Dehai

ኣብ ዓለም፣ ዝኾነ ሰብ "ነ'ቦይ ኣዝየ'የ ዝጸልኦ፣ ነደይ መዓረይ ግን ካብ ነብሰይ ንላዕሊ'የ ዝፈትዋ" ንዝብለኒ ሰብ፣ ሓሳዊን ምስሉይን ነውራምን ውርደተኛን ንወዲ ሰብ ኽብረት ዘይብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንነብሱ'ውን ሕሱር ባእታ'ዩ ግብረ-መልሰይ!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 04 February 2022

[ቁሩብ ስፍሕ ዝበለት፣ ትሕዝቶኣን መልእኽታን ግን፣ ንጹርን ሓደን እዩ። ፈለማ ዝተጻሕፈት 24 ጥቅምቲ 2021]
•√÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷√

"ንኣቦኻ እጸልኦ እየ፣ ንሓውኻ'ውን ልክዕ ከም ኣቦኻ። ንዓኻን ንኣዴካን ብፍላይ ድማ ንሓፍትኻ ግን ኣዝየ እየ ዝፈትወኩም።" ኢሉ ንዝለማመጸኩምን ንዝጸውየኩምን ሰብ.....እንታይ ምመለስኩምሉ?


ብኻልእን ብተመሳሳሊ ኣገባብን ሽጣራን ሕልኩስን ዘይ ስነ- ሞጐታዊ ዕሙት ምኽንያትን ን"ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ህዝባዊ ግምባርን ኣባላትን መሓውራት 'ስርዓት መንግስቲ ኤርትራን' ገጾም ትርሓቕ! ይጸልኦም እየ፥ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን [ህ•ሰ•ም•ሓ•ኤ•] ግን ንኽገርመካ ኣዝ'የ ዘፍቅሮምን " ኢሉ ከይሓነኸ ገፊሕ ኣፉ ከፊቱ ነዋሕ መልሓሱ ወርዊሩ ንኽጸውየንን ንኸእምነንን ዝፍትን ዝኾነ ብሃምን ቦሶሮን ወልቀ-ሰብ መልሰይ፣ ብዘለኻዮ/ኽዮ ጥፋእ/ፍኢ ኣብቲ ትነብሮ/ርዮ ከባቢ ከም ጸድፊ ደብረ- ቢዘንን ርእሲ ዓዲን ወይ ድማ እምባ ሶይራን ዝመሳሰል እንተ'ሎ፣ ብእኡ ኣቢልካ/ኪ ጽደፍ/ፊ ተዓዘር/ሪ'የ ዝብሎም!"
  

ብስምዒታዊ ዕሙት ናይ ዕስለ ጽልኢ ቦለቲካ ዘይኮነስ፣ ኣብ ስነ ፍልጠታውን ስነ ሞጐታውን ስነ ሓሳብ ዝተሞርኰሰ ጭቡጥን ግብራውን ዛዕባታት ኣምጺእካ ተዛተ። "እቲ መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣብዚ ጐድኒ ሃናጺ እዩ ማሕረ እዩ፣ ኣብቲ'ኣ ግን ኣይማእምኣንን ከምዚ'ኣ እንተትኸውን ድማ ምመረጽኩ" ኢልካ ከም ውልቀ-ሰብ ሓሳብካ ከተካፍልን ከተቕርብን ትኽእል ኢኻ። መንግስቲ ምስ ኩሉ መሓውራቱ ግን ሓንቲ ንእስቲ ባእታ ስድራ ቤት ዘይኮነስ፣ ስጋብ 4-6 ሚልዮን ህዝቢን እሞ ዝተሓላለኸን ከም ብዝሑ ዝተፈላለየ ድሌታትን ሸውሃትን ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ እዩ ዝመርሕን ዘመሓድርን ዘሎ። ኣንታ ብማዕዶ ኣብ ርሑቕ ኮንካ ትዋራዘን ተላግጽን ተሽከዓልልን ዘሎኻ ወዲ ተባዕታይ ኩን ጓል ኣንስተይቲ፣ ነብስኻ ንኽትክእልን ስድራ ቤትካ ብግቡእ ከተመሓድርን ክትኣልን ዘሎ ጣጣን ሽግራትን ሕልኽልኻትን፣ ክትሕሱ እንተ ዘይኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፈልጦ እዩ፣ ኣሹንኳይ'ዶ ሃገርን ክትሃንጽን ክትከላኸልን ምሉእ ህዝብን ብግቡእ ከተመሓድርን ድሌታቱን ጠለባቱን ከተማልእን!


መንግስቲ ምቹእ ባይታ እንተ ሃልዩዎን እንተ ኽኢሉን፣ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ መሰረታዊን ቀዳምነትን ጠለባት ዘዕግብ ግብራዊ ንጥፈታት ንምሳሌ፣ እኩል መግቢን ዝስተ ጽሩይ ማይን ብተዛማዲ እኹል ጸዓትን መብራህቲን መጽለሊን [ኣደራሻትን መረባብዕን] ትካላት ሕክምናን ኣብያተ-ቤት ትምህርትታትን ትሕተ-ቕርጺታትን መጐዓዝያን ኣፍረይቲ ትካላትን ስነዓን...ወዘተረፈ ብሓባር ምስ ህዝቢ ኾይኑ እንተ ኣዋዲዱ፣ ብወገነይ ዕጉብ እየ።


እምበኣርኸስ ካብ'ቲ ሃገር ሃዲምካ፣ ገሌኻ ገበን ፈጺምካ ገለ ድማ ገንዘብ መንግስትን ህዝብን ሰሪቕካ፣ ገሌኻ ተልእኮ መንግስትን ህዝብን ንኽትፍጽም ተላኢኽካ እሞ ከዲዕካ ጠሊምካ ኣብዚ ኩድጭ [ኮፍ] ዝበልካ፣ ገሌኻ'ውን ገዚፍ ናይ ወጻኢ ንዋይ >>>$&€ ተሰሊዑልካ ብሉጽ ዕድል ላዕለዋይ ትምህርቲ ተሰናዲኡልካ ንኽትመሃርን፣ ምስ ወዳእካ ድማ ንነብስኻ ኮንካ ተመሊስካ ነቲ ጠምዩን መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ዘምሃረካ ህዝቢን ሃገርን ከተገልግልን ከተማዕብልን ዝነበረ ዕላማ ረሲዕካ ውልቃዊ በለጽ ኣጥቂዑካ ዝተረፍካ፣ ገለ'ውን ብዝተፈላለየ ዕባራ ምኽንያት ይኹን ጭቡጥ ምኽንያትን ኣብ ደገ ወጺእካ፣ ብድምሩን ብሓፈሻኡን ግን ናብተን ምዕቡል ቁጠባዊን ንዋያውን ዝውንና ሃፍታማት ሃገራት መጺእካ ናቱ ተቛዳሲ [ተኻፋሊ] ንኽትከውንን [ኣብተን ድኻታት ሃገራት ኤውሮጳ ግን፣ መኽሰብን ጥቕምን ስለ ዘይርከበን፣ ተጋጊኻ'ኳ ተንከስ ኣልካ ሞይትካ ከማን ኣይትኸይድን ኢኻ!] ውልቃዊ ናብራኻ ከተመሓይሽን ዝፈለስካ፣ ብማዕዶ ኣብ ዱኳ [ልስሉስ ወንበር] ተኾይጥካ ተዓዛቢ ጥራይ ኮንካ ኢድካ ከይሓወስካን ክርየርሳሕካን፣ "ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ስርዓቱን መሓውራቱን ኣይፈተዎምን'የ እጸልኦም'የ፣ ንሰራዊት ኤርትራን ናይ ጸጥታ ትካላትን ተጋደልትን ዋርሳይን ህዝብን ግን ሃገር ስለ ዝሃነጹን ኩለንትናውን ኸቢድን መስዋእቲ ኸፊሎም ብጽንዓትን ጅግንነትን ሪሞም ተኸላኺሎም ስለ ዘድሓንዋን ዝተዓወቱን፣ የኽብሮምን ይፈትዎምን'የ" ኢልካ ፈላሊኻ ኣጸሊምካን ፍጹም ሰብኣውነት ብዘይብሉ ኣገባብ ካብ ጻዕዳ ናብ ኳኽ ቀይርካ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ክትምድርን ከም በዓል ዛርቲ ጐርዞ ከተጉርዕ ዝነበርካን፣ ገና'ውን ብተዛማዲ ትቕጽሎ ዘሎኻ/ኺ ግን፣ ምስሉይነትን በለጽን ውልቃዊ ጥቕሚ ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ እምበር ናይ ካልኦትስ ኣይግድሰንን'ዩ ምባል፣ ንመስኪናይ ኣካል ሕብረተሰብና ብኻዕቦ-ምዕሮ ጻዕዳ ሓሶት ንምዕዋርን ንምድንጋርን  ንምግጋይን ንምቕሻሽን እንተ ዘይኮይኑ፣ ኩሉ ከም ኣቦ ጀዲድ ማይ ኣይቆጽርን እዩ። ምኽንያቱ ሃገር ዝተወሃሃደን ወይ ብኹረት ድኹምን ዳርጋ ዘየሎን ግዙእን ከዳምን ባዕዳውያን ሓይልታት ቁጹርን፣ ዝናበብን ጥንቁቕን ንቑሕን ብሱልን መትከላውን ጽኑዕን ሓያልን ውፉይን መሪሕነትን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን፣ ንቑሕን ውዱብን ዕጡቕን ትካላትን መሓውራትን ዘንቀሳቕስ ሕብረተሰብን ተባዕን ሓቦኛን ህዝብን ዝጐደሎን ወይ ድኹም እንተ ኾይኑ፣ ኣብ'ዛ ንንረብራ ዘሎና ዓለም ከምቲ ዝድለ ርእሳ ኽኢላ ንኹሉ ዝመጽእ እንተታት ጠጠው ኢላ ክትብድሆን ክትከላኸሎን ትኽእል ሃገር ከቶ የላን።


 ስለዚ እቲ ንዳርጋ 30 ተደመሮ 30=> 60 ዓመታ ኣንጻር ሰንሰለታውያን ባዕዳውያን ገዛእትን ሓያላትን ሃፍታማት ጎይቶቶምን መወልቶምን ኣጽዋር ኣዕጠቕቶምን ስዉርን ሕቡእን ውዲታቶም፣ ዝተገብረ መሪር ህዝባዊን ብረታውን ቓልሲ ዝተኸፍለ ኩለንትናዊ ኽቡር መስዋእትን ንዝተኾልፈ ማእለያ ዘይብሉ ዕድላትን፣ ብድምርን ንጡፍን ውዱብን ንቑሕን ዕጡቕን ተባዕ ህዝብን ጅግና ግምባርን ዕላምኡ ዝፈልጥ ኣርካን ህዝባዊ ሰራዊትን ድሕሪ ውፉይን ኣርሒቑ ዝጥምትን በሊሕ መንግስትን መሪሕነቱን እምበር፣ ሓደ ካብ'ቲ ሓደ ነጻጺልካን ኣካፊእካን ኣጸሊምካን ፈላሊኻን ዝተገበረ ቓልስን ዝመጽ ዓወታትን ፍጹም የልቦን!


 ነዚ ብመልሓስን ሃሎውሎውን ከማኻ/ኺ ኣብ ማዕዶ ተኾይጥካ/ኪ ዘይኮነስ፣ ብግብርን ብቓልስን ህዝባዊ ብድሆን ኣብ ሪሙን ኣብ መሬትን ቅያ ዝፈጸመን፣ ተቓሊሱ ኣብ ባይታ ብግብሪ ኣንጻር ጸላእቱን ኣኸደምቶምን ኣዕጠቕቶምን መወልቶምን ሕብስቲ ተኾብቶምን ቀለብቶምን ዝተዓወተ ድማ፣ እንኮ ዝገብሮ ዝርዳእን ዝፈልጥን መንግስቲ ኤርትራን ውፉይ ህዝባዊ ግምባርን ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ጥራይ እዮም!!!


መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግምባርን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ተባዕን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራን ንልዑላዊት ናጻን ሓራን ሃገሮምን ሪሞምን ብድምር ብቖራጽነት ትብዓትን ንምክልኻልን ንኸደምቲን ልኡኻት ባዕዳውያንን መወልቶምን ኣዘዝቶምን ተቓሊሱ ንምስዓሮም እምበኣር፣ ጥርኑፋትን ንቑሓትን ውዱባትን ዕጡቛትን ጽኑዓትን ሓያላትን ውፉያትን ሰብ-ዕላማ መትከላውያን ስለ ዝኾኑ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኩለንትናዊ ኽቡር መስዋእቲ ስለ ዝኸፈሉ እዮም። እቲ ንሃገርና ኤርትራ ብምሉእ ዓቕምን ኣተኩሮን ብልሓትን ንጡፍ ጻዕርን ኤርትራውያን፣ ዳግመ-ንምህናጽን ንምምዕባልን ብሰንኪ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ናይ ዞባውያን ባሮቶም/ከደምቶምን ዓለምለኻዊ ምዕራባውያን ሓይልታት ኣዘዝቶምን መወልቶምን ናይ ኲናት ዓቢ ሓደጋን ማእለያ ዘይብሉ ስዉርን ቅሉዕን ውዲታቶምን'ኳ እንተ ተሰናኸለ፣ ማዕረ ማዕረ ምክልኻልን ልኡላውነት ምውሓስን ጸላእቶም ምስዓርን ግን መንግስቲ ኤርትራን ውፉይ ህዝባዊ ግምባርን ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን፣ ብዝወሓደ ብኣዝዩ ድሩት ዘቤታዊ ገንዘብን ንዋይን [ብዘይ ናይ ደገ ሓገዝን ዘይ ሕጋዊ ዓለምለኻዊ እገዳን ገንዘባዊ ማሕንቖን] እንኮ ኤርትራዊ ስነ-ፍልጠትን ጉልበትን ጻዕርን ህርኩትናን፣ ንመንጠሪ ሰረትን ዝኸውን ዘይነዓቕ ትሕተ-ቕርጺ ሃኒጾምን ኣንጺፎምን እዮም። 


ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ድማ፣ ንኸደዳሚትን ባርያን ኣሜርካን ኣውሮጳን ዝኾነት ኣረሜናዊት ወያነ ቑልቁል ኣፋ ደፊኦምን ንኣዘዝታን መወልታን ኣሕፊሮምን፣ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ክድምስስ ከጥፍእን ኣብ ትግራይ ተኣኪቡን ተዋዲዱን ዝነበረ 80% ዝኸውን ዝተራቐቐ ዘመናዊ ኣጽዋር ኢትዮጵያ፣ ከይተዛረቡን ከይተጃህሩን ብቕጽበት ኣብ ሓጺር መቓን ምስ ወያነ ደምሲሶምን ኣዕንዮምን፣ ዓቢ ኽፋሉ ድማ  ከም ዝማረኽዎን፣ ተጐቢጡ ዝነበረ መሬቶም ሓራ ኣውጺኦም፣ ተልእክኦም  ብዓወት ከም ዝዛዘሙ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ!


እዚ ርኡይ ተግባር ዘለፋን ጸለመን ሓሶትን ሸርሕታትን ኩሉ ስኑድ ስለ ዝኾነ፣ ነቲ ሃንዳሲኡን ፈጻሚኡን በሃሊኡን ኣብ ታሪኽ ዘሕፍርን ዘዋርድን ብሕጊ'ውን ዘሕትት ስለ ዝኾነ ግን፣ ኩሉ ሰብ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ይግባእ። እንተ እቶም ብሓሶትን ኣጸያፊ ጸርፍን ጸለመን ብዓለም ደረጃ ናብ ኳኽ 'ዝተቐየሩ' ኽቡራት ጀጋኑ ሓርበኛታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጽኑዕን ሓቦኛን ህዝብናን ግን፣ ካብ'ቲ ሰብኣውነቶም ኽቡር ባህሎምን ኣነባብርኦምን ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኹን ፍረ ኣድሪ'ኳ ዋላ ሓንቲ ኣይጐደሎምን።


ስለዚ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ዝዓበየ ኽፋል ህዝብና፣ ካብ ላዕለዎት መሪሕነቱ ስጋብ ተራን ኩሉ መሓውራቱን ብማዕረ፣ በቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ከም ርዱእ ዘይንቡር ኣነባብራ ተቐቢሎም ኣስናኖም ነኺሶምን መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎምን፣ ሃገሮም ብዓቕሞም ዝሃንጹን ዝሕልዉን ዝከላኸሉን ከቢድ ኩለንትናዊ መስዋእቲ ዝኸፍሉ ዘለዉን፣ ኣብ መውዳእታ ኸኣ ንተጻባእቶም ስዒሮም ዘፍ ዘበሉን ቁልቁል ኣፎም ዝደፍኡን፣ ኣብዚ ብማዕዶ ኮይንካ ኣብ ምቹእ ዱኳኻ ተኾዲምካ ምሩጽ ሕብስቲ እናጎመድካን 'ናኾምሳዕካን ዊስኪ ካልኦትን እናጭረምካን ክትዋራዘ ዘይኮነስ፣ በብዓቕምኻ ክትሕግዞምን ከተተባብዖምን ሞራል ክትህቦምን፣ ንሱ ንምግባር ድኹም ሓሞትን ስነ-ምግባርን እንተ ኣልዩካ ድማ፣ ብውሕዱ ከተመስግኖምን'ውን እዩ ዘሎካ፣ ነዚ ዝቐለለ ዳሕረዋይ ኣማራጺ እንተ ዘይጌርካ ግን ኣፍካ እግርኻን ሓዝ፣ ዘምጽኣካ ውልቃዊ ዋኒንካ ጥራይ ግበር፣ ምትሩስ ዓጢነ!!!

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

•>>>"ዝገብር ነዲኡ ነይነግር......."

https://www.facebook.com/100001351497949/posts/4184356641619344/?sfnsn=scwspmo
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

•π√> ኣገዳሲ መብርሂ'ዛ ኣርእስትን ዛዕባን!


[ንኹሉ ክይፈላለኻን ከየነጸርካን ብጅምላ ኣብ ሓደ ዕትሮ ወይ ገንኢ እእቲኻ፣ ምጽሓፍን ምንቃፍን ኣይ ባህረይን ኣይ መባልዕተይ'ውን እዩ። ግን ከም ኩሉ ወዲ ሰብ ኣብ ገለ እዋን ክጋገ ይኽእል ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ዝርአን ዝጭበጥን ዝድህሰስን ዝሽተትን ዝስተማቐርን ናይ ብሓቂ ዓለምና [እቲ ዘየሎ ናይ "ትምኒትን ሕልምን ዓለም" ንጐኒ ጐዲኻን ገዲፍካን]፣ ፍጹምነት ዝበሃል ኣምር ስለ ዘየለ እዩ!]

√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√

•>>> እዚ ጽሑፍን መልእኽትን'ዚ፣ ነቶም ተወልጄ ደቀ 40ን [ትግራዎት] ገለ 'ኤርትራውያን ኢና'  እናበሉን ብስም ኽቡር ሃገርን መለለዪ ማንነትን [Identity Card or Passport] ኤርትራ፣ ካብ ሃገር ምስ ፈለሱን [ሃደሙ] ናብ ኩለ ሃገራት መጺኦም ዋላ ሓስዮም ኣይሓስዮም ብዘየገድስ ዑቕባ ዝሓተቱን መቐመጢ ፍቓድ ወረቐት ዝለመኑን፣ ግን ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን ንኽሽግሩ ኸጥምዩን ደኺሙ ንጸላኢ ከምበርከኹን ከይተሓለሉ ኣዕናዊ ተግባር ዝፈጸሙን ገና'ውን ዝቕጽልዎ ዘለዉ፤ ኣብ ፈቐዶ መገባእያ ኣደራሻት ዓለም ዝሰርሑን ዝሰገዱን፣ ማዕቀብ ንኽግበር ዓቢ ተራ ዝተጻወቱን ተሓጒሶም ዝጨፈሩን ጉጅለታትን ውልቀ-ሰባትን ዘተኮረ እዩ። 


ከምኡ'ውን ኣብ'ዚ ዝሓለፈ ሓደ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ድማ፣ ጉልባቦም ቀሊዖም ነቲ ብኩለንትናዊ ከቢድን ኽቡርን መስዋእቲ ዝተረኽበ ሃገርን ሃገራዊ ማንነትን ክሒዶም፣ ብዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ብናይ ጸላኢ ቦምባታትን ጠያይትን ተበሳሲዖም ዝተመልሱን ሃገርን ኽቡር ማንነትን ግሁድ ጌሮም ዝተኸልዎ ሓርበኛታት ኣሕዋትን ኣሓትናን፣ ብወለንትኦም ጠንጢኖም "ትግራዎት ኢና" ዝበሉን "ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ፣ ትግራይ ትስዕር" ኢሎም ወግሐ-ጸብሐ ዝገዓሩን ምስ ወያን ብግልጺ ዝወገኑን፣ ምሁራት ኢና በሃልቲ ግን 'ንባዕዲ ዘገልግሉ ደናቑርን ስሱዓትን  ምስሉያትን ኰሻማትን [Useful Idiots] ገባር ደፋእ-ዱንኩልን ሰራሕተኛን ጸሓፍትን መደርትን ኰታ ካብ ኩሉ ቀጸላ-ኽፋል ሕብረተሰብ፣ ነዚ ዝጠቐስኩዎን ካልኦት ከም ርዱእ ኣብዚ ዘይኣውካእክዎ መምዘኒታት ጥራይ ዘማልኡ ዝምልከት እዩ።  ብሓፈሽኡ ግን ነቶም ዝዓበይሉን ዝኽሓዱን መበቆሎም ረሲዖም ካልእ ክኾኑ ዝፈተኑን ዝኾኑን ዝበልዕሉ ጻሕሊ ዝሰብርሩን፣ ተኻናኺና ዘዕበየቶምን ዘምሃረቶምን ምሉእ ስርብ ዝገበራኦም ኣእዳውን ጉልበትን ዝጎዘጹን ዝሃሰዩን'ውን ትምልከት እያ!


ነቶም ኣብ ጐኒ መንግስቶምን ሃገሮምን ህዝቦምን ህዝባዊ ሰራዊቶምን ኮይኖም፣ ኣብ ዘዘለውዎ ኩርንዓትን ማእዝናትን ዓለም ብቢዓቕሞም ንዋያውን ሞራላውን ሃገራዊ ግቡኦም ብሓላፍነትን ተኣኣማንነትን ዘወፈዩን ሃገሮም ዝፈትዉን፣ ብህዝባዊ መኸተ ከይተሓለሉ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ብትብዓት ጠጠው ኢሎም ርእሶም ኣቕኒዖም ኣብ ጽርግያታትን መጋብኣያታትን ኣደራሻት ዓለምን ዝተጣበቑን ዝሞጐቱን ኤርትራውያን ሃገራውያን፣ ከም ዘይምልከት ብትሕትና ክሕብረኩምን ግልጺ ኽገብረልኩምን ይፈቱ!!!

BerhaneMeskel Habtemariam [Wedi Qeshi]

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
•√ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!


•√ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!


•√ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!


•√ዓወት ንሓፋሽ!


እዚ ዎ'ደሓንኩም፣ ኽቡራት ኣሕዋትን እሓትን!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

ሰናይ ቀዳመ-ሰንበት!
••••••••••••••••••••••••••
•>ደርፍታት፣
   ••••••••••
"ዋሕስ ግዙኣት"

https://youtu.be/V1EgKbM8UIM

"ህጁም"

https://youtu.be/c2I3is7jOts

"ብድሆ"
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ እስቲፋኖስ ኣብርሃም [ዘማች]

https://youtu.be/P_Fzkddb-fE

"ሓየተይ ሓርበኛ"
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን መልኣከ ኣብርሃም ዝተደግመት ናይ ሜዳ ደርፊ

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=10217550342497114&id=1433828420

"ብቐይሕ ደሞም ታሪኽ ዝጸሓፉ፣ በጃ ህዝቦም ህይወቶም ዘሕለፉ"

https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/videos/3792227164165629/

"እምነተይ'ዩ ህዝባዊ ግምባር"

ብስነ ጥበባዊን ድምጻውን ሓርበኛ ዳሽም ምስግና

https://youtu.be/uXx5AIGDNFw
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
•π√> ገለ ካብ ማእለያ ዘይብሉ ደረቕ ታሪኻዊ ስእልታት ፣ ቁንጣሮ ኣብ'ዚ መላግቦ ጠዊቕካ/ኪ ረኣዮ/ይዮ።

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4225587010829640&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
~~~~~~~~~~~~~~
•> ኣንጻር ልዕላውነት ኤርትራን ኤርትራውአትን ፣ ወለንታኦም ዝተግረሩን "ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ፣ ትግራይ ትስዕር" ኢሎም ወግሐ-ጸብሐ ዘጉርዑ ሕውስውስ ዝበሎም ዝዓበዱ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን.....

•> Confused Individuals!!!

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4403972302991109&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷
ኣብ'ዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ እቲ ዝዓበየ ስግትና ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ሓደገኛን ኣዕናውን ስለዝኾነ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ብጥብቂ ከጠንቅቐልና ንሓትት!"

ትግራዋይ ሚልዮነር 'ሌተናይ ጀነራል' ጻድቃን ገብረትንሳአ

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4432231203498552&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
~~~~~~~~~~~~~
"ናብ ኤርትራ ሚሳይል ክንትኩስ ኢና"
~~~~
ነዞም ተቛመርቲ ዘጠመቕኩዎም ስም፣

"ባይቶ ይኣክል ትግራይ"!

ዕላምኦም=> ዓባይ ትግራይ [ትግራይ-ትግርኚ]

ጭርሖኦም=> "ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ=ትግራይ/'ህዊ' ትስዕር'

 *>>>ዝኸበርካ ሓው ሰሎሞን፣ ድሕሪ ሕጂ ከምዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ከመይ ዝኣመሰለት ንዕኦም ትምጥን ስም ጸውዓዮም ኢኻ። 

ህዊ ብኣሕጽሮ ህውሓት ማለት እዩ።

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

[ሶል Media]
https://youtu.be/51G1Cj2g2V0
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

      https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4444470502274622&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events