Dehai

ኣብ ከተማ ለንደን ጉጅለታት ህግደፍ ዳግማይ ንምብርባርን ምሕያልን ገምጋም ኣኼባ ተኻይዱ

Posted by: brhane Semere

Date: Monday, 08 August 2022

ኣብ ከተማ ለንደን ጉጅለታት ህግደፍ ዳግማይ ንምብርባርን ምሕያልን ገምጋም ኣኼባ ተኻይዱ
6 ነሓሰ 2022

 

ጉጁለታት ህግደፍ ብዕለት 4 ነሓሰ ንዳግማይ ምብርባርን ምሕያልን ጉጅለታት ህግደፍ ገምጋም ኣኼባ ተኻይዱ።

 ሓላፊ ኮማውን ህዝባዊን ጉዳያት ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ ፡ኣባላት ህግደፍ መሪሕ ተራ ብምውሳድ ምስ ህዝቦም ብሙኻን ንምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዘርኣይዎ ተበላሓትነትን ተወፋይነትን ከም’ዉን፡ ኣብ ምዕዋት ድሙቕ መዓልቲ ሰማእታት ዕስራ ሰነ፡ በዓል ናጽነትን ፈስቲቫልን ተማሳሳሊ መደባትን ብሓፈሽኡ ኣብ ጥሙር መኸተ ልምዓት ሃገርን ዝተፈላለዩ ተጻብኦታት ጸላእትን ስነ-ኣእምራዊ ኹናት ኣብ ምብርዓን ዘበርከትዎ ስራሓት ድሕሪ ምንኣድ፣ ዕላማ ውድባዊ መትከላት ህግደፍ በብሓደ ኣዘኻኺሩ።

  ተሳተፍቲ መራሕቲ ንኡስ ጨንፈር፡መራሕቲ ጉጅለታትን ኣባላትን ህግደፍ፡ ብወገኖም በብሓደ ህላወ ንጥፈታት ጉጅለታቶም ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ መደምደምታ ንዳግማይ ምብርባርን ምሕያልን ጉጁለታት ህግደፍ ዘልዎም ብድሆታትን ዕድላትን ሓላፍነትን በብሓደ ብግሉጽ ገምጋም ርእይቶ ለበዋታት ድሕሪ ምቕራብ ብሉዑል ሃገራዊ ወኒ ሓይሎም ክሰርሑ ሙኻኖም ኣረጋጊጾም።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events