Dehai

ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ሩሑስ!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 05 October 2023

     ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተሓወስዎ ብግዳማዊ ድፊእትን ምወላን ዝተዶጎመ ጸረ ሰራዊትናን ሃገርናን ህዝብናን መንግስትናን ክኻየድ ጸኒሑ ኣሎ።  እቲ ተቛውሞታት ዝጸንሔ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ግን እንኳንዶ ሰብ ሰይጣን ክገብሮዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።  እቶም ንረብሓ ነብሶም ክብሉ ናይ መንእሰያትና ዱኹም ጎድኒ (ጸገሞም) መዝሚዞም ኣብ ገበናዊ ተግባራት ክጽመዱ ዝገበሩ እቶቶም ኣኻዕቢቶም ኣስተርሕዮም ክሓድሩ ከለዉ፡ ደቂ ገርሂ ልባ ድማ ብጽፈጸምዎ ግብረ-ሽበራዊ ስራሕ ከይቀሰኑ መውጽኢ ክረኽቡ ሃሰው መሰው ክብሉ ይውዕሉን ይሓድሩን እለዉ። 

    ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፖሎቲካ ዕዳጋ ዕግርግር፡ ብዘይ ምስትውዓል ወይ ህድእ ኢልካ ብዘይምሕሳብ ኣእሙሩኦም ዝተሰርቑ መንእሰያት ውሑዳት ኣይኮኑን።  ኣብዚ ዝሓለፈ ሃገራዊ በዓላትና ብስድታት ዝተፈጸመ ተግባራት ብጀካ እቶም ሃንደስቱ ገዲፍና ካልኦት ግዳይዮም ኮይኖም። እዚ ከኣዩ *ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ሩሑስ* ዘበለኒ። 

    መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ ኩነታት መበገሲኡን ኣበገስቱን፡ ተረባሕትን ተበደልትን ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ ማዕድኡን ምኽሩን ብግሉጽን ብሩህን ክልግስ ጸኒሑ'ዩ።  *ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ* ከምዝበሃል ሰማዕ ኣይረኸበን።  ሕጂውን ዝኸፍኤ ከይመጸ ካብ ግጉይ መንገዲ ክምለስ ንዝደለ እቲ ማዕጾ ክፉትዩ።

* ነፍስወከፍ መንእሰይ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ብጉቡእ ተገንዚቡ ክምልሰን እንተኪኢሉ፡ ኣብ ረሳሕ ፖሎቲካ ኣይክሕንብስን እዩ።
1) ስልምንታይ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ተበጊሱ?
2) ስለምንታይ መንእሰያት ናይ ሽዑ ተሰሊፎም?
3) ስለምንታይ ተወጊኦም ሰንኪሎም?
4) ስለምንታይ ክቡር ሂወቶም ንመስዋእቲ ሂቦም?
5) ስለምንታይ ድሕሪ 1991 ተጻብኦታት፡ መውጋእትን መስዋእትን ተደጊሙ?
6) ስለምንታይ ድሕሪ ነጻነት ከነጋይጽ ከይበሉ፡ ሙዉቕ ናብራ ከይገበሩ፡ ዝረግጽዎ ሽዳ ከይቀየሩ፡ ከርተት ይብሉ ኣለዉ? ናይዘን ሕቶታት መልሲ ንቕአጻሊ ማኣዝን ጉዕዞና ብሩህ ክገብሮ'ዩ

*ክብርን ሞጎስን ነቶም ሰራሕቲ ታርኽ ዋልታ ሃገር ዝኾኑ ምክልኻል ሓይልታት ኤርይር።
*ሞጎስን ክብርን ነቲ ንዓመታት ክምህ ከይበለ ኣብ ጎኒ ሰራዊቱን መንግስቱ ዝቃለስ ዘሎ ሓፋሽ።
*ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና።
*ውትሩ ዓወት ዓወት ንሓፋሽ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events