Dehai

ሓጸርቲ ጽሑፋት፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 03 January 2023

* ትም ክብረት!                                                                                      -----*-----
 ገለ ኣሎ ዘጉርዕ ከርበ ዝሓዞ፡
ቅኑዕ'የ በሃላይ ባዶ ትሕዞ፡
ሓቂ ከምስል ዝቑዝም ዝቑንዞ፡
ዘረብኡ ሚዛን ዘይብሉ ዝዛዞ።
ትማሊ ኢሰያስ ኤርትራ ኣውሪሩዋ፡ ድሓር ኢሰያስ ኤርትራ ሸይጥዋ፡
ሕጂ ኢሰያስ ትግራይ ወሪሩዋ፡ 
ጽባሕከ ኢሰያስ ንመንዮም ክብሉና ሸይጥዋ?
ንሽኻዶ ኣይኮንካ ትማሊ ቅድሚ ሞተይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንቲ ሃገር ኮይነን የርእየኒ ዝበልካ። ካብዚ ንላዕሊ ሃገር ምሻጥ ኣሎድዩ? ከዳዕ መልሓስካ ኣይተፍቅደሉ ክዛረብ ብዛዕባ ኤርትራ። ስላዕ ሻዕብያ ሎሚ እንተ ዘየርከበልካ ኣይምሰልካ ዝገድፈካ።
ሕጂውን ትም ክብረትይ'ሞ እቶም ኤርትራ ንምፍራስ ትም ምባል ዝኣበኹም ትም ይሕሸኩም። ትም ክብረትዩ ትም በሉ።
ትም ሕትም፡
**********

* ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ዝተሳእነ እንታይ ኣሎ?
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ዘይተማህረ መን ኣሎ?                                              ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ዘይተፈወሰ መን ኣሎ?
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ጠምዩ ዝሓድር መን ኣሎ?
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ፈሪሁ ዝነብር መን ኣሎ?
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ኣፍልቢ ነፊሑ ዘይከይድ መን ኣሎ?
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ዘይዓጠቐ መን ኣሎ?
ሳላ ጽንዓት ጅግና ዓዲሃሎ ዘይተሳዕረ ጸላኢ ኣበይ ኣሎ?
ሳላ ጽንዓት ጅግና ዓዲሃሎ ኣብ ኣፍሪቃ ለውጢ ይርኤ ኣሎ፡
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ሜረት ተረጋጊኡ እሎ፡
ጅግና ዓዲሃሎ ሚልዮናት ጀጋኑ ኣፍርዩ ኣሎ፡
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ይመሃር ኣሎ፡
ሳላ ጅግና ዓዲሃሎ ዝተረፈ እንታይ ኣሎ?
ነዚ ዝጻባእ እንተሎ ሓድሽ ዓመት'ዩ ይናሳሕ።

* ኤርትራ ቀሲና ንከይትነብር ከይቀሰኑ ዝነበሩ፡ 2022 ንዘልኣለም ከምዘይ ቀስኑ ጌራ ትፋነዎም ኣላ።  ንኤርትራን ኤርትራውያንን ድማ 2023 ማዕጾኣ ከፊታ ብፍሽኽታ መርሓባ ትብለና ኣላ።

* ዋርሳይ ህወሓት ኣለልዮምኻዶ?    ሕጂኸ ፈሊጦምኻዶ መን ምዃንካ?   ኣለሊዮሞ'ዶ ሕብሪ ዓይንኻ? ይዝክርዎዶ ጃንትራ ኢሎም ከቋናጽቡኻ፡  ረሲዖሞ ድዮም ዶቦም ምዃኑ ምስ ዶብካ፡  ንዓኻ ገዲፎም ዕርክነት ምስ ኣሜሪካ፡   ሕጂዶ ይሓይሽ ምግሓፍ ከም መራት ታኒካ?    ንሱዩ ትርፉ ምምሳል ምስ ዘይመስለካ፡ ረሲዖሞዶ ዎለድኻ ሓንጊሮም ከእትውዎም ሽዋ፡   ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ?እግሮም ከይነገፉ መምበረ ንግስነት ኮፍ ክብሉዋ?ከምቲ ጀነራል ፊሊፖስ ዝበሎ፡ ኣንጅዋ ካብ ሰፈራ እንተሪሒቓ ንሞታ!  ልክዕ'ዩ ጁንታ ውቅያኖስ ሰጊራ ዝገበረቶ ዕርክነት፡   ኮይኑ ከምዛ ናይ ኣንጩዋ ኣብነት።በቃ ጠፊኣ ከም ጨው ሓቒቓ፡
በቃ! በቃ! በቃ!
••••••*••••••

* ኤርትራ ዕድለኛ!!
ሃገረይ ኤርትራ ክንደይ ተዓዲልኪ ምክልኻል ሓይልታት ዝኾኑ ደቅኺ፡ ከይትድፈሪ ኮይኖምልኪ ሴፍን ዋልታን። ከይትርገጺ ኮይኖምልኪ ሓጹር፡ ከይትቖሪ ኮይኖምልኺ ጋቢ፡ ህቦብላ ከይድውኖ ሕብሪኺ ብትንፋሶም ጋሪዶምኺ፡ ከይትዓርቂ ሓምላይ ኣልቢሶምኺ፡ ከይትጸምኢ ዲጋታት ሰሪሖምልኺ፡ ሂወቶም ከፊሎም ዘድሕኑ ሂወትኪ፡ ሃገረይ ብሓቂ ዕድለኛኺ ነዚኦም ምውላድኪ።
ምስጋናን ሞሳን 
ንምክልኻል
ሓይልታትኪ
ነባሪ ዝኽሪ
ንሰማእታትኪ
ዓወት ንሓፋሽ ህዝብኺ።
---------*---------

* መርሓባ ዋርሳይ ውላድ ይካኣሎ፡
ታሕጓሰይ መሊኡ ዘይብሉ ጎደሎ፡
የዕልለኒ ከመይ ነበረ እቲ ውዕሎ፡
ዓለም ብቕያኻ ተገሪሙ ኣሎ። *ኣንታ ጅግና በዓል ሕድሪ፡                 
ገጽካ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ፡ ንኹሉ ትጻወር ሃሩር ይኹን ቁሪ።
*ብልሕኻ ዘይፍለጥ ሚስጢሩ፡ ጉዶም ዘውጽእ ቦንቁሩ ቦናቊሩ፡
ሕፍረት ሸሊምካዮም ከጥፍኡኻ ዝመኸሩ።
ሳላኻ ኮሪዕና፡
ሳላኻ ከቢርና፡
ሳላኻ ቀሲና፡
ይብጻሕካ ልባዊ ምስጋናና።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events