Dehai

ትግሃት ዘይምህላው ዘስዕቦ ሳዕቤን፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 25 January 2024

ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ሰብኡት ይነብሩ ኔሮም። እቲ ሓደ ሓላፍነት ዝስምዖ እቲ ሓደ ሓላፍነት ዝጎደሎ። ንግዚኡ ኣስማትም ኣቶ ህርኩትን፡ ኣቶ ወዛልን ኢለ ክሰምዮም እየ።  ቤተ ክርስትያ ዓዲ ውስን ኢሉ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተደኮነ ኮይኑ፡ ናብኡ ዝወስድ መንገድ  ኮሮቢት ስለ ዘለዎ ሓሓሊፎ ኣእማን የንከራሩ'ሞ ኣብ ወጋሕታ ክትከዶ ይዕቅፍ። ነዚ ዘስተውዓለ ኣቶ ህርኩት ኣንጊሁ ተሲኡ ነቲ የእማን ሰብ ከይዕንቅፍ ይኣልዮ ነበረ። ሰባት መንገዲ ጠጢሑሎም ብሰላም ከይዶም ተሳሊሞም ብሰላም ንገዝኦም ይመላለሱ ነበሩ። ሓደ ማዓልቲ ኣቶ ህርኩስ ስለ ዝገሸ ኣእማን ዝኣልዮ ኣይረኸበን። ኣቶ ወዛል ከም ልማዱ ንቤተ ክርስቲያን ክኸይድ እንተ መጸ፡ መንገዲ ኣእማን መሊኡ ጸንሖሞ ኣቶ ህርኩት ከምዘይ ሓለፈ ፈለጠ። ኣብ ክንድ ኣልዩ ዝሓልፍ ህርኩት ድኣ ነዘን ኣእማን እልይ ከይብለድዩ ድሕሪ ኩሉ ክመጽእ ተሪፉ? ድሓን ጽባሕ ተወሲኹ ክጸንሖዩ ኢሉ ሰሰጊሩ ክሓልፍ ከሎ፡ በታ ናይ መወዳእታ እምኒ ተዓንቂፉ ወደቐ'ሞ ሰለስተ ቀዳሞት ኣስናኑ ሮጒፉ ንገዝኡ ተመልሰ። ብድሕሪኡ ጓህማም ዝብል ሳጓ ወጾ። እቲ ሳጓ ግን ኣብኡ ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን። ደቁ መጸውዒ ስመም ተሪፉ  ደቂ  ጓህማም ብዝብል ቅጽል ስም ክጽውዑ ጀመሩ።  እዚ ሓቀኛ ዝተፈጸመ ተርእዮ ኣስፊሕካ ምተጻሕፈ። "ጉይይ ዊኢልካ ክሳድ ምሓዝ ከምዝብሃል"  እቶም ናይ ፖሎቲካ ጓሃማማት ጸረ-ሃገር ዝኾንኩም ንደቕኹም ዘሕፍር ታሪኽ ከይትገድፍሎም ንምምሕጻንየ። ወይ ምስቲ ኩርኳሕ ጸሪጉ ዘጣጥሕ ዘሎ ተሰሪዕኩም ጉቡእኩም ግበሩ፤ ወይ ድማ ኣፍኩም ኣኪብኩም ጓሓፍ ታሪኽኩም ሰቲርኩም ደቅኹም ኣይተታልሉ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገ/ንጉስ መስመር


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events