Dehai

ኣብ ቴልኣቪቭ፡ ዝተፈጸመ ጎነጻዊ ተግባር

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 04 September 2023

ኣብ ቴልኣቪቭ፡ ዝተፈጸመ ጎነጻዊ ተግባር


4 መስከረም 2023

ዝሓለፈ ቀዳም፡ 2 መስከረም 2023፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል፡ ሃገራዊ በዓሉ ንከኽብር ብሕጊ ሓቲቱ፡ ብዝምልክቶም ሰብስስልጣን መንግስቲ ኤስራኤል ከኣ ንቡር ፍቓድ ተዋሂብዎ።

ብሰብ-ስልጣን መንግስቲ እስራኤል ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ በዓል ንከኽብሩ ዝመጹ ኣስታት 1200 ዜጋታትና፡ ናብ ኣደራሽ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ከምዝተኣኻኸቡ ተገይሩ።

ነዚ መደብዚ ብጎነጽ ከተዓናቕፉ ዝወደቡ ሃሱሳት ብወገኖም፡ ልክዕ ኣብቲ ዕለት’ቲ፡ ካብቲ በዓል ዝግበረሉ ቦታ 500 ሜትሮ ርሒቖም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ንፖሊስ እስራኤል ሓቲቶም፡ ተፈቒዱሎም ኔሩ’ዩ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ እዞም ጸይቀ-ዕሉላት፡ ንእተዋህቦም ሕጋዊ ፍቓድ ጉልባብ ተጠቒሞም፡ ለይቲ ወይ ወጋሕታ ነቲ ኣደራሽ ከጥቅዑ መደብ ሒዞም፡ ኣእማን ኣባትርን ካራን ክጥቀሙ ተዳልዮም ከምዘለዉ ሓበሬታ ስለዝረኸበ፡ ንፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ዘየድሊ ግጭት ከእትውዎ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሕጊን ስርዓትን ናይ ምኽባር ሓላፍነት ናይ ፖሊስ እዩ ዝብል መልሲ ድማ ተዋሂቡዎ።

ከምቲ ዝተገመተ፡ እቶም ሃሱሳት ካብ ዝተፈቕደሎም ቦታ ሓሊፎም ወጋሕታ ናብ ኣደራሽ ብምምራሕ ህውከት ፈጢሮም፣ ሕጊ ብምጥሓሶም ከኣ ምስ ፖሊስ ኣብ ግጭት ኣትዮም። ካብ ሰዓት 6፡00 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 1፡00 ቀትሪ ድማ፡ ኣብ መንጎ ፖሊሲን እቶም ሃሱሳትን ግጭት ተኻይዱ፣ ኩሉ’ቲ ዘጋጠመ ፖሊስ ብቪድዮታት ሰኒዱዎ ኣሎ።

ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኤርትራ፡ ፖሊስ ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት፡ ካብ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቐትሪ ካብ ዝተመደበሎም ቦታ ከይተንቀሳቐሱ ብዓቕሊ ተጸብዮም። በዚ ድማ ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ምስ ኣባላት ማሕበረ-ኮም ዝኾነ ግጭት ኣየጋጠመን።

እቶም ሃሱሳት፡ ኣብቲ ናይ ኣደራሽ ቦታን ከባቢኡን ከቢድ ዕንወት ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ናብቲ በዓሉ ከኽብር ዝመጸ ህዝቢ ተኣኪቡሉ ዝነበረ ቦታ ኣብ ዘምርሑሉ ህሞት፡ ጎነጽ ስለዝጀመሩ፡ ኣባላት ማሕበረ-ኮም፡ ነበሶም ክከላኸሉ ተገዲዶም።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ን10 ዓመታት መመላእታ ኣብ ዘካየዶ ሃገራውን ባህላውን ንጥፈታት፡ ዝኾነ ጸገም ፈጢሩ ከምዘይፈልጥ ዝተረጋገጸ እዩ። ከምዝፍለጥ ኣካላት ጸጥታን ኢሚግረሽንን መንግስቲ እስራኤል፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ካበይ መጺኦም ምጽራይ ከይገበረ ንኹሎም ከም ኤርትራውያን’ዩ ዝቕበሎም ነይሩ። ካብዞም “ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ” ተመሲሎም በብግዜኡ ጸገማት ከፈጥሩ ዝጸንሑ ድማ ብዙሓት ዘይኤርትራውያን እዮም።

እቲ ክውን ኩነታት ከምዚ ክንሱ፡ ካልእ ፖለቲካዊ መልክዕ ንምሃቡን ንማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ይኹን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምድዋን ዝከየድ ዘሎ ናይ ማዕከናት ዜና ይኹን ገለ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ዘይሓላፍነትዊ መግለጺታትን ጠቐነታትን፡ ዶብ ክግበረሉ የድሊ።

ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ እስራኤል
ተልኣቪቭ

4 መስክረም 2023
--------------------------



WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events