Dehai

ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 05 September 2023

ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ!

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ሃገራውን ባህላውን ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምዝራግ፣ ነቲ መለለዪ ኤርትራውያን ዝኾነ ስልጡን ውዳበ፡ ሃገራውን መንነታውን ሓበን ዝማእገሩ ባህልን ክብርታትን ንምድዋን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምስሳይ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ጎነጻዊ ናዕቢ ክተባባዕ ተራእዩ። እዚ እኩይ ተግባር’ዚ፦

  • ዘይጸዓድ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘሰናበዶም ዓበይቲ ትካላት ስለያ (እንተላይ ሞሳድ) መሳርዕ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ብዕማዀ ሃሱሳት ዝህቅንዎ ዘለዉ፡ ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ሽርሒ እዩ። ዝርዝራቱ ኣብ ቀጻሊ።
  • ብዛዕባ “ኤርትራውያን ስደተኛታት” ዝውረ ሓሶታት እውን ኩሉ ምእንቲ ክፈልጦ፡ ሓቅታት ዘነጽር ዝርዝር መብርሂታት ክስዕብ እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ

05 መስከረም 2023
-----------------------


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events