Dehai

ብሰላም ዕረፍ፤ ኣምላኽ/ረቢ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 15 November 2021


Inline image

ሃገርና ዕድሚኡ ሙሉእ ዘበርከተላ ጅግና ከሲራ ኣላ። እቲ ሓዘን መሪር’ዩ። ሃገር ክትድበስ ንዓላምኡ ክንስዕብ ሕድሩ ከነተግብ ጥራሕ’ዩ ዘሎና።  ንስዉእ መንእ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ። ንስድራ ቤቱን መሳርሕቱን ብሓፈሽኡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃበና።

ኩቡር ብጻይ፤
ዘይስማ ሰሚዔ ሕማቕ ወረ፤
ሕልና ዘይቅበሎ ካብ ዕረ ዝመረረ ፤
ጅግና ተሰዊኡ ዝብል ተባራሪ ወረ።

ከይዛረብ ዝብሎ ጠፊኡኒ፤
ስቕ ከይብል ሕልናይ ገዲዱኒ፤
ሓቂ ክፈልጥ ውሽጠይ ረቢሹኒ።

ሃሰውሰው ኢለ ቁጽሪ ተለፎናት፤
ክድውል ክሓትት ንዝብሎም እሙናት፤
ቀጸልኩ ድኣ ክውከስ ለባማት።

ኣማስዩኡስ ኣይወጻእኩን ካብ ዝፈራሕኩዎ፤
ጅግና ከምተሰዉኤ ብኤረ-ቲቪ ሰማዕኩዎ፤
ዓለም ብላሽ ምኹዋና ተገንዘብክዎ።

ኣብ ስራሕ ከለኻ ኣብ ወጻኢ ሃገር፤
ህዝቢ ኣኪብካ ክትነግር ዝንገር፤
ሞት መጸት ሞት እዛ ፈገር፤

ጅግና ብጻይ፤
ሕጊ ተፈጥሮ የቡሉን ሞጉዋቲ፤
ንጅግና ይኹን ሕማቕ ፍርዱ ሓንቲ፤
ግዜኻ ኣኺሉ ክትቅበል መስዋእቲ፤
መንፈስካ ወሪስና ኣሎና ኩቡር ርስቲ፤
ዓላማኻ ክንቅጽሎ ኢና ሰሚርና ብትዕግስቲ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፤
ዓወት ንሓፋሽ፤
ገብረንጉስ መስመር፤




ኩቡ


Sent from Yahoo Mail for iPhone

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events