Dehai

ሓያል ውዳቤና ዋሕስ ህላወና።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 29 March 2022

እዞም ንብዙሕ ዓመታት ዝተጻብኡና ሓያላን፤ ብሃብትን ብዝሕን እዮም ዝበልጹና እንበር፤ በተሓሳስባን ተግባርንሲ ጥቓና ኣይቀርቡን እዮም። ቁጽሮም እንተዝኸውን ክንዲ ቁጽርና፤ ትሕዝትኦም እንተዝኸውን ክንዲ ትሕዝቶና ብልመና ንወያነ ምሓለፍዋ ኔይሮም።  ንሕና ድኣ ምስዚ ኩሉ ተጻብኦታት ስለምንታይ ዓንቲርና?            (1) ሓያል ውዳበ ስለ ዘሎና።  (2) ቁኑዕ ኣተሓሳስባ ስለ ንውንን።  (3) ኣብ ፍቕሪ እንበር ኣብ ጽልኢ ስለ ዘይንኣምን።  (4) ኣብ ተስፋ እንበር  ኣብ ሕልሚ   ስለ ዘይንነብር።. (5) ናህና እንበር ናይ እንዳ እማትና ስለ ዘይነቋምት።  (6) ባህሊ ሰሪሕካ እንበር ለሚንካ ምንባር ስለ ዘይብልና።ጸላእትና እዚ ክብርታት የብሎምን።  ብኡ ምኽንያት ከኣዮም ዓለም ከይትቐስን ከም ቶፋ ሓቊኖም ክፌኣት ዝለኽዩዋ ዘለዉ።  

 ~~~~~~~~~~ገብረንጉስ መስመር~~~Sent from Yahoo Mail for iPhone

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events