Dehai

ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃ ዕድል ትርከብ

Posted by: Tesfamicael Yohannes

Date: Friday, 24 December 2021

ዉግእ ጠጠው ኢሉ ሰላም ከኣ ዕድል እንተረኸበት ሰናይ ኢዩ። ብዛዕባ ጁንታ ከኣ ድሕሪ ደግም ስግኣት ክኾኑ ኢዮም ኢልና ኣይንሰከፍ። ንጁንታ ንምንእኣስ ዘይኮነስ ብስነፍልጠታዊ ትንተና ኽንግምግሞ ንፈትን። ብኣብነት ግን ፍጻሜ ናይ ጁንታ ኽገልጸልኩም ኽፍትን ኢየ። ጁንታ ንዕስራን ሸውዓተን ዓመታት ኣብ ስልጣን ተቐሚጡ ሓይሊ ኽድልብን ንዋትን ንብረትን ኽጓርትን ኢዩ ኔሩ። ካብ ስልጣን ወሪዱ ናብ መቐለ ምስ ተሸጎጠን ባጀት ካብ ፈደራል መንግስቲ ኣይቋረጸን ኔሩ። ስለዝኾነ ሓይሊ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳደለብ ኢዩ ዝኸይድ ኔሩ። ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ ቀረብ ምሉእ ዘይጉዱል ኔሩዎ። ሕጂ ነቲ ኹሉ ሃብቲ ኣባኺኑዎ ኢዩ። ቀረብን ኣቶትን ብቐጻሊ የልቦን። ግዜ እንዳ ኸደ መጠን ብኣንጻሩ ከኣ ጁንታ እንዳተዳኸመ ኢዩ ክኸይድ። ምኽንያቱ ተኸርዲኑ ቀረብን እቶትን ዘይብሉ ክቕጽል ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ግምት ክነእትዎ ዘሎና ነጥቢ ብዛዕባ ቀረብ ኣብ ግምት ከየእተኻ ትማሊ ጸጊቡ ዘፈራራሓካ ዝነበረ ወዲ ገዛዉታኻ ድሒሩ ኣብኡ ምስ ሞቶ ጠሚዩ ዓጻም ኮይኑ ከፈራራሓካ ኣይክእልን ኢዩ። እግረ መንገደይ ሓንቲ ጸወታ ኸዕልለኩም። ቀደም ግዜ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣባሻዉል ይኹን ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ሓንፈጻት ኔሮም። ኣቡኦም ጣልያን ኣዲኦም ከኣ ሓበሻ ማለት ኢዩ። ኣቡኡም ብሂወት ከሎ እዚኦም ሓናፍጽ ኣብቲ እንዳ ኣብኦም ገዛ እንዳኸዱ ካብሬቶ፣ ፓስታ፣ ላዛኛ። ከምኡ ከኣ ዝተፈላለየ መግቢ ይረኽቡ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሽሮ ከጽለኣኒ ይብሉ ኔሮም። ጸኒሑ ግን ኣብኦም ምስ ሞተ እቲ ቐረብ ምስ ጠፍኤ ኣብቲ ናይ ኣዲኦም ሽሮ ይምለሱ። ድሓር ኣንታይ ይብሉ ''ትፈልጥ ዲኻ ሽሮ ምስ ጉዕበርበረ ኣቲ ቐዳማይ ዓይነት መግቢ ከምዝኾነ'' ይብሉ። እቲ ሞራል ናይዚ ዝጠቐስክዎ ምስላ እንታይ ኢዩ እንተልኩምኒ፣ ጁንታ ብጽጋቡ ተሓሲምዎ ዝነበረ ሰላም፣ ሕጂ ኣቦ ጁንታ ስለዝሞተ ንሰላም እቲ ቐዳማይ ናፋቕን ብዛዕባ ሰላም ተዛራብን ክኸዉን ኢዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ከምዘለዎ ኾይኑ ንጁንታ ከም መናዉራ እንዳተጠቐሙ ንሰላምን ዕብየትን ኤርትራ ዝዕንቅፉ ዘለዉ ባእታታት ስነፍልጠታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክንብድሆም ይግባእ። ብቐዳምነት ዝስራዕ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ስትራተጅካዊ ረብሓ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝብል ኢዩ። እቲ ቀይሕ ባሕሪ ነባሪ ኢዩ። ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነባሪ ኢዩ። መራኽብ ብቐይሕ ባሕሪ ይኸዳን ይመጻን። ኣብ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ መንግስታት ይመጹን ይኸዱን። እቲ ዘይቅየር ነገር ህላዌ ቀይሕ ባሕሪ ቀዋሚ ኢዩ። ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ነባሪ ኢዩ። ኣብ መንጎ ህላዌ ኤርትራ ኣሎ። ኤርትራ ብምርጫኣ ዘይኮነስ ብተፎጥሮኣዊ ኣቀመምጣ ኢያ ንቐይሕ ባሕሪ ተጸጊዓቶ። ህላወ ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነባሪ ኢዩ። ቀይሕ ባሕሪ፣ ንህላዌ ኤርትራን ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ኣራኺቡ። እቲ ቐዳማይ ተፎጥሮኣዊ ኢዩ እቲ ዳሕረዋይ ግን ሰብ ሰርሖ ኢዩ። ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣገዳሲ ዝኸዉን ክሳብ ዓብላልነት  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብዚኣ ዓለም ዘሎ ኢዩ። ንሕና ኤርትራዊያን ንኹሉ ተጻባኦታት  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኽንዝርዝሮን ኽንከታተሎን ዓቕሚ ይሓጸረና ኢዩ። ሓንቲ ከም ኣብነት ኽጠቕሰልኩም።  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ንመብዛሕቲኦም መራሕቲ ኣፍርቃ ብገንዘብ ዓዲጎም፣ እሞ ኸኣ ናይ ባህ ኣይበሎ፣ መታን ንኤርትራ ኣዚዩ ከሕምማ ብማለት፣ ኣብ ፈታዊት ሃገረ ኤርትራ ዝነበረት ሊብያ ብመሪሕነት መራሒ ሊብያ ዝነበረ፣ ነቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ መራሕቲ ኣኪቦም እገዳ ንኤርትራ ዉሳኔ ከምዘሕልፍ ጌሮም። ኣስተውዕሉ ንመላእ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከዕድግ ዘኽእል ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም ሓይሊ ምዃኖም።  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፣ ሃብቲ ኣለዎም፣ ዓቕሚ ኣለዎም፣ ሰላምን ዕብየትን ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ሃገር ንምዝራግ ኣይእግሞምን ኢዩ። ንኤርትራ ንምጽባእ ንኣሰታት ሰማንያ ዓመት ሰሪሖም። ኣብ 1930ታት ሃይለስላሴ ንሶማልን ጂቡትን ኣንዳቛመተ ኸሎ ይትረፍካ ንኤርትራ ጠምት ኢሎም ሓደ ኣዚዩ ክኢላ ዝኾነ ዲፕሎማት ጆን ስፔንሰር ዝብሃል ልኢኾም ኤርትራ ብናይ ጆን ስፔንሰር ረቂቕ ብልሓትን ምህንድስናን ብፌደሬሽን ከምትቑነር ጌሩ። ጆን ስፔንሰር 'ኢትዮጵያ ኣት በይ' ትብል መጽሓፍ ጽሒፉ ኩሉ እቲ ዘጋጠመ ነገር ባዕሉ ጽሒፍዎ ኣሎ። ሓንቲ ኣብነት ኽጠቕሰልኩም። ሃጸይ ሃይለ ሰልሴ ፌደሬሽን እንታይ ከምዝኾነ ምርዳእ ምስኣበዮ ንጆን ስፔንሰር ንምንታይ ንኤርትራ ኣብ ክንዲ ፌደሬሽን ዘይንጥቕልላ ኢሉ ተወኪስዎ ኢዩ። ጆን ስፔንሰር ከምዝበሎ ንሃጸይ ሃይለስላሴ ''ድሕሪ ፌደሬሽን ግዜ ምስ ከደ ኽትጥቕልላ ኢኻ'' ኢልዎ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ናይ ጆን ስፔንሰር ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝተቐመጠ ሓቂ ኢዩ። እምብኣር ብሰንኪ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኤርትራ ንሰላሳ ዓመት ኣብ ዉግእ ከምትጽመድ ተጌሩ። ኣብ 1991 ነጻነት ኤርትራ ግድን ምስ ኮነ ሓድሽ ስትራተጂ ኢሎም ዝሓንጸጹዎ ኣብ ክንዲ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ነቲ ዉሁብ ተቐቢልና ምስ ኤርትራ ተመሓዚና ረብሓና ነቐድም ኢሎም። ነዚ ጽሑፋት ናይ ሄርሞን ከሆን ምግልባጥ እኹል ኢዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ሉኡላዊነት ኤርትራን ክዛነ ኣይክኣለን። ኤርትራ ቐዳምነት ንሉዕላዊነታ ኽተቐድም ከላ ምስ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ተጋጭዩ። እቲ ዝርዝር ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ቦታ ኣይኣኽሎን ኢዩ። ኮይኑ ግን መረዳእታ ክኾነኩም ምእንቲ ንዕብየት ኤርትራ ኣገዳሲ ዝነበረ ፕሮጆክቲ ኣናዳርኮ ማዕረ 20 ምልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ጥንጥን ኣቢሎሞ ከይዶም። ብኣንጻሩ ምስ እዚ ናይ ሎምዘበን ጁንታ ብእዋኑ ግን ወያኔ ዝፍለጥ ዝነበረ ስሱዕ፣ ኣሪሒቑ ዘይጥምት፣ ኣብ ክንዲ ሰላምን ዕብየትን ሕዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዘቐድም፣ ግዝያዊ ረብሓታት ሰዲዑ ንሕዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሽግር ዘእቱ ንተጻብኦ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣንጻር ኤርትራ በመርሕነት ዶክቶር ሽን ተጸሚዱ። እንሆ ከኣ ን26 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ህዉከትን ዕግርግርን ብሰንኪ ጁንታ ንርከብ። እምብኣር ንሕና ኤርትራዊያን ነዚ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ክንሕዞ ይግባእ። ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ኤርትራዊያን ታሪኽ ዘገብትን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ስትራተጂ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዘጽንዕን ዝከታተልን ኣካል ቆይሙ ብዕቱብ ኽንከታተሎ ይግባእ። እዚ ዝቐዉም ኣካል ስርሑ ንጹር ኢዩ። ብዛዕባ ስትራተጂካዊ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዘጽንዕን ዝከታተልን ኮይኑ በብእዋኑ ንሕዝቢ ጸብጻባት ዘቕርብ ኢዩ ክኸዉን። መንግስቲ ኤርትራ ስርሑ ዝፈልጥን ኣካይድኡን ትሕዝትኡን ባዕሉ ዝመርሕ ስለዝኾነ ኣብዚ ስክፍታ ክህሉው የብሉን። እዚ ዝቐዉም ኣካል ዝብሎ ዘሎኹ፣ ናይ ጉዱሳት ኤርትራዊያን ኮይኑ ግን ደገፍ ናይ ሕዝብን መንግስትን ዘለዎ ክኸዉን ይኽእል። ኣብዚ ግን ምድንጋራት ከይፍጠርን ኣብዘየድሊ ሓሸዉዬ ከይእቶ ምእንቲ እቲ ኣበርክቶ ናይዚ ክኽቀዉም ኣሎዎ ዝብሎ ዘሎኹ ኣካል ንጹር ኢዩ። ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝከታተልን መጽናዕታት ኣንዳኣካየደ ንሕዝብ ዝገልጽ ኢዩ ክኸዉን ዝኽእል። ኣብ ካልእ ሃተዉትው ኣያኣቱን ኢዩ። ሓንቲን ንጽርትን ስራሕ ጥራሕ ኢያ። ንኣብነት ኣብዚ እዋን'ዚ ንስትራተጂክ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዘገልግል ዝነበረ ጁንታ ኸብቅዕ ኢዩ። ቀጻሊ ከመይ ኢዩ ክኸዉን? ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ጠጠው ኣይክብልን ኢዩ። ብሕጂኸ ብኸመይ ኢዮም ክመጹ? ዋላ ኡኳ ሕጂ ንዓና ግልጺ ኣይኹን እምበር  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ናቶም መደብን ዉጥንን ኣለዎም። ብዝኾነ ከም መበገሲ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ኣብ ደሃይ ሓደ መድረኽ ባዛዕባ ስትራተጂካዊ ረብሓ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ጥራሕ ኽንከታተለሉን በብዓቕምና ኽነበርክተሉ ንኽእል መድረኽ እንተዝፍጠር ምበልኩ።
ኣብ መወዳእታ ኽብሎ ዝደሊ ንምንታይ ኢኻ ኣብ ስትራተጂካዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ጥራሕ ኣቶኩርካ ትዛረብ ኤርትራ ካልኦት ተጻባእቲ የብላን ዲያ ኽትብሉኒ ትኽእሉ። ንኣብነት ከም ብዓል ጁንታ፣ ዶክቶር ሽን፣ ማርቲን ፕላዉት፣ ከምኡ'ዉን ሓደ ኖርወጃዊ ጻዕዳ ኣሎ ብዛዕብኦምከ እንታይ ትብል ኽትብሉኒ ትኽእሉ። መልሰይ ግን ሓጻር ኢያ። ኣነ ምስቲ ዝነኸሰኒ ኸልቢ እንታይ ጉዳይ ኣሎኒ። ምስቲ ዋና ናይቲ ከልቢ ኢዩ ጉዳየይ። አዝን ውድሓንኩምን።
Best regards
Tesfamicael Yohannes Teckle
Oslo, Norway


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events