Dehai

ዝኽሪ ሰነ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 11 June 2022

ዝኽሪ ሰነ

ጸሓፊ፥ ሰለሙን በርሀ 

ሰነ 11, 2022


6ይ ወራር ኣብ 40 ዓመቱ

መእተዊ

ዘለናዮ ወርሒ ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓመት መጽአ፡ ነቶም ብልዑል ጽንዓትን ተወፋይነትን ናጽነት ኤርትራ ክውን ዝገበሩ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ልኡላውት ሃገር ከይድፈር ክቡር ህይወቶም ዝበጀዉ፡ ብሉጻትን ጀጋኑን ዜጋታቱ ዝዝክረላ ወርሒ እያ።

እዛ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እምብዛ ረዛን ዕለት 20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኮይና ክትዝከር ዝተመርጸትሉ ምኽንያት፡ እቲ ብዕብየቱን ሓደገኛነቱን ጥርዚ ኩሎም ወራራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሻድሻይ ወራር (ብኣጸዋውዓ ስርዓት ደርግ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ)፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝወሰደ መሪርን ደማዊን ምርብራብ ብፍሽለት ዘብቅዓላ ዕለት ብምዃና እዩ። ተጋዳላይ፡ ነቲ ስርዓት ደርግ ክልተ ዓመት ምሉእ ሰፊሕ ምድላዋት ገይሩ፡ ብልዑል ርእሰ-ተኣማንነት፡ ሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክድምሰስ ምዃኑ ብኣዋጅ ኣፍሊጡ ዘንቀሎ መጠነ ሰፊሕ ወራር መኪቱ ንምፍሻል ብዙሕ መስዋእቲ እዩ ከፊሉ። ኣብዚ ናይ ሞትን ሕየትን መሪር ጥምጥም፡ ልዕሊ 2700 ሕሩያት ጀጋኑ ደቂ’ዛ መሬት መስዋእቲ ክኾኑ ከለዉ፡ ልዕሊ 5000 ተጋደልቲ ከምዝቖሰሉ ሰነዳት ሓርነታዊ ቃልሲ ይሕብሩ።

ሻድሻይ ወራር፡ ብ15 ለካቲት 1982 ጀሚሩ ብ20 ሰነ 1982 እዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ብፍሽለት ተደምዲሙ። እዚ ፍጻመ’ዚ ሎሚ መበል 40 ዓመቱ’ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት 20 ሰነ፡ ምስ መኸተ ሻድሻይ ወራር ኣዛሚድካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ከምዝፈልጦ፡ ታሪኽ ሻድሻይ ወራር፡ ብሓደ ዓንቀጽ ናይ ጋዜጣ ዝግለጽ ኣይኮነን። ዓቢ መጽሓፍ ጽሒፍካ እውን ብምልኣት ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን። ዝኽሪ ንምሕዳስ ግን፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጽማቚ ሓበሬታ ናይ ቲ ወራር ሒዛትልኩም ቀሪባ ኣላ።

ግጥማት ሻድሻይ ወራር

ብሓጺር

ካብ መፋርቕ 1978 ጀሚሩ ክሳብ ሓምለ 1979፡ ስርዓት ደርግ፡ ብገዚፍ ደገፍ ርእሰ ሓያል ሕብረት-ሶቭየትን መሻርኽታን፡ ሰውራ ኤርትራ ንምጭፍላቕ ዘካየዶ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ወራራት ተሓምሺሹ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ታሕሳስ 1979 ኣብ ግንባር ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን መጥቃዕታዊ ተበግሶ ብምውሳድ ዓቢ ወተሃደራዊ ዓወት ድሕሪ ምጉንጻፉ፡ ደርግ ከም ብሓድሽ ንሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክጭፍልቕ ዘኽእሎ ዓቕሚ ንምድላብ፡ ንክልተ ዓመት መመላእታ (1980-1981) ኣብ ሰፊሕን ወሳኒን ምድላዋት ተጸሚዱ’ዩ ኣሕሊፍዎ። ዘድሊ ምድላዋት ድሕሪ ምጽፋፍ ከኣ፡ ሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ መሬት ንምሕካኽ፡ “ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ” ኢሉ ዝሰመዮ፡ ናይ መወዳእታ ክኸውን ዝተሓስበ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣበገሰ።

ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ርእሲ ዘይተቘጠበ ደገፍ ኣጽዋር፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስትራተጂ፡ ምኽሪ ወተሃደራዊ ክኢላታት ሕብረት- ሶቭየትን መሻርኽታን ሰኒቑ ብዝገበሮ ልዑል ምድላዋት ምሒር ስለዝተኣማመነ፡ ምድምሳስ ሰውራ ኤርትራ ከሎ ገና ከበስር’ዩ ተጓይዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ጥሪ 1982፡ ካብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተወከሉን ወጻእተኛታት ደገፍቱን ዝተረኽብሉ ዓቢይ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ብምቅናዕ፡ “ኣስመራ ማኒፊስቶ” ዝተሰምየ ወግዓዊ ኣዋጅ ኣሕለፈ።

ነዚ ብዓይነቱ ካብቶም ቅድሚኡ ዝተኻየዱ 5 ወራራት ፍልይ ዝበለ ዓቢ ወተሃደራዊ ወፍሪ’ዚ ንምዕዋት፡ ስርዓት ደርግ፡ “ላዕለዋይ እዚ ውጥን ወተሃደራዊ ወፍሪ” (ወተሃደራዊ ዘመቻ እቅድ መምሪያ) ዝተሰምየ ኣካል ብምቛም፡ ነቲ ቅድሚኡ ብግብረ-ሃይላት ዝነበረ ኣቃውማ ገዲፉ፡ ሰራዊቱ ብእዝታት ወደቦ። በዚ መሰረት ሰለስተ እዝታት ኣቘመ። ‘ውቃው እዝ’ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ‘መብረቅ እዝ’ ኣብ ግንባር ባርካ፡ ‘ናደው እዝ’ ኣብ ግንባር ናቕፋ። መንግስቱ ሃይለማርያም ድማ፡ ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ነቲ ኲናት ብቐረባ ንምምራሕ ብሶቭየታውያን ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ተዓጂቡ ኣብ ኣስመራ መአዘዚ ነቚጣ መሰረተ።

ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ምድላዋቱ፡ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዓቕሚ፡ ተወሳኺ 120,000 ሰራዊት ኣሰሊፉ፡ ብዘይ ሓገዝ ታንክታት ጎቦታት እናሓዀሩ፡ ምስ ተጋደልቲ ክገጥሙ ዝኽእሉ፡ ሃሩርን ኣጻምእን ዝጻወሩ ወተሃደራት ብምስልጣን፡ “ተራራ” ዝተስምያ ፍሉያት ክፍላተ- ሰራዊት (ክፍለ-ጦራት) ኣቘመ። እዘን ክፍለ-ጦራት፡ ኣብ ኣጻምእ ኦጋዴን፡ ፍሉይ ታዕሊም ወሰዳ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ዳህሳስ ብምክያድ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ወያነ መጥቃዕቲታት እናፈጸማ፡ ግብራዊ ናይ ውግእ ልምምድ ኣካየዳ። ነዚ ዕማም’ዚ ፈጺመን ናብ ኤርትራ ምስ ሰገራ ከኣ፡ “ኣልፋ-ፕሮጀክት” ብዝተሰምየ ስርሒት፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ንዝንቀሳቐሱ ተጋደልቲ ንምጽራይ ሰፊሕ ወፍሪ ኣካየዳ። ስርዓት ደርግ ብዘይካ’ዚ፡ ምንቅስቓስ ደጀን ህዝባዊ ግንባር ንምልማስ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሳሕል ብለይቲን ብቐትሪን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዘይምቁራጽ ዝቐጸለ ብርቱዕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካየደ።

ኣብዚ ወራር’ዚ፡ ጸላኢ ኣብ ኣጽዋር፡ ቅድሚኡ ዘይነበረ ብዝሒ ዘለዎ ናይ 130 ሚ.ሜ. መዳፍዕ ክውስኽ እንከሎ፡ ሽዑ ዘመናውያን ዝነበራ ሓደስቲ MI-24 ሄሊኮፕተራት ውግእ እውን ኣዳለወ። ኣብ ርእሲ’ዚ ደርግ፡ መርዛም ጋዝ ክጥቀም ምዃኑ ሓበሬታታት እናኣናፈሰ፡ ኣብ ተጋደልቲን ህዝቢን ጭንቀት ንምፍጣር ሰፊሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘመተ ተታሒዙዎ ነበረ።

ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ መወዳእታ 1979 ኣብ ግንባር ናቕፋ፡ ኣብ መጀመርታ 1980 ድማ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል መጥቃዕቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ዓወት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ግንባር ናቕፋ፡ ካብ እምባ ደንደን ነቒሉ ክሳብ ከባቢ ዓሹርም በጺሑ ብምንባሩ፡ ኣብ ድሮ ሻድሻይ ወራር፡ ህዝባዊ ሰራዊት ብሸነኽ ናቕፋ፡ ናብ ኣፍዓበት ዘቋምት ዕርድታት ሒዙ ነበረ። የግዳስ፡ ምስ ምቅርራብ ሻድሻይ ወራር፡ እዚ መከላኸሊ መስመር’ዚ (ግንባር ኣፍዓበት) ግጥም ከይተኻየደሉ ናብ ሕዳይ ከምዝስሕብ ተገብረ።

ማዕረ ማዕረ’ቲ ጸላኢ ዘካይዶ ዝነበረ ምድላዋት፡ ተጋዳላይ እውን ነቲ ወራር ንምምካት ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምቅርራባት ይገብር ነበረ። ብፍላይ እቲ ስነ-ቀመማዊ ኲናት ሓድሽ ተርእዮ ስለዝነበረ፡ ነብሱ ከመይ ገይሩ ከም ዝከላኸል እናተማህረ፡ ልዑል ስነ-ኣእምሮኣዊ ምቅርራባት ገበረ። ኣብ ኣቃውማ ሰራዊት፡ ሓንቲ ሓዳስ ብርጌድን ካብ ኵለን ኣሃዱታት ዝተዋጽኣሰለስተ ፍሉያት ቦጦሎኒታትን ከምዝውሰኻ ተገብረ። ኣብ ክፍልታት ህ.ግ. ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ እውን ገለ ክፋሎም ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ከምዝኸትቱ ተገብረ።

ኣብ ድሮ ሻድሻይ ወራር እምበኣር፡ ኣብ ግንባር ናቕፋ፡ ብርጌዳት 51፡ 77 ከምኡ’ውን ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ 58፣ ኣብ ግንባር ባርካ ብርጌድ 70፡ ሓደ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 58 ክልተ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 23፣ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ብርጌዳት 44፡ 31፡ 4፡ ሓደ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 23 ከምኡ’ውን 2 ቦጦሎኒ ከቢድ ብረት ናይ ብርጌድ 76 ዓሪደን ነበራ። እተን ስለስተ ፍሉያት ቦጦሎኒታት 73፡74፡75 ከኣ፡ ተጠባበቕቲ ኮይነን ይጽበያ ነበራ።

ወተሃደራዊ ውጥን ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ፡ ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ብኹሉ ወገን እንተላይ ብመሬት ሱዳን ተጠዊኻ ኣብ ከበባ ብምእታው፡ ኣብ ውሽጢ 2 ወይ 3 ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ምድምሳስ እዩ ነይሩ። እዚ ገዚፍን ነዊሕ ምድላዋት ዝተገብረሉን ናይ መወዳእታ ክኸውን ዝተሓሰበ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ድማ፡ ናብ 15 ለካቲት 1982 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ሓደ ሰዓት ብግንባራት ናቕፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ባርካን ሓልሓልን ተወልዐ።

እዚ ናይ ሞትን ሕየትን ግጥም ምስ ተጀመረ፡ ብሸነኽ ባርካ ካብ ዓዳየት ክሳብ ሰልዓ ዝዝርጋሕ ሓድሽ ግንባር ዝኸፈተ ዓቢ ክፋል ሰራዊት ደርግ ‘መብረቅ እዝ’፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ሳልስቲ ውግእ፡ ኣብ ድብያ ህዝባዊ ሰራዊት ኣትዩ፡ ተደምሰሰ። እዚ ናይ ግንባር ባርካ ስዕረት፡ ፍሽለት ሻድሻይ ወራር ከሎ ገና ዝኣመተ እዩ ነይሩ። ስርዓት ደርግ፡ ብባርካ ዘበገሶ መጥቃዕቲ፡ ብዙሕ ክስጉም ከምዘይክእል ምስ ተረድአ፡ ብኡ ንብኡ ተረፍ-መረፍ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ኣኻኺቡ ብቕጽበት ናብ ግንባር ናቕፋ እዩ ደሪብዎ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ኣብ ቀዳሞት ሰሙናት ናይቲ ወራር፡ ‘ውቃው እዝ’፡ ብጸጋም መሬት ሱዳን ተዃሊሉ ንደምቦቤት ተቘጻጺሩ፣ ብየማን ብፋሕ፡ ዜሮ ኣቢሉ ክሳብ’ቲ ቀንዲ ሸቶኡ ጎቦ መሽዓሊብ ብምብጻሕ ንግዜኡ ከቢድ ጸቕጢ ክፈጥር ክኢሉ ነበረ። የግዳስ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ነቲ ብመሽዓሊብ ዝወፈረ ሓይሊ ጸላኢ ንሰሙናት ዝኣክል መኪቱ ዘፍ ድሕሪ ምባል፡ ብሸነኽ ዶምቦቤት ጸረ-መጥቃዕቲ ወሲዱ፡ ንውጥን ከበባ፡ ወራሪ ሰራዊት ደርግ ኣበርዓኖ።

ኣብ ሻድሻይ ወራር እቲ ዝበርትዐ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ውግኣት ዝተኻየደሉ ቦታታት፡ ኣብ መንጎ ግንባራት ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ዝነበረ ኣብ እዋን 5ይ ወራር ሳልሳይ ግንባር ተባሂሉ ዝተጸውዐ ቦታታት እዩ ነይሩ። ጸላኢ ብደብረጥሉል ናብ ኣግራዕ ወሪዱ መስመር ናቕፋ-ደጀን ክበትኽ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ድማ፡ ዝያዳ ኩሉ ሓደገኛ ነበረ። ብምብራቓዊ ኣጻድፍ ናሮ ሓዂሩ፡ ናቕፋ ክኣቱ ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት እውን፡ ኣብ ኣፍ-ደገ ናቕፋ ንዝርከብ ስትራተጂያዊ ቦታ ብራኸ 1702 ድሓር “ታባ-ውፉያት” ዝተሰምየ፡ ብምቁጽጻር፡ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ኲናት ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነት ፈጢሩ ነበረ። በዚ ከኣ፡ ኣብ ሕዳይ ዝነበረ ድፍዓት ህ.ሰ. ናብቲ ናይ ቀደም መከላኸሊ መስመር፡ የማነ-ጸጋም እምባ ደንደን ከምዝስሕብ ተገብረ።

ብ16 ለካቲት ቀትሪ፡ ብሩባ ምሕናቕ ናብ መንደዓት ዝሓዀረ፡ “ኣንበሳ” ዝብል መጸውዒ ዝነበሮ ምሩጽ ሰራዊት ደርግ 3ይ ክፍለ-ጦር ጸላኢ፡ ብርቱዕ ሓይሊ ስለዝነበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ገለ ቦጦሎኒታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ካብቲ በረኽቲ ቦታታት ተደፊአን ናብ ጎላጉል ኣግራዕ ወረዳ። እቲ ኩነታት ከቢድ ስግኣት ስለዝፈጠረ ከኣ፡ ኣብ ክፍልታት ደጀን ዝጸንሑ ተጋደልቲ፡ ምስተን ቦጦሎኒታት ከም ዝጽንበሩ ተገብረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ እዘን ኣሃዱታት ተወሳኺ ሓይሊ ደሪበን ብምውድዳብ ጸረ- መጥቃዕቲ ፈንየን፡ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊለን፡ ንጸላኢ ካብ ከባቢ ኣግራዕ ጸሪገን፡ ኣብ በረኽቲ ጎቦታት መእድነን ዓንቀር ጸሊምንከም ዝድረት ገበራኦ።

ድሕሪ’ዚ ዕውት ጸረ-መጥቃዕቲ’ዚ፡ ግንባራት ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ተላጊቡ፡ ካብ ደምቦቤት ክሳብ ሮራ-ሓባብ ኣብ ዝተዘርግሐ መከላኸሊ መስመር ኣዝዩ መሪር ምርብራብ ቀጸለ። ሰራዊት ደርግ፡ ብዝኾነ ዋጋ ናቕፋ ንምቁጽጻር ናይ ዓቕለ- ጽበት ውግእ ኣካየደ። እቲ ከቢድ ምርብራብ ንልዕሊ 10 መዓልታት ብዘይእስትንፋስ ድሕሪ ምቕጻሉ ከኣ፡ ብ26 ለካቲት፡ ኣብቲ ጸቕጢ ፈጢሩ ዝነበረ ሳልሳይ ግንባር፡ ህዝባዊ ሰራዊት ጸረ-መጥቃዕቲ ወሲዱ፡ ነቲ ወራሪ ሰራዊት ንጐልጎል ናሮ ኣጽደፎ። ብድሕሪ’ዚ፡ ንህዝባዊ ሰራዊት ኣኽቢብካ ምድምሳስ ዝብል ውጥን ከምዘይከኣል ብሩህ ኮነ። እንተኾነ መምለስ እግሪ “ብውሑዱ ናቕፋ ምቍጽጻር!” ዝብል ናይ ዓቕሊ-ጽበት መጥቃዕቲታት ቀጸለ። ካብ ከባቢ መንድዓት ክሳብ ደንደንን ዕርዲ ፈርኔሎን ኣብ ዝነበረ መከላኸሊ መስመር ከኣ፡ ሰራዊት ደርግ ኣሃዱታት እናቐያየረ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ብጽዑቕ ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋራትን ነፈርቲን እተሰነየ፡ ግናኸ ፍረ ዘይተረኽቦ ብርቱዕ ምርብራብ ኣካየደ። ኣብ ዕርድታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል እውን ብተመሳሳሊ። የግዳስ ኣብዚ ናይ ኣዋርሕ ከቢድ ምርብራብ ዕርድታት ህዝባዊ ሰራዊት ነቕ ኣይበለን። ሻድሻይ ወራር ከኣ ብ20 ሰነ 1982 ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብፍሽለት ወራሪ ሰራዊት ደርግ ተደምደመ።

ኣብ ሻድሻይ ወራር፡ ስርዓት ደርግ ኣስታት 50,000 ሰራዊት ኣጥፊኡ፡ ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ተሰከመ። ህዝባዊ ሰራዊት ዝኸፈሎ ዋጋ እውን ቀሊል ኣይነበረን። ልዕሊ 2700 ብሉጻት ኤርትራውያን ተጋደልቲ ተሰዊኦም ልዕሊ 5000 ቆሲሎም ክበሃል እንከሎ፡ ዳርጋ ፍርቂ ዓቕሚ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ተዋጋኢ ሰራዊት ህ.ግ. ምዃኑ እዩ።

ሻድሻይ ወራር፡ ሰውራ ኤርትራ ክሰዓርን ዘይክስዓርን ኣብ ከቢድ ፈተነ ዝኣተወሉ፡ ተጋዳላይ፡ ብጥሙይ ከብዱ ኣብ ጠልጠል ኣጻድፍ እናሓደረን እናውዓለን፡ ብዓቕሚ ኣዝዩ ምስ ዝተዓጻጸፎ ሰራዊት ገጢሙ፡ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ነዚ ፈታኒ መድረኽ ብዓወት ሰጊሩ፡ ቀጻልነትን ተዓዋትነትን ሰውራ ዘረጋገጸሉ፡ ጽንዓትን ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ደሚቑ ዝወጽኣሉ፡ ፍሉይ ታሪኻዊ መድረኽ እዩ። ሎሚ ዓመት 20 ሰነ፡ መበል 40 ዓመት ፍሽለት ሻድሻይ ወራር ኣብ እንዝከረሉ ኣጋጣሚ እምበኣር፡ ነዚ ፍሉይን ድንቂን ታሪኻዊ ፍጻመ’ዚ ብልዑል ሃገራዊ ሓበን ከነድምቖ ዝግባእ እዩ።




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events