Dehai

Shabait.com: ዮሃና! ብሩራዊ እዮቤልዩ ባጤራና – ‘ናቕፋ’

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 09 November 2022

መሓመድ ኑር ያሕያ

 

ከም ዝፍለጥ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ባጤራ ኣለዋ። ባጤራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መንጎ ልቀሰባትን ትካላትን ንዝካየድ ገንዘባውን ንግዳውን ምልውዋጥ፡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ባጤራታት እናተሸራረፈ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ናይ ሸርፊ ዕዳጋን ሸመተን ዘገልግል መሳርሒ እዩ።

ሎሚ፡ ሃገራት ዓለም፡ ኩለን ነናተን ሃገራዊ ባጤራ ኣለወን። ገለ ከም ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣመሰላ ድማ ብሓባር ዝግልገላሉ ዞባዊ ባጤራ ኣለወን። ሰባት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዳዊ ርክባት ዓበይቲ ባጤራታት ከም ዶላር፡ ፓውንድ፡ ዩሮ፡ የንን ካልኦትን ክጥቀሙ ይመርጹ። ኤርትራ እውን ከም ሃገር ናታ ባጤራ ከተውጽእ መሰላ ስለዝኾነ፡ ዕድመ ናጽነታ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዘቚጸረሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብቁጽሪ 69/1997 ዝፍለጥ ሕጋዊ ኣዋጅ – “ናቕፋ” ዝስሙ ሃገራዊ ባጤራ ብምውጽእ፡ ባጤራ ብር ብወግዓዊ ባጤራ ኤርትራ ከም እተተክአ ኣፍሊጡ።

እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ሸቶታት ቁጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ንምዕዋት ናጻ ገንዘባዊ ፖሊሲ ከምዘድሊ፡ ሚዛን መሰርሕ ንግዲ ንምሕላውን ምርግጋእ ዕዳጋን ናጽነት ምልውዋጥ ባጤራ ንምርጋግጽን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምቕራብን ሃገራዊ ባጤራ ምህላዉ ኣገዳሲ ምዃኑ የነጽር።

ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ ባንክ ኤርትራ ባጤራ ብር ናብ ናቕፋ ምቕያር ዝጅምረሉ ዕለት 8 ሕዳር 1997 ምዃኑ ብምሕባር፡ ምቕያር ዝካየደሉ ቦታታት ወሲኑ። ከምኡ’ውን ኣብቲ መስርሕ ምቕያር ክማላእ ዘለዎ ኣገባብን ቅጥዕን ዘነጸር መመርሒታት ናብ ሓለፍቲ ንግዳዊ ባንክን ባንክ ኣባይትን ንግዲን ተዋሂቡ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምቕያር ባጤራ ኣብ ሓደ እዋን ከካይዳ ከምዘወሰናን፡ ነቲ መስርሕ ምቅይያር ዝምልከቱ ኣገባባት ንምንጻርን ስሚናራት ብዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ተኻዪዶም።

ብ7 ሕዳር ምሸት 1997 ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምጅማር ሃገራዊ ባጤራ “ናቕፋ” ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዲፕሎማሰኛታትን ብርክት ዝብሉ ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽበሉ እዩ ተኻዪዱ። ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ 8 ሕዳር ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ተጠቃምነት ዝውዕለሉ ብምዃኑ ኣብ ታሪኽ ህንጸት ሃገርና ኣገዳሲ ነጥቢ መቐይሮ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራዊ ባጤራና ናቕፋ ክንዮ ቁጠባዊ ረብሓኡ፡ ሞራላዊ ትርጉሙ ካብ ኢድናን ኣዒንትናን ሓሳብናን ዘይፍለን ኣብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዝነብርን መግለጺ መንንነትናን ታሪኽናን ሃገራውነትናን እዩ ክብል ምግላጹ ይዝከር።

ብርግጽ፡ ድማ ምጅማር ዑደት ባጤራ ናቕፋ ዓቢ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕላማ ዝሓዘ ታሪኻዊ ፍጻመ እዩ ነይሩ። 8 ሕዳር 1997 ህዝብና ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ ግዜ ብሃገራዊ ባጤራኡ ክጥቀመሉ ዝጀመረ ዕለት እዩ ነይሩ። ተቓለሳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሬቱ ካብ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር ንናጽነት ሃገሩ ብውሃ ዘበለ ረፈረንዱም ኣብ ቅድሚ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣብ ቅድሚ እቶም ዝተጻብእዎ ታሪኻውያን ጸላእቱን ኣረጋጊጹ፡ ሃገራዊ ባጤራ ኣብ ምሕታም ዝበጽሓሉ ዕዙዝ ዕለት ድማ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መግለጺ መንነቱን ክብሩን መረጋገጺ ናጻ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ሕርያኡ ዝኾነ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ብድምቀት ክጽንብሎ ግድን እዩ። ክንዲ ዝኾነ ነቲ ሓላገት ጽንዓቱን ቃልሱን ዝኾነ ሃገራዊ ባጤራኡ “ናቕፋ” ብልዑል ሓበን እዩ ተቐቢልዎ።

እታ ንሰውራ ዘዕኰዀትን ተደጋጋሚ ወራራት ጸላኢ ኣላሽ ኣቢላ ምሕራር መላእ ኤርትራ ዘበሰረት ናቕፋ፡ ብ8 ሕዳር 1997 ብስማ ዝተሓተመ ሃገራዊ ባጤራ ኣብ ኣገልግሎት ንክውዕል ብምእዋጁ፡ ትእምርቲ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነት ትእምርቲ ናጻ ቁጠባን ናጻ ፖሊሲን ሃገረ ኤርትራ ክትኸውን በቒዓ። ህዝብና ንሃገራዊ ባጤራኡ ብውጽኢት ስርሑ ክብሩ ዓቂቡ፡ ንኹሎም እቶም ኣንጻር ግስጋሰ ባጤራኡን ልኡላውነት ሃገሩን ዝተኣልሙ ውዲታት ጸላእቲ ከምክኖ ምኽኣሉ እውን ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢ ታሪኽ እዩ።

ሎሚ፡ ብተመሳሳሊ መንፈስን ቆራጽነትን ብሩራዊ እዮቤልዩ ምውጻእን ምዝርጋሕን ናይዚ ሕላገት መንነትናን ኩርዓትናን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ሃገራዊ ባጤራና ነብዕል ኣለና። ሃገራዊ ባጤራና “ናቕፋ” ንዓና ዓቢ ትርጉምን ዋጋን ኣለዎ። እዚ ክቡር ዕለት፡ ምእንቲ ሓርነት ሃገርና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ዝፈሰሰ ድምና እንስተንትነሉ፡ ንክብረት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ኣብ ምክልኻልን ምውሓስን ሓርነት ዝወደቑ ስዉኣትና ብሓበን እንዝከረሉ እዩ።

ብሩራዊ እዮቤልዩ ምጅማር ሃገራዊ ባጤራና ናቕፋ ንኹሎም ጸላእቲ ኣብ ምስዓር ዓቢ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና እንዝክሮ ዘለና። ኣንጻርና ዝተፋሕሱን ዝተኻየዱን ተንኮላትን ተጻብኦታትን ዘይፍትሓዊ እገዳታትን ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ወፍርታትን ኮታ ኩሉ እቲ ንምድኻምና፡ ዓቕሚ ሰብናን ቁጠባዊ ትሕዝቶናን ንምጽንቃቕ ኮነ ኢልካ ዝተኻየደ ሸርሒታት ከነፍሽል በቒዕና ኣለና።

ካብ’ዚ ኣንጻርና ዝተኻየደ ተጻብኦታት ድማ ከም ብሓዊ ተፈቲኑ ዝድልድልን ዝጽብቕን ወርቂ ተርኒዕና ንወጽእ ኣለና። ካብ ናጻ ፖለቲካዊ መስመርና ፈልከት ኣይበልናን።

ሳላ ጽኑዕ መኸተና ድማ ሓይሊን ታህዲድን ጸላእቲ መኺኑ ይርከብ። ከምቲ ምስላ ዝብሎ “ዕምሪ ጭቆና ንግዜኡ ዕምሪ ሓቅን ፍትሒን ድማ ንሓዋሩ እዩ።”

ሃገራዊ ባጤራና ብስራሕናን ኣፍራይነትናን ተኸቢሩ ክቕጽል እዩ። ንእግረ መገድና ድማ፡ እዚ ክቡር ታሪኻዊ ትርጉም ዘለዎ ሃገራዊ ባጤራና ኣብ እዋን ንግድን ዕድጊን ብጥንቃቐን ክንክንን ክንሕዞ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ። ምስ’ቲ ልዑል ሓይሊ ናይ ምዕዳግ ዘለዎ ባጤራታት ተወዳዳሪ ኮይኑ፡ ሕላገት ኩርዓትናን ሓበንናን ኮይኑ ክቕጽል ድማ፡ ኣብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመርን ውሳኔን ረጊጽና ከም ህዝቢን ሃገርን ኣፍራይነትና ከነዕዝዝ ብኣጋጣሚ’ዚ ክቡር ዕለት ቃልና ከነሐድስ ይግባእ።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events