም ንዕዳጋ ዝቐረቡ ዘይምምባቦም ካልእ ስክፍታዩ።  ሰባት ብባህጊ ንመዘከርታ ይገዝእዎም ከይተነቡ ኣብ ከብሒ መጻሕፍቲ (bookshelf) ተደርዲሮም ይተርፉ ኣለዉ።  ምሓዞም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ነገር ግን ምንባቦምን ንካልኦት ከንብቡ ኣብነት ምዃን እዩ። 
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ
ዓወት ንሓፋሽ
ገ/መስመር፡


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events