Dehai

ቃል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ወግዓዊ ጽምብል በዓል ናጽነት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 25 May 2022

ቃል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ወግዓዊ ጽምብል በዓል ናጽነት

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!

ፈለማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን፡ ዮሃና ንመበል 31 ዓመት ናጽነት እናበልኩ፡ ንመሰናድኦ’ቲ በዓል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኩሎም፡ ልዑል ምስጋና።

ከምኡ’ውን፡ ንኹሎም ፈተውትን ዮሃና ዝበሉን፡ ምስጋና!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣብዚ ኣብ ዓለምን ጎዶቦናን ‘ንከታተሎ ዘሎና ነውጻዊ ምዕባለታት፡ መበል 31 ዓመት ናጽነትና፡ ናታ ፍሉይ ቃና ኣለዋ። ኣብ’ዛ ፍልይቲ ዓመት’ዚኣ፡ ሕድሪ ናጽነትናን ልዑላዊነትን ምእንቲ ከነዕዝዝ፡ ብዝሓለፈን ህሉውን ይኹን ንመጻኢ፡ በቲ ሓደ ኢድ፡ ብዓለምን ብዞባናን ደረጃታት’ውን፡ ትማልን ሎምን ብዝረኣናዮ፡ ንጽባሕ እንታይ ክንጽበ ከም’ንኽእልን፡ ንሓዋሩ ኸኣ፡ እንታይ ክንዓምም / ክንገብር ከምዘሎናን፡ በቲ ኻልእ፡ ሰገጥ ኢልካ ምሕሳብ ዝሓትት’ዩ።

ኣብ 1941፡ ድሕሪ ምኽታም 2ይ ዓለማዊ ኲናት፡ ናጽነትን ልዑላዊነትን ኤርትራ፡ ባህርያዊ መስመሩ ሒዙ ከይብገስ፡ ብናይ ሽዑ ሓያላን ስለዝተዓግተ፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ከም ተቓውሞ’ዩ፡ ፋልማይ ሰረት ከንጽፍ ጀሚሩ። ንኤርትራ ኣዕኒኻ ብምልሓቕ፡ ን’’እስትራተጂያዊ’’ ዝበሃል ረብሓታት’ቶም ሓያላን ከም እተገልግል ንምግባር፡ መሳርዕ ኤርትራውያን ብምስምስ ሃይማኖታት በታቲንካ ንምስናፍ ዝተሃቀነ ፖለቲካዊ ውዲት፡ ንፖለቲካዊ ንቕሓት ኤርትራውያን ክብ ኣቢሉ፡ ንፖለቲካዊ ቃልስታቶምን ኣወዳድብኦምን ኣማዕቢሉ፡ ንመሰረት ናጽነትን ልዑላውነትን፡ ኣዕሚቑ’ዩ ነዲቑ። ነቲ ዓይነታዊ ሞመንቱም እናዛየደ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓይልታት ዕብለላ ዝተሓርየ ወተሃደራዊ ጭፍለቓ ኸኣ፡ ንዕጥቃዊ መኸተን ተቓውሞን ህዝቢ ኤርትራ ወሊዱ፡ ንመንደቕ ናጽነት ናብ ዝሓየለ ብራኸ ሓፍ ኣቢልዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዕዞ ዕጥቃዊ መኸተ ንናጽነት፡ ብግዳማውያን ውሽጣውያን ጎዛዘይቲ ሓይልታት፡ ምረሻን ናህርን’ቲ ጉዕዞ ንምጉታት፡ ዝተኻየደ ሽርሕታት ምክፍፋል እናመከተ፡ መሳርዑ እናወደበ፡ ውህደቱ እናኾልዐ፡ ንመሰረት ህንጻ ናጽነት፡ ዝያዳ ኣበሪኹን ኣደልዲሉን’ዩ። ብዲናሚካዊ መስርሕ ብዝማዕበለ ንቕሓትን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ዝወርጸጸ ውዳበን ሓድነትን ከኣ፡ ዕጥቃዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሉ መሰናኽላት በናጢሱ፡ ከቢድ መስዋእቲ ኸፊሉ፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ንዝረጋገጾ ናጽነት፡ ሕጋዊ ልዑላውነት ኣልቢስዎ።

ኣብዚ ሓጺር ዝመስል ናይ 50 ዓመታት መስርሕ (1941-1991)፡ ብመጠን ናይ’ቲ ዝተቐስመ ትምህርትን ተመክሮን፡ ብዓይነት ናይቲ ኣወዳድባን ምዕባልኡን፡ ብዝኾስከሶ ባህሊ ጽንዓትን መኸተን፡ ብዝጠመሮ ህዝባዊ ስኒትን ውህደትን፡ … ምስ ግዝፊ ናይቲ ተጻብኦ ኣዛሚድካ፡ ኣብ ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን፡ ምዃንን ዘይምዃንን ሕቶ ኪርአ እንከሎ፡ ናይ ወለዶታት ዘገምታዊ ምስግጋር (transformation) ዝዓመመ ሰውራ’ዩ ነይሩ። ናይዚ ሎሚ ከም ልሙድ ነብዕሎ ዘሎና ዕዙዝ ናጽነት ሕመረት ከኣ፡ ውህሉል ምህርትን ስርዓተ – ክብርታትን ናይቲ ዲናሚካዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን መስርሕ 50 ዓመታት’ዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ሓይልታት ገብት- ዓብልል ግን ፣ ድሕሪ 1991’ዉን፣ ህዝቢ  ኤርትራ ሃገራዊ ህንጸቱ ከሰላስል ፣ዕድል ኪህቡዎ ኣይመረጹን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 31ዓመታት ፣ ህንጸት ሃገር ንምጉታትን ንምቚጻይን ፣ ከምቲ ድሕሪ 1941፣ ኣብ ቁጠባዊ ሰረትን ትሕተ-ቕርጺን ኤርትራ ኣንቂዶም ዘካየዱዎ ዕንወት ፣ መሰረት መጐትን ዘይብሉ ዶባዊ ቅልዉላዋት/ ግጭታት ብምስዋር ፣ ብኡ ምስላጥ ምስ ኣበዮም፣ ብጠቐነ ’’ ሽበራዊ’’ ክሲታት ፣ ኪኖ ጠቐነን ምስይጣንን ፣ በይናዊን ዘይሕጋዊ እገዳ (2009-2018) ምስግዳድ፣ ቀጻሊ ድሕነታዊ፣ ሸርሒታት ምክያድ ፣ትማል-ትምሊ’ ውን፡ ከም “መደበሲ” ናይ ዝተፈጸመልና  ቅሉዕ መጥቃዕቲ፣ “ዳግማይ እገዳ” ኪብይኑ ኣይሓነኹን።

ኣብ ርእሰ’ቲ 50 ዓመታት፣ እዚ ዝሓለፈ ናይ 30ዓመታት ተጻብኦ ተወሲኹዎ ፣ዝያዳ ትምህርቲን ተመክሮን ተቐሲመሉ ፣ ናጽነት ሃገርን ክብሪ ልዑላዊነት ሃገራዊ ህንጸትን ፣ተመላሊኡ፣ ኣብ ዉሽጢ ‘ዚ 80 ዓመታዊ፣ ገጽ-ብገጽ እናተዋህለለ ዝተነድቀ ስራሕን ክብሪታትን’ዩ፣ ትርጉም ዝተደርዐ ናጽነትናን ልዑላዊነትናን። ዘየቋርጽ ዳይናሚካዊ ዕብየቱ ኸኣ፣ ዘላቒ ሕድሪን ሓላፍነትን ወለዶታት’ዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ሕጂ ግዜ ዘምጽኦ ዘይኰነ፣ ሓርነታዊ ቃልሲ  ህዝቢ ኤርትራ፣ ምስ ህዝቢታታት ምሕዝነት ምምስራትን ምድልዳልን ምምልላእን፡ ካብ ነዊሕ ጉዕዞኡ፡ ከም ሰረተ-እምነት ዝመከትሉ ሕቶ’ዩ። ምሕዝነት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢታት ኪኖ ናጽነት’ውን፡ ንናይ ወለዶታት ሓባራዊ ምምልላእን ዕብየንትን ራህዋን፡ ጥጡሕ ሃዋሁ ንምውዳድ ዝዓለመ፡ ዘይውንዘፍ ሕርያ’ዩ። ናይ ዝኾነ ሃገር ናጽነትን ልዑላውነትን ውሑስ ዝኸውን፡ ብኡ ኣቢሉ ኸኣ ዘላቒ ዕብየት ዝረጋገጽ፡ ብሓድሕዳዊ ምምልላእ፡ ሃገራትን ህዝቢታተን ምስ ዝድገፍ’ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ብሕልፊ፡ እቲ ምሕዝነትን ምምልላእን፡ ናቱ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ዓለም ከም ኣዝዩ ዝተዋሰነ (Marginalized) ክፍለ-ዓለም፡ ምስ ብተዛማዲ ብዝሑ እናነሃረ ዝኸይድ 1.2 ቢልዮን ህዝቢ፡ ህዝቢታትን ሃገራትን ኣፍሪቃ፡ ናጽነቶምን ልዑላውነቶምን ኪኖ ምሕላው፡ ዞባዊን ክፍለ-ዞባውን ጥምረታት እናነደቑ ኪጎዓዙ፡ ግድነት’ምበር ሕርያ ኣይኮነን። ስለዚ’ኸኣ’ዩ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንዘላቒ ሓባራዊ ቁጠባዊ ዕብየትን፡ ንርግኣትን ምምካት ሽበራን ጸረ-ድሕነታዊ ሽርሕታትን፡ ንዞባዊ ጥምረት ከይተሓለለ ዝሰርሐ። ብሰንኪ መሰናኽላት ኣጀንዳታት ዕብለላ ኪዕወት ኣይኽኣል’ምበር፡ ዘይውንዘፍ ድርዒ ናጽነትን ልዑላዊነትን ህዝብታት ስለዝኾነ፡ ምስ ዉሁብ ዓለማዊ ክስተታት ተዛማዱ፡ ብዝሃየለ ኪስርሓሉ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ።

ዝኸበርኽንን ዝኸበርኩምን

በጋጣሚ ኲነታትን ግዜን፡ እዋን ናጽነትና ኣብ 1991፡ ምስ ምኽታም ዝሑል ኲናት’ዩ ተረኺቡ። ነቲ ምኽታም ዘስዓቡ፡ ዓለማውያን ዞባውያንን ጠንቅታት/ ምዕባለታት፡ ዝርዝራቶም ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ክስተት፡ ናይ ሓደ ዘይሰርሐ መዋእል ወይ ዝፈሸለ ዓለማዊ ስርዓት መርኣያ ዝውሰድ’ዩ ነይሩ። እቲ ሕቶ ግን፡ ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናት፡ እንታይ ተረኽበ? ሕጂን፡ ንመጻኢን’ከ?

ድሕሪ 1991፡ በቶም ኣብቲ “ምዕራብ” ዝበሃል፡ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ቊጽሪ (ንህዝቢታት ምዕራብ ይዂን ንህዝቢ ኣሜሪካ ዘይውክል) ናይ ውሑዳት፡ ሓይሊ ዕብለላ፡ ኣዝዩ ሓደነኛ ዝኾነ ሓሳባት’ዩ ኪፍልፍል ጀሚሩ። እዞም በሃራት (Elite) ዕብለላ፡ ምኽታም ዝሑል ኲናት፡ ከም “ታሪኻዊ ዕድል” ጌሮም ስለዝወሰድዎ፡ ድሕሪ ውድቀት ሶቭየት-ነበር. . . ደጊም፡ ነዚ ዝመጽእ መዋእል፡ ዓለም ናትና’ያ! ብኹሉ ዓይነት ጸብለልትነታት ዝዳረገና ሓይሊ ኣይኪህሉን’ዩ!. . .ወይ፡ ክህሉ የብሉን! ዓለም ኣብ ናይ ጽልዋ ከባቢታት ከፋፊልና፡ ብመልሕቓት ከነመሓድራ ኢና!. . .ዝዓይነቱ ሕሳባት እናማዕበሉ፡ ነታ ሽዑ ከም ቀዳመይቲ መወዳድርቲ ዝሰግኡዋ ሩስያ “ምድራት” (containment)፡ ከም ሓደ ካብ ገፊሕ እስትራተጂኦም፡ ኪነጥፉሉ ጀሚሮም። ብስልቲ ደረጃ፡ እተን “መደረቲ” ዝትጥቕሙለን ሃገራት፡ ንዶባት ሩስያ ቀረባ ዝኾና፡ ናይ ምብራቕ ኤውሮጳ ሃገራት’የን ኮይነን። እቲ ሓሳብ፡ ካብ ምእዋጅ ኲናት ዝፍለ ሕርያ ኣይነበረን። ከም ሓደገኛ ኣበጋግሳኡ ኸኣ፡ ሓደገኛ ኩነታት ፈጢሩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኡክረይን ንከታተሎ ዘሎና ምዕባለታት ከኣ፡ መቐጸልታ’ምበር፡ ሃንደበት ኣይኾነን። ኡክረይን ዝህባን፡ ግዳይን ምስምስን ጥራይ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ፡ ናይ 30 ዓመታት ህቀና ድረታ፡ እቲ ፖሊሲን ውጥናቱን ኣይተዓወተን። ተቓውሞታት ንስርዓተ – ጫካ (ብኣሕጽሮት. . .መንዝዕ፡ ተኣታቶ፡ ሃድድ፡ ኣጓጥጥ፡ ኣጣቚስ፡ ጠቅን፡ ቅጻዕ፡ ኣግድ፡ ውረር፡. . .ኣህጉራዊ ሕጊ ርገጽ፡ ብመሰል ሰባት ተዋራዘ፡ . . . ዝሕላገታቱ ስርዓተ-ጫካ) በሃራት ዕብለላ እናዓበየ መጺኡ። ናይ ሩስያ “ስግኣት” ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ካልኦት ስግኣታት’ውን ቦሎኽ ኢሉ። እቲ ዘይተዓወተ ፍልስፍናዊ ትምኒት፡ መልክዓትን ምስምሳትን እናቐየረ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዓለም፡ ነውጺን ቊጠባዊ ቅልውላዋትን (ብቐንዱ፡ ዘይርትዓዊ ምቕርሐ ሃብቲን እቶተን) ኣኸቲሉ። በሃራት ዕብለላ፡ ኣብ ሩስያ ኣይተሓጽሩን። ቻይና ንምድራት’ውን፡ ብመገዲ ታይዋንን ሆንግ-ኮንግን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ እስያ ብገፊሑ፡ ዝተፈላለዩ ኪዳናት ኪህንድሱን ከናቚቱን፡ ከካይድዎ ዝጸንሑ ህቀናታት፡ ካብቲ ናይ ሩስያ ድረታ ዝተፈልየ ኣይኾነን። ሓደነኛነቱ፡ ካብቲ ናይ ሩስያ ‘ተዘይዓብዩ ኣይንእስን’ዩ። በሃራት ዕብለላ፡ ዝፍጽሙዎ ጌጋታት፡ ክንዲ ዝእርሙ፡ ብመልሰ-ግብራዊ ጭንቀትን ስሕታን-ቅመራን (miscalculation) ስለ ዝድረኹ’ውን፡ ኣመታት ኣካይዳኦም ከኸትሉ ዝኽእል ሳዕቤናት ምግማቱ፡ ዘሸግር ኣይኾነን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ምስ ክብ ኢሉ፡ ብሓጺር ዝተገልጸ ዞባውን ዓለማውን ክስተታት፡ ርዝነት ሕድሪ ናጽነትናን ልዑላውነትናን፡ ርዱእን ምኽራር ዘይሓትትን’ዩ። ነቲ ሕመረቱ ጽኑዕ ዝኾነ ስርዓት-ክብርታትና እናደራዕናን እናሐየልናን፡ ናይ ሃገራዊ ህንጸት ተልእኾታትና ኣብ ኩሉ ልምዓታዊ ግንባራት፡ ብዝሓየለ ኣነጣጢፍና፡ ብድሆታትና፡ ብጽንዓትን ውሕልነትን መኪትና፡ ናብ ዝበረኸ ጽፍሒ ዕብየት ክንድይብ ከኣ፡ ቀዳምነት ቀዳምነታትን፡ እዋናዊ ሕርያን’ዩ።

ዞባዊ ርግኣትን፡ ምትሕብባርን ምምልላእን ዕብየት፡ ናይ ናጻን ልዑላውያንን፡ ህዝብታትን ሃገራትን፡ መጣምርቲ (integral ኣካል) ሃገራዊ ህንጸትና ስለዝኾነ፡ ምስናይ’ቲ ንዜጋታትና ጎደቦና፡ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት፡ ብጸበብቲ ቁልቁላዊ ምትፍናናት (vertical polarization)  ንምፍንጣሕን ንምስናፍን ዝካየድ፡ ቅሉዕን ስቱርን ኣዕናዊ ኣጀንዳታት፡ ሓባራዊ  መኸተና፡ ብዝሓየለን ብዝሰፍሐን፡ ክንሰርሓሉ መድረኻዊ ግቡእ’ዩ።

ምእንቲ ቅሳነት ራህዋን ህዝብታት ዓለም፡ ዝሓለፈ መዋእላት ዝሑል ኲናትን፡ ዓንዳሪ እንኮ-ቐጽራዊ ህቀናታትን፡ ዓቢ ታሪኻዊ ትምህርቲ ሓዲጉ ስለዘሎ፡ በንጻር ሕግታት ጫካ፡ ናይ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ዘይገሃሰሉ፡ ኣህጉራዊ ሕግታት ዝኸብረሉ፡ ምትእትታዋትን ዘይሕጋዊ በይናዊ ብድዐታት ዘብቅዓሉ፡ ዓለማዊ ርትዓዊ ምቕርሐ ሃብትን እቶትን ዝውደነሉ፡ ናይ ምትሕብባርን ምምልላእን ዝምድናታት ዝሰፍነሉ፡ ዓለማዊ ኩነታት ንምምጻእ፡ ምስ ኩሎም ህዝብታት፡ ብዘይኣፈላላይ ክነጥፍ፡ መቐጸልታ ናይ ሃገራውን ዞባውን ክፍለ-ዓለማዊ ግዴታና’ዩ።

ናጻ ሕርያናን ንያትናን ንሱ’ዩ!

ምስ ምንዮት ጥሉል ክራማት!

ዝኽርን ሓበንን፡ ነቶም ሕድሪ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ዘረከቡና ሰማእታት!

ዓወት ንሓፋሽ!






7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events