Dehai

"ዕላማን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን [ህግሓኣኤ/ሻዕብያ]" ማለት ብሓጺሩ...

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 12 November 2021

ሓምለ 16, 2021 ኣብ [FB] ዝተቐመረን ቁሩብ ሕጂ ስፍሕ ዝበለን 
==========================================
መበገሲ ስነ-ሓሳቡን ዕላምኡ ብግቡእ ዝፈልጥን ንኸዕውቶ ብዘይ ተጉላባ ጸኒዑ ዝቃለስን፣ ጸላኢ 'ብብረቱን ብንብረቱን' ምቅላሱ፣ 'ሕማቕ ሰብን ዘይጠቅም ብረትን/ሓጺንን የሎን' 'ካብታ ዝነኣሰት መርፍእ ስጋብ'ታ ዝዓበየት መድፍዕ' ብግቡእ ምጥቃም ብዝብል ጭርሖ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝሰርሓሉ፣ ተመጽዋትነትን ጽግዕተኛነትን ወሽለክለኽን ዝጽየፎን ኣንጻሩ ዝቃለስን ኣብ ገዛእ ርእሱ/ነብሱ ዝተኣማመንን ብመትከል ኣሚኑ ግምባሩ ሂቡ ዝቃለስ፣ ብጃህራን ፈኸራን ጉራን ጸላእቱ ዘይጸዓድን ዘይብርከኽን፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ገስጋሲ ስነ-ሓሳብ ወኒኑ ብመትከል ዝሰርሓሉ፣ ንኹሉ ወዲ ሰብ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ብማዕረ ዝጥምትን ዘምህርን ብሓባር ኣብ ስራሕ ዘሳትፍን ዘንቕሕን ዝውድብን ዘዕጥቕን ርእሰ-ተኣማንነት ዘስንቕን፣ ዓው ዓው ከይበለን ከይፈከረን ከይተጃህረን ብስቕታ ምስጢሩ ዓቂቡ ሃገራውን ወትሃደራውን ተልእኮ ብዓወት ዝፍጽምም፣ ንኽወግእዎን ንኸጥፍእዎን ዝመጹ ተጻያት [ጸላኣቱ] በቲ ዝፈልጥዎ ቛንቋ ኣዔጊሱ ማሪኹ ተከናኺኑ ኣምሂሩ ኣንቂሑ ኣእሚኑ ኣብ ጐኑ ኣሰሊፉ ዘቃልስን፣ ንዓሌታውያንን ወገናውያንን ጸበብትን ንጥሩፋት ሃይማኖታዊ ኣረሜናውያንን [Ethno-Centric Regionalists Ultra Religous Faschists] መርዘን ሕማም ርእሲ ዝኾነ ኣንጻሮም ብትብዓትን ብግብርን ዝቃለስን መድሃኒት ሂቡ ዘዕግስን ገስጋሲ ውድብ [ኣድማሳዊ ባእታ] እዩ።  

   ህ•ግ•ሓ•ኤ•/ሻዕብያ ኣብ ባይታ ብግብሪ!
"ንጸላኢ ብንብረቱን ብብረቱን"

ጅግና ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ [E•P•L•F•/Shaebia]፣ በትሪን ሻፎን [ሸቲት] ስላዕን ሻቦጥን ጥራይ ሒዙ ንሜዳ  ወሪዱን ተሰሊፉን፣ ካብ'ቲ ዝነኣሰ ብረት ካላሽን ስጋብ'ቲ ዝዓበየ ንኣብነት ከም ብሬን ዶሽካ ዙ-23 ዝተፈላለዩ መዳፍዕን ተወንጨፍቲን [Rockates & Missiles] ታንክታትን ጸረ-ናይ ኲናት ነፈርትን ጸር-ታንክን ኰታ ኣሎ ዝበሃል ዘመናዊ ኣጽዋርን ብኽቡር መስዋእቱ ካብ መግዛእታዊ ወትሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ [ደርጊ] ነበር መንዚዑን ማሪኹን፣ ንዕኦም ድማ ተመሊሱ ብኣጽዋሮም ሓሚሉን [ወቒዑ]  ደማሲሱን ዓወት ጨቢጡ ናብ'ታ ርስቱ ተመሊሱ።
~~~~~~~~~~~~~
"እምነተይ'ዩ......ህዝባዊ ግምባር"

ብስነ-ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ዳሽም ምስግና

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4030366230351720&id=100001351497949
~~~~~~~~~~~~~
ሓንቲ ካብ ማእለያ ዘይብሉ ተግባራት ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ድማ፣ ነቶም ተሃንዲዶም ክቐትሉዎን ክድምስስዎን ከጥፍእዎን ኣብ ዓውደ-ውግእ ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወትሃደራት ደርግ ኢትዮጵያ ማሪኹ፣ ኣብ 1980ታት ዓምፈ ከመይ ጌሩ ብሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይኣልዮም ይምህሮም የንቕሖም ነብሶም ክኢሎም ህይወቶም ከም ዝመርሑ የብቅዖም ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ብተንቀሳቓሲ ስኑድ ስእሊ ድማ ነዚ ዘይፈልጦ ክከታተላ ይዕድም።
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°
•√ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

•√ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

•√ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

•√ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
----------------------------------------------------
• "ውድብና" ኣብ ሜዳ ዝተዘመረ√

• "ዓይኖም ሰለም ከየበሉ" ኣብ ሜዳ ዝተዘመረ√

• "መርከብና" 1977 ዓምፈ√
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ሙሉጌታ በይን [ወዲ ዛግር]

• "ካላሽነይ"√
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ተመስገን ያሬድ

• "ዑፈይ ስመርለይ" ክባሃል ዪ ጽባሕ ደወል ብስራትኪ ግድን ዩ ክጋዋሕ ኤረየ ኤረየ ኤረየ√
ብስነ ጥበባዊትን ድምጻዊትን ሳባ ዓንደማርያም

• ብዓሰርተታት ኣሽሓት ምሩኻት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 1980ታት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ√

>>> ደርፍታትን ተንቀሳቓሲ ሰነዳትን ንምርኣይ፣ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ- መላግቦ ጠውቕ >>>>

https://www.facebook.com/100001351497949/posts/3063970500324636/?sfnsn=scwspmo

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ [ህ•ሰ•ም•ሓ•ኤ•] ባህሉ ጥንታዊ ኤርትራውነት ሰረቱ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ [ህ•ሰ•ሕ•ኤ• ሻዕብያ]

√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√√

ዘመናዊ ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ፣ ባህሉ ጥንታዊ ናይ ኣቦ ኣቦ'ሓጎታትናን ሰረቱ ኣርካን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ኮይኑ፣ ብስነ-ፍልጠትን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብጻይነትን ተወፋይነትን ወትሃደራዊ ስነ-ስርዓትን ስነ-ምግባርን ማእከልነትን ጽንዓትን ተጸዋርነትን ኤርትራዊ መንነትን ተሞክሮን....ዝቖመን ዝተሃንጸን ዝሰልጠነን፣ ንጹር ዕላማ ዘለዎን ዝወነነን ሰረትን እምነ-ኹርናዕን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጅግና ሰራዊትን ዋልታን ዋሕስን ቀጻልነትን ህዝቡን ሃገሩን እዩ!!!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
~~~~~~~
https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4446024112119261&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events