Dehai

ሓጸርቲ ጽሑፋት።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 19 December 2022

* ኣደታት ኤርትራ ፍሉይ ባህርያተን፡ ዓለም ኮሊልካ ዘይትረክብ ከም ናተን፡ ዋዕሮታት ዝወልዳ ተካእቲ ኣደታተን፡  ኣናብስ ዝወልዳ ተካእቲ ኣቦታቶም። ሳላ ቁዱስ ማህጸንክን ሃገር ተኸቢራ፡ ካባኽን ዝፈረዩ ዝፈረያ ተኺሎማ ባንደራ። ኩሉ ግዜ ተሞጎሳ ክበራ።

*ኣብ ሱሳታ ሰብዓታት ሰማንያታት ዋርሳይ ዝነበረ፡ ናይ ቀዳሞት ጀጋኑ ሕድሪ ተቐበለ፡ ኣብ ሰውራ ሰዊዱ ይከኣሎ ዝተባህለ፡ ንዘይከኣል ኪኢሉ ዓወት ዘበሰረ፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ዘገላገለ፡ ልኦሞ'ውን ይቅጽል ኣሎ ምስ ናይ ሎሚ ዋርሳይ እሂን ሚህን እናበለ፡ ነብሱ ኣትሒቱ ረብሓይ ከይበለ፡ ክሳብ ዝስዋእ ቃሉ ከየዕበረ።

*ቃፍላይ እንታይ ኣፍርዩ እንትርፎ ሕስረት፡ መልሻ ስርናይ እንታይ ከሲቡ እንትርፎ ውርደት፡ ሃሱስ እንታይ ረኺቡ እንትርፎ ጭንቀት፡  ተበላጻይ እንታይ ረኺቡ እንትርፎ ፍሽለት።  ካብዚኦም ይሰውረና።

*ኣብ መዓር ዶቦኾና ኣሎ፡ ኣብ ስርናይ ክርዳድ ኣሎ። ኣብ ዋላኻ ኳኲቶ ኣሎ፡ ኣብ ስዋ ሓተላ ኣሎ፡ ኣብ እኽሊ ሓርኢ እኽሊ ኣሎ። ኣብ ሰብ ግን፡
1) ከዳዕ ኣሎ ሃገር የሕሊፉ ዝህብ፡
2) ጠላም ኣሎ ቃሉ ዘየኽብር፡
3) ሓሳዊ ኣሎ ኣጣቊሱ ዝነብር፡
4) ወስላት ኣሎ ቅኑዕ ክመስል ዝደሊ፡
5) ስሱዕ ኣሎ ብጀክኡ ካልእ ክሓልፈሉ ዘደሊ፡
6) መደናገሪ ኣሎ ባህርያቱ ከዊሉ ካልእ ዝመስል፡
7) ዝገደደ ተበላጺ ኣሎ ቀትሪ ምሳኻ ለይቲ ምስ ጸላእትኻ፡
እዚኦም ሸውዓተ ባህርያት ካብ ሕብረተ-ሰብና ክጠፍኡ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት'ዩ። እና ፈለጥካዮምን፡ እና ሰማዕካዮምን ምስቃጥ ገበን'ዩ። ብዓቢኡ ሕድሪ ምጥላም'ዩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events