Dehai

ሓተታ፥ ድሙቕ ዓወታት ስፖርት፡ ፍረ ንጹር ራእይን ሓያል ጻዕሪን!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 09 April 2022

ድሙቕ ዓወታት ስፖርት፡ ፍረ ንጹር ራእይን ሓያል ጻዕሪን!


 ሚያዝያ 09, 2022
 

ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ኤስያን ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ መድረኻት ስፖርታዊ ውድድር ብዘመዝገብዎ ድሙቕ ዓወታት፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ዝበረኸ ዘንጊ ክተንበልብል፣ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ’ውን ብዓውታ ክቃላሕ፡ ብደስታን ፍናን ዝተኸታተልናዮ’ዩ።

ከምዝዝከር፡ ኣብ ሻርም-ኣሼኽ – ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2022 ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ 7 ወርቂ ብዝርከቦ 15 ሜዳልያታት ካብ መወዳድርታ ሃገራት ጸብለል ክትብል እንከላ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ጐብለል ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ብምዃን፡ ድርብ ዓወት ተመዝጊቡ።

ኣብ ኤውሮጳ፡ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቤልጁም ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ብዘርኣዮ ዘደንቕ ብቕዓትን ናይ ዓወት መንፈስን፡ “ነቲ ዓወት ዝበቕዐ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ” ተሰምዩ። ኣብ ዙር ታይላንድ ክሳተፍ ዝቐነየ ተቐዳዳማይ መትከል እዮብ’ውን፡ ስሙን ስም ሃገሩን ዘበረኸ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብ ኣትለቲክስ እውን፡ ኦሎምፒካዊት ኣትለት ናዝሬት ወልዱ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ማራቶን፡ ሰለስተ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ክተመዝግብ እንከላ፣ ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትለት ራሄል ዳኒኤል፡ “ብደረጃ ዓለም ዝበለጸት ናይ ጉያ መሮር ጓል-ኣንስተይቲ ኣትለት” ኰይና ተረቚሓ።

እዚ ዘሐብን ዓወታት’ዚ፡ ብዙሕ ሓቂታት ዘረጋግጽ’ዩ። ቀዳማይ – ከም ውልቀሰብን ትካልን – ኣብ እትነጥፈሉ ዓውዲ፡ ብንጹር ራእይ ተመሪሕካ፣ ዕላማታትካ ብዘየወላውል ኣነጺርካ፣ ብድስፕሊንን ጽኑዕ መብጽዓን ተመሪሕካ እንተጽዒርካ፡ ዓወት ክትጐናጸፍ ግድን’ዩ። ካልኣይ – እዚ ዓወታት’ዚ፡ ጽኑዕ ሰረት ዘለዎ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ወለዶታት ዋርሳይን ይከኣሎን መዋእል፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣንጻር ኩሉ ጊንጥታት ጸኒዖም ደው ብምባል፣ ጎኒ-ጎኒ መኸተ ንልዑላውነት ሃገር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ልምዓት ብምውፋር ዘመዝገብዎ ዓወታት፡ መሰረታት ሓያል ሃገርን ብሩህ መጻኢን ኣብ ምንጻፍ ተዓዊቶም’ዮም። ኣብ ስፖርት ክምዝገብ ዝጸንሐ ዓወታት ድማ፡ ኣካል ናይ’ቲ ንኹሉ ተጻብኦታት ተጻዊሩን በዲሁን፡ ብዓወት ዝምርሽ – ሕላገት ወኒ፥ ኒሕ፥  ሓቦን፡ ወለዶታትን መንእሰያትን ኤርትራ’ዩ።

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ 2015 – ፕሮፈሽናል ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፡ ኣብ ውድድር ‘ዙር ፈረንሳ’ ንኤርትራን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሓድሽ ታሪኽ ሰሪሖም ምስ ተመልሱ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ተሳታፊት ጥራይ ዘይኰነት ተወዳዳሪት’ውን ምዃና ብግብሪ ተመስኪሩ’ሎ። ስለ’ዚ፡ ድሕሪ ሕጂ ኪኖ ኣፍሪቃ – ብደረጃ ዓለም ዓወት ንምምዝጋብ ክውጠንን ብዕቱብ ክስራሕን ይግባእ።” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

እንሆ ድማ፡ እቲ ቃል ብተግባር ዝረኣየሉ መድረኽ እናደመቐ መጺኡ’ሎ። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ብምውሓስ ቀጻልነቱ ምርግጋጽ ግና ዓቢ ሓላፍነት ዘሰክም’ዩ። እቲ ኣብ ውሱን ዓውድታት ስፖርት ብቐንዱ ድማ ኣብ ቅድድም ብሽክለታን ኣትለቲክስን ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ ጽልዋኡን ዓንኬሉን ሰፊሑ፡ ኪንዮ ተሳታፍነት ንዝበረኸ ዓወት ድፍኢት ክፈጥር፡ ዕቱብ ስራሕ ከድሊ’ዩ።

ንብሉጽነት ምትጋህን ንዝበረኸ ጠሚትካ ክትበጽሖ ምጽዓርን፡ ኣብ’ቲ ካልእ ዓውድታት ህይወት’ውን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ’ዩ። ስለ’ዚ፡ ከም ዜጋታት ኣኣብ ዝወፈርናዮ ዓውዲ፡ ኒሕን ተወፋይነትን፣ ጸዓትን ጽንዓትን፣ ከምኡ’ውን ጽሬት፡ ውርጹጽ ምሕደራን ኩሉንትናዊ ብቕዓትን፡ ሕላገት ታሪኽናን መሰረት ዓወታትናን ምዃኑ ተገንዚብና፡ ዝያዳ ከነጒልሖን ከነድምቖን የድሊ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events