Dehai

ክልተ ሞት!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 06 July 2023

ክልተ ሞት!
ኣብ ቢሂልና *ክልተ ሞት* ዝብል ምሳሌ ኣሎ።  ትንፋስ ክልተ ግዜ ትሓልፍ  ማለት ግን ኣይኮነን። እንታይድኣ  ኩፉእ ተግባር ንምግላጽ ዝተባህለ ምሳሌ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሞት ዘይረብሕ ሰብ ምህላዉን ዘይምህላዉን  ትርጉም ስለ ዘይብሉ ከም ሙዉት ይቑጸር ንማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ዘይተርፍ ሞት ካብ ዓለም ትፋነወሉ'ዩ።  ሞት ክዳን(ሰታሪ)'ውን ይበሃልዩ። እዚውን ሕመቕ ዝገልጽ ኮይኑ ካብ ብሕመቕ ምንባር  ምስታር ማለትዩ።  ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ሞት ምምናይ ኣይኮነን።  ወይ ዓቕምታት ሰባት ንምንእኣስ ኣይኮነን። መነባብሮ ምውድዳር ኣይኮነ።  እንታይ ንምግላጽዩ እዞም ብዝተፈላለየ ኣስማት ነብሶም ዘጠመቑ ጉጅለታት ሰይጣን፡ እሞ በቲ ሕልና ኣልቦ ዝኾነ ስነ-ሓሳቦምን ሩኹስ ተግባራቶምን ጸረቲ ሂወት ከፊሉ ሂወት ዝተኸለ ሰውራን ህዝብን መንግስትን ገና መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ሓይልታት ምክልኽል ኤርትራ  ዝገብሩዎ ኣርዮሳዊ ምንቅስቓ ናይ ሙዉታት ሞት ምዃኑ ንምግላጽ'ዩ። ብርጌድ ንሓመዱ፡ ንጉድጓዱ፡  ንጎዱፉ፡  ኣግኣዝያን፡ ጉጅለ ይኣክል፡ ትግራይ ትግርኚ፡  ኣውራጃውያን፡ ወዘተ... ብጅምላ ቀዳማይ ሞት ዝሞቱ፡  ካልኣይ ሞት ክመጾም'ዩ በብማዓልቱ።  ስለዚ ነዚኣቶም'ዩ  ክልተ ሞት ዝበሃለሎም።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events