Dehai

ወያነን ደርግን ዘማሳስሎምን ዝፈላልዮምን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 05 January 2023

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ቅትለት ቖጺርካ ዝውዳእ ኣይነበረን። ብኡ መንጽር ከኣ ኣብ ጉጉይ ኲናት ወፊሩ ዝረገፈ ሰራዊ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ግዜ ደርጊ ነደታት ኢትዮጵያ ማይ ገዲፉ ደም ዘንብዔ እዩ ኔሩ። ብወገን ሰውራና ብዙሓት ደርፍታት ግፍዒ ዝገልጹ ተደሪፎም"ዮም። ከም *እኽሊ ሓሪሙዎ ቆፎና፡ ዒባ ናፊቑ ደንበና*። ህዝቢ ተረሺኑ፡ ጥሪት ተሓሪዱ፡ ዓድታት ነዲዱ። ብወገን ኢትዮጵያ ከኣ *ወደ ሰሜን ይሄዳል እንጂ ኣይመለስም* ዝብሃለሉ ዝነበረ እዋን ዝድረፍ ደርፍታት ኔሩዩ። ኣብነት
*በሜትረስ ታርሶ በደም የበቀለ፡ ሆዴ ኣይበላም የኤርትራ ስንዴ*። ንሰሜን ዘዝኸደ እንተዘይተመሊሱ ተቐቲሉ ማለት'ዩ።  ስለዚ ደርጊ ንህዝቡ ከም ዘህልቕ ዝነበረ ብደርፊ ተገሊጹ'ዩ። ወያነ ከኣ ነቲ ደርጊ ዝገበሮ ጌጋታትዩ ደጊሙ። ኣብ ክልተ ዓመት ዘይመልእ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰራዊትን ህዝብን ኣጥፊኡ።  ብረት ሒዙ ወፊሩ፡ ኣረኪቡ ጃለ ኾይኑ ኣትዩ።  ደርግን ወያነ ፍልልዮም፥ ደርጊ ሃዲሙ ሰራዊቱን ዕጥቁን ዛሕዚሑ።  ወያነ መህደሚ ሲኢኑ ነብሱን ሰራዊቱን ዕጥቁን ኣረኪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሓቂ ሰላም ዝደሊ መንግስቲ እዚ ዶክቶር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ዘሎ ጥራሕዩ።  ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓለፎ ታሪኽ ከም መምሃሪ ወሲዱ ንረብሕኡ ምስዚ ዘሎ መንግስቲ ብእምነትን ቅንዕናን ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ክሰርሕ ኣለዎ።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events