ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጁንታ ዝጸንሓ ኣረኣእያ ብቅጽበት ዝቐየረት መሲላ ክትርኤ ትፍትን ኣላ። ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ቶኽላ በጊዕ ክኸውን ኣይክእልን። ዝተኸድነ እንተ ተኸድነ ቶኽላ’ዩ። ተዋስኦ ኣሜሪካ ንኤርትራውያን ሓድሽ ኮመዲ ኣይኮነን። ግን ልብን ትዕግስትን ጌርካ ምዕዛቡ ኣገዳሲ እዩ። ሃብታም ልቦና ዝመልኦ ምሳሌታት ኣቦታትና ከይንርስዕ። ኣብነት፣1) ኣናፍራ ቆቑሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን፤2) እዛ ቡርኩታ ገለ ኣላታ፤ ---ወዘተረፈ።