Dehai

ምስ ከውሒ ዝጸመደ ይደሚ እንበር ኣየድምን!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 11 July 2023

ምስ ዘይጽመድ ዝጸመደ፡ ከም ምስ ከውሒ ተጋጭዩ ዝደመ እዩ።  ዓሻ ጥራሕ'ዩ ምስ ከውሒ ዝጋጮ።  ስነ-ሓሳብ ሻዕብያ ከውሒ'ዩ፡ የድሚ እንበር ኣይደምን።  ኩሎም ፍሩያት ይኹኑ ደቀቕቲ ምስ ሻዕብያ ዝተጋጨዉ ዓፊሮም "ዓወት ኣልቦ" ኮይኖም ተሪፎም። ደናቁር ካብ ታሪኽ ስለ ዘይመሃሩ፡ ደጊሞም ደጋጊሞም ምስ ሻዕብያ ብምግጫው ግንባሮም በሰላ ሓንጎሎም ሓተላ መሊኡ።  ሓንጎሉ ሓተላ ዝመልኤ ሰብ ቅኑዕ  ክሓስብ ስለ ዘይክእል ኣብ ሸንኮለል ይነብር። ኩሎም ንሻዕብያ ዝቋወሙ መንግስታት ይኹኑ ጉጅለታት ናይዚ ባህርያት ግዙኣት ስለ ዝኾኑ ከየቕስኑ ክብሉ ከይቀሰኑ ይነብሩ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events