Dehai

ንሻዕብያ ዝብድል ቀሲኑ ነይሓድር፡ ሻዕብያ ዝኸሓደ ኣብ ሜረት ከሎ ሲኦል ዝኣተወ

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 13 December 2022

* ደምበ ዒንኪሊል!
ጸሊም ድሙ ኣብ ጫፍ ጭርኡ ዛዕዳ ጮግሪ ምስ ትህልዎ ኣካሉ ኣይትመስሎን'ያሞ፡ ንዓኣ ክነክስ ዕንኪልል ይብል ኣብ ወዳእታ ጹሩር ኢሉዎ ጠረብ ኢሉ ይወድቕ። እዞም ሃሱሳት ኤርትራውያን ኢሰያስ ዲክታቶር ክብሉ 360° ኮለል ክብሉ ገጾም ማዕጢጡ፡ ርእሶም ዘይንቡር መሲሉ ተመሊጡ። ቆርበቶም ተጨባቢጡ፡ መቐመጭኦም ብኾፍ ሓቢጡ።
ጅግና ወዲ ኣፎም ግን ብህድኣት ኩሉ ስርሑ ኣሳሊጡ የሳልጥ ኣሎ።

* ነገር ህወሓት                                                                           ሰይቲ ቀሽስ ውሃውሃ እንተበሉዋስ መጽሓፍ ቁዱስ ሓጸበት፡ ኣቦይ ቀሺ ክደግሙ ክፍት እንተበሉዎ ፊደላት ጠፊኢም ጸንሕዎኦም' ናብ ጎሓፍ ደርበዩዎ። ናይ ጁንታ ነገር ኮምኡ'ዩ። ንምዕራባውያን ክውሽልኹ ትጽቢት ህዝቢ ትግራይ ደምሲሶሞ።

* ጁንታ ሓዘንተኛ ዝሰኣነ ሬሳ፡ በቶም ዘየለዉ ግን ዘለዉ ዝመስሎም ትንፋሰ ኣልቦ ወዲ ወረደን ጌታቸው ረዳን ኣምላኽ ምስ ዘውጽኦም እንቋዕ ኣውጽኣና ኣብ ክንዲ ምባል፡ ነቲ ኣብ ዓለም ብስነስርዓቱ ፍሉጥ ዝኾነ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ሂልቂት ( genocide) ፈጺሙ ኣካስሱና እናበለት ፍኒስትራ ባይደን ትኹሕኩሕ ኣላ። ዘገርምዩ! ነዚ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ እንኮላይ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ማለት'ዩ ዘህለቐቶም እንታይ ስም ክንህቦ ንኽእል? ኣብ ክንዲ ኣብ ኣሜሪካ ምጥራዕ ኣብ ኣድባራት ትግራይ ከይዶም ምንሳሕ ምሓሾም።
ክብርን ሞጎስን ነቲ ክብሪ ሃገሩ ዘይድፈረ ንህወሓት ኣብ ማዓሙቕ ዘስፈረ ንህዝቢ ትግራይ ራህዋ ዘበሰረ ሰታዊት ፈደራል ኢትዮዕያን፡ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን።


* ኤርትራዊ'የ ምባል ብዘይ ኤርትራውነት ተግባር ኤርትራዊ ኣየብልን። ኤርትራ ንኹሎም ደቃ ኤርትራውያን ክኾኑ'ያ ትደሊ። ብዘይ ተግባር ብስም ጥራሕ ናተያ ዝብሉ እንተራሓቑላ ካብ ዓባቓት ተናገፈት።

* ገለ ሰባት ንህዝባዊ ግንባር ትርጉሙ ዝሰሓትዎ ኣለዉ። ህዝባዊ ግንባር መንፈስ'ዩ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝሓደረ። ንዝተቐበሎ ቅሳነት ሰላምን ፍቕርን ይህቦ። ነቲ ዘይተቐበሎ ዝኸሓዶ ናይ ኣእሙሮ ጭንቀት የሕድረሉ። እዞም ምስሊ ኤርትራ ክድውኑ ብጸላእትና ዝዕሰቡ ኤርትራውያን ክሳብ መንፈስ ህዝባዊ ግንባር ዝቕበልዎ ካብ ጭንቀት ክገላገሉ ዘይሕሰብ'ዩ። ኣሜርካ ትሓግዞም ኤውሮጳ ካብ ጭንቀት ሓራ ከውጽእኦም ኣይክእላን እየን። እታ ፍታሕ ንጽርቲ'ያ ጸበል ህዝባዊ ግንባር ክሰትዩ ኣለዎም። ብዝተረፈ ዝተረፋ መዋእሎም ብዕንኪሊል ከሕልፍወን'ዮም።

* ቅኑዕ ራኢን ትኽክለኛ መትከል መንግስቲ ኤርትራ ናብ ህዝብታት ዞባናን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ልሒሙ፡ ከደምቲ ዝጠፍእሉ ኣፍሪቃውያን ነንሕድሕዶም ብፍቕርን ሰላምን ልምዓትን ዝነብሩሉ መንፈስ ይነግስ ኣሎ።

* ዋርሳይ ኣዋልድ ሳዋ፡ ንስኽን እንተዘይትህልዋ እንታይ ምኾነት እዛ ዓዲ።  ዋርሳይ  ደቂ ሳዋ ንስኹም እንተዘይትነብሩ እንታይ ምመሰለ እቲ ዕርዲ።

* ዋርሳይ ውላድ ሳዋ!    ዋርሳይ ኣንታ ሓላው ወሰን፡  ምሳኻ ዝገጠማ ለሚሰን፡ ሰላም ኣምጺእካያ ቅሰን።   ደቂ ሳዋ ሕጹባት መዓንጣ፡ጸላኢኹም ጌርኩሞ ቋንጣ፡ኢድኩም ፈሊጠን ዘይፈለጣ።

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events