Dehai

ሓቀኛ መርኣያ ምሕዝነት ኤርትራን ሶማልን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 21 July 2022

ኤርትራ ብብልሓትን ትብዓትን ተወፋይነትን ደቃ ኣብ ዓለም ተፈላጥነታ ኣዝዩ ሰፊሑ ይርከብ። መንግስቲ ኤርትራ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከውሕስ ልክዕ ከምቲ ንነጻነት ንምምእ ዘሕለፎ ቃልሲ ይቃለስ ኣሎ። ንጽቡቕ ዝገበረልካ ንገረሉ ወይ ግበረሉ ከምዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰብ ውዕለቱ ዘይርስዕ ህዝቢ'ዩ። ብዓጸፋ ዝኽሕስ እዩ። መርኣያ ናይዚ መንግስትና ጸጥታ ሶማላውያን ክረጋጋእ መታን ዝወሰዶ ስጉምቲ ህዝቢ ሶምስል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕደረሎም እምንቶ ሰማይ ኣዕሪጉዎ ይርከብ። መንግስትና ክልተ ብልሒ ከም ሴፍ ዘለዎ መሪሕነት'ዩ። ንዓማጺ ስነ-ሓሳብ ዝጎምድ፡ ንቓልሲ ውጹዓት ዘብልሕ። እቲ ብለኣኽቲ ጃንዳን፡ ጃንዳ ንባዕላን፡ ዕሱባታን ብጉዳይ ታዓለምቲ ሶማላውያን ኣብ ኤርትራ ዳንከራ ዝውቕዓሉ ዝነበረ ፍሹል ዘመተ፡ ውጺኢቱ ብዘስደምም ኣገባብ ሓድሽ ፕረስደንቲ ሶማል ባዕሉ ነቶም ኤርትራ ኣጥፊኣቶም ዝተባህለሎም 5000 ተዓለምቲ ሶማላውያን ኣብ ቦታ ታዕሊም ብምኻድ መሪቑዎም። ህዝቢ ሶማል ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድሃይ ምስኣን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ንድሕነት ተዓለምቲ ሶማላውያን ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ህዝቢ ሶማል ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ኣድናቖት ብዓውታ ክዛረበሉን፡ ፈተውቱን ጸላእቱን ኣጸቢቑ ከለልየሉን ኣኽኢሉዎ ኣሎ።
Inline image
Waad ku mahadsan tahay, Eritereeya taageerada shacabka Soomaaliyeed.


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events