Dehai

ሃገሩ ዘየኽብር ሰብ፡ ሰብዩ ክትብሎ የጸግም።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 06 July 2023

ሃገሩ ትጸብቕ ትኽፋእ፡ ትድከ ትሃብትም፡  ዘየኽብር ሰብ እንተ ኾይኑ፡ ሰብዩ ክትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚዩ። ምኽንያቱ ሰብ፡ ሰብ ዘብሎ፡ ሰብ ዝሰርሖ ምስ ዝሰርሕ ትራይ'ዩ። ንሱ ከኣ ንሃገሩ ኣሕሊፉ ምስ ዘይህብ'ዩ። ዝተወለድካላ መድሕንትኻ ዝተቐብረላ መሬት ኣትሒትካ ንናይ ስደት ፡ሃገር ክብሪ ምሃብ ዓቢ በደልዩ። ክብሪ ኣይትሃብ ማለተይ ኣይኮነን ልዕሊ ሃገርካ ክትሰርዖ ግን ጌጋዩ። መን ኣሎ ልዕሊ ኣዲኣ ሰይተቡኡ ዝፈቱ? ሕጂውን ሰይተቦ ትጸላእ ኣይኮንኩን ዝብል ዘሎኹ። ጉቡእ ክብራ ኣይነፈጋ። ብዝኾነ መለክዒ ልዕሊ ፍቕር ኣደ ክኸውን ግን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ካብ ማህጸን ኣደ ድኣምበር ካብ ማህጸን ሰይተቦ ስለ ዘይትውለድ። ህዝቢ ኤርትራ ክብሩ፡ መንነቱ፡ ባህሉ፡ ልምዱ፡ ሃገሩ፡ ከይጠፍእ'ዩ መስዋእቲ ዝኸፈለ። እንስሳ ከይተረፈ ሃገሩን ሃገር ስደቱን ፈላልዩ ዝፈልጥ።  ንኣብነት ኣብ ግዜ ገድሊ ብሰንኪ ኲናት መሬት ኤርትራ ግዲፈን ተከዘ ዝሰገራ ሓራምዝ፡ ምዕራባዊ ቆላ ገዲፍ ሱዳን ዝሰገራ እራብ፡ ሰስሓ፡ መፍለስ፡ ዓጋዜን፡ ሃገር ነጻ ምስ ኮነት ናብ ቦትኤን ተመሊሰን። ዘገርም'ዩ። እዚ ዝብሎ ዘሎኹ መልእኽቲ ነቶም ካብ ሃገር ወጺኦም ህግደፍ ካብ ዝመርሓና ኣብ ስደት ይትረፍ ሬሳና ዝብሉ ተለኣኣኽቲ ነፍስሄር ጁንታ ዝምልከት ጥራሕዩ። እቶም ሰሪሕኩም ዓቕምኹምን ልዕሊ ዓምኹምን ሃገርን ህዝብን ትድግፉ ኣይምልከትን እዩ። ብትገብሩዎ ዘለኹም ኣስተዋጽኦ ሓበን ይሰማዕኩም። እቶም ላንጋላንግ ኣብ ቀልብኹም ይምለስኩም።  እቶም ከሓድቲ ኣምላኽ ፍርዱ ይሃብኩም።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events