Dehai

ጉቡእና ዘይገበርና መሰልና ክሓትት መሰል የብልናን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 16 December 2022

መሰል ክበሃል ከሎ ሓደ ክልተ ሰባት ከም ዝብሉዎ ኣብ ዓዲ ገዛ ስለ ዘላቶም 2℅ ዓመታዊ ግብሪ ክኸፍሉ ስለ ዝግደዱ ይኸፍሉ። እንተዘይከፊሎም ጉዳዮም ብሕጊ ስለ ዘሕትቶም። እዚ ካብቲ ሓደ ዜጋ ክገብሮ ዘለዎ ጉቡኣት ድኣንበር ሓደን ወሳንን ኣይኮነን።  ካብ 2℅ ክሳብ መስዋእቲ ዘለዉ ጉቡኣት ብዙሓት'ዮም። እቶም 2℅ ጥራሕ ከፊልካ ዝሕለፍ ዝመስሎም ጽባሕ ንግሆ ንዝመጾም ሕቶ እንታይ መልሲ ኮን ይህቡሉ ይኾኑ? ገለ ንምጥቃስ፡                                      *$1፡00 ንማዓልቲ፡ 
*ሓገዝ ኣብ ግዜ ወራር ወያነ ንዝተዛናበሉ፡                                    * ምሕብሓብ ስድራ ቤት ሰማእታት፡
* ምስሳን ቆፎ ሰማእታት፡ 
*ኣብ ግዜ ወራር 1ይ, 2,ይ 3ይ, ..... ኢሉ ዝቐጸለ ተኻታታሊ ወፈያታት፡ 
* ንማእከላት መሰልጠኒ ህንጻታት ወፈያታት፡
* ንዘጋጠመ ድርቂ ወፈያ፡ 
* ንኮቪድ-19 ወፈያ,
* ምሳሕ ምስ ኣውሓስቲ ልእላውነት ሃኣገር ምክልኻል ሓይልታት ዝተዋጽኤ ወፈያ፡ ካልኦትን ቀንዲ ጉቡኣት ንመሰሉ ዝሓትት ዘበለ ዜጋ ከማልኦም ዘለዎ'ዩ።  እዚኦም ኹሎም ብ2℅ ምኽፋል ተሸፊኖም ዝሓልፉ እይኮኑን። ፍትሒ ንጉቡኡ ዝገበረ መሰሉ ሕሉው ከምዝኾነ፡ መሰሉ ዘይገበረ ጉቡኡ ክሳብ ዘማልእ መሰል ከምዘይብሉ መግለጺታት ዘየድልዮ ንጹር ሕጋዊ መስርሕ'ዩ። እቶም 2% ንመሕወዪ ብኲናት ዝደመየት ሃገርና ከይከፍልኩም ዝጸናሕኩም ሕጂ ተኣኪቡ በዚሑና ኢልኩም ተዕዘምዝሙ ዓገብ ሕጊ ኣይቅየርንዩ። ናይ ምኽፋል ድልየት ስለ ዘይጸንሔ እንተዘይኮይኑ ኣብ ግዚኡ ምተኸፍለ ኔሩ። ብክረዲት ካርድ ገዚእና ከይንቕጻዕ ወርሒ ወርሒ ከየቋረጽና ዕዳና ንኸፍል እና። ንብረት ዘሎና(ገዛ) ዓመታዊ ግብሪ(property tax) ኣብ ማዓልታ ወይ ኣቐዲምና ንኸፍላ። እንተኣሕሊፍና መቕጻዕታ ንፈልጣ ኢና። መንግስትና ነቶም ተኣኪቡ በዚሑና እንብል ከምታ ኣካፋፍላ ዕዳ ክረዲት ካርድ ጌርና ክንከፍላ ዕድል ኢቡና'ዩ።  ነዚ ሓላዪ ቁዱስ ሓሳብ ኣብ ግብሪ እነውዕሎ ክንደይ ኮን ን

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events