Dehai

ታሪኽ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽ ጽንዓት’ዩ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 08 August 2021

ህዝባዊ ግንባር ንተጋደልትን ህዝብን እንታይ ዕጥቂ ስለ ዘዕጠቐ’ዩ መስተንክር ዝሰርሔ? ሎሚ እቲ  ዝነበረ ዕጥቂ ከም ቀደሙ ኣሎዶ?
     ኣብ ዓለም ምእንቲ መሰሎም ዝተቓለሱ ኣህዛብ ማእለያ የብሎምን።  ብፍላይ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምዕራባውያን ብዘውርዱዎ ዝነበሩ ግፍዒታት ክጻወሩዎ ዘይካኣሉ ሕብረተ ሰባት ወይ መስተውዓልቲ ውልቀ ሰባት ጸረ ግፍዕታት ጸላእቶም ክንቀሳቐሱን ሂወቶም ክኸፍሉን ተራእዮም እዮም። ኣብ ክፍለ ዓለምና ኣፍሪቃ ዝወረደ ኣስካሕካሒ ዓመጻት ክሳብ ሕጂ ብጉቡእ ተተሪኹ ዝብል እምንቶ የብለይን።  ሰባት ከም እንስሳ ክኽብከቡን ክግረፉን ክሽየጡን ተገሮም’ዮም።  ነዚ ንምቁዋም ደቂ ሰባት ኣዒንቶም ከንቁሑን ተቓውምኦም ከስፍሑን ሓጊዝዎም እኳ እንተኾነ እቲ ግፍዕታት ግን ብናህሪ ቐጸለ።  ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ብምዕራባውያን ተፈንፈኑ። መሬቶም ተወሪሱ ኣብ ገዛእ ሃገሮም  ጊላታት ናይ ገዛእቶም ክኾኑ ተገደዱ።
    ጊላታት ካብቲ ዝነበርዎ ጭቆና ክገላገሉ ኣይከኣሉን፡ ግን መንቋሕቋሕታ ንቕሓት ብዝተሓተ ደረጃ ከጥርዩ ኪኢሎም ክበሃል ይከኣል። እዚ ግን ገና ግዙኣት ካብ ምዃን ኣየድሓኖም ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ዝገደደ ሂልቂት ኲናት ኣእተዎም።  ኣብቲ ደሓን ዝኾነ ስሩዕ ተቛውሞታት ምንቅስቓስ ንነጻተ ዝተበገሰ ገድልታት ከም ጨው ሓቒቐን ከም ዝተረፋ ታሪኽ ይምህረና።  ድሕሪ ምድምዳም ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ሱሳታት ጀሚረን ስማዊ ነጻነት ዝተመጽወተለን፡ ገና ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣዙር መግዛእቲ ዝነብራ ዘለዋ’የን።  ገለ ሰውራታት ካብ ኢድ ኣዙራዊ መግዛእቲ ህዝበን ክገላግላ ዝፈተና ተዓዊተን ሃገር ነጻና ዝገበራ የለዋን።  እኹል መዋግኢ ኣጽዋር ስለ ዘይነበረን ዶኾን ይኾና? ወይስ ሰብኣዊ ዓቕመን ውሑድ ስለ ዝነበረ? ሓገዝ ካብ ካልኦት ሃገራት ስለ ዘይረኸባ? ዋላስ ቁጠባዊ ትሕዝቶኤን ዱኹም ስለ ዝነበረ? እዚ ዝተጠቕሰ ነጥብታት እንተዝነብረን ምተዓወታዶ? ኣይመስለንን።  ምኽንያቱ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ኣስፊረየን ዘለኹ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ከዕውታ ዝኸኣላ ነጥብታት ሓንቲኳ ስለ ዘይነበረን ኣይተዓወታ።
    ፕረስደንቲ ኢሰያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝበሎ ትዝ ኢሉኒ፡ ” ኣጽዋር ኣብ ኲናት ዓቢ ግደ እኳ እንተለዎ፡ እቲ ወሳኒ ግን ሰብ እዩ።  ሕማቕ ብረት የለን ሕማቕ ሰብ እምበር።  ሰውራና ክዕወት ኣጽዋር ብቐዳምነት ኣይሰራዕናዮን።  ሰብና እዩ ብቐዳምነት ዝስራዕ፡ ንሱ ከኣዩ ንዓወትና ወሳኒ ዝገብሮ “ ኢሉ ኔሩ።  ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ሰውራና ሲዒሩ ነጻነት ከበስር ከሎ ብጀካ ብቕልጽሙ ካብ ጸላኢ ዝማረኾ ኣጽዋር ካልእ ኣይነበሮን። ሰውራና ነቲ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ መዋዳድርቲ ዘይነበሮ ብብዝሒ ሰራዊት፡ ኣጽዋር፡ ኣማኸርቲ ውግእ፡ ገዚፍ ዓቐን ቁጠባ ዝነበሮ ደርጊ ክሕምሸሽ ዝገበሮ፡ ካብ ብዙሓት ቀንዲ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣብ መትከሉ ኣስፊሩ ስለ ዝተቓለሰ እዩ።                                                                                                                                1. ንጹር ዓላማ                                                                                                                   2. ጽፉፍ ውዳበ                                                                                                                             3 ሓጺናዊ ስነ-ስርዓት                                                                                                                                  4. ዱልዱል ሓድነት                                                                                                             5. ማዕርነት                                                                                                                  6  እምነት                                                                                                                 7.  ጽንዓት                                                                                                           8. ተወፋይነት                                                                                                     9. ባዶ ብልሽውና                                                                                                                10. ኩፉት ነቐፈታ፡ ወዘተ----፡
     እዘን ዝተጠቕሳ ነጥብታት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ናይቲ ውድብ ቀንዲ ኣዕኑድ ኮይነን ናብ ፍጹም ዓወት ዘብጽሓ መስርሕ እየን። ኣብ ዝርዝራተን ምስ እንኣቱ ብወገነይ ኸምዚ ዝስዕብ ጌረ ይገልጸን።                                                                1。 ንጹር ዓላማ፡                                                                                                ህዝባዊ ግንባር ንጉዕዞ ቃልሱ ብሃስስ፡ ጠንበርበር፡ ታህዋኽ፡ ክጉዓዝ ኣይተበገሰን። ካብቲ ኣብ ዕሸሉ ከሎ  ዘጋጠሞ መሪር ተሞኩሮ ብዙሕ ስለ ዝተማህረን ዘዋህለለን ነቶም ጉዕዞ ቃልሲ ከምክኑ ዝኽእሉ ተበግሶታት መሚዩ ክጽንዕን ኣብ ኣዎንታዊ ክቕይሮም መተካእታ ዘይነበሮ ብድሆ ኮኖ። ንህዝቢ ኤርትር ቕድሚ ኣብቲ ተርርን ነውሕ ጉዕዞ ዝወስድ ቃልሲ ምእታዉ ቀዳምነት ዝሃቦ ጉዳይ ዓላማ ቃልሱ ኣነጺሩ ንተጋደልቱ ከነጸረሎም ምግባር፡ ከውኡውን ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰውርኡ ዝተኣሳሰረሉ መንገድ ክሃንጽ እዩ መሪጹ።  ህ.ግ. ነዚ ምርጫ’ዚ ክወስድ ከሎ ኣብ ብልሒ መላጸ ተተርኢሱ ኣብ ፍጹም ጸጥታኡ ሕሉው ዘይነበረሉ ምዩቕ ዝብለሉ መድረኽ ቃልሲ ምንባሩ ክፍለጥ ዝግብኦ ታሪኽና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኩልና ኤርትራውያንን ተመራመርቲ ታሪኽን ዝፈልጥዎን ክፈልጥዎ ዝግባእን ምዃኑ ግንዛበና ኩሉ ግዜ ህያው ኮይኑ ክነብር ይግባእ።  ህ.ግ. ዓላማ ዘይብሉ ቃልሲ ከም ሹም ዘይብሉ ንህቢ መዓር ዘየፍሪ ገሩ ስለ ዝወሰዶ ዓላምኡ ከነጽር ሓደ ዓቢ ክፋል ናቲ ቃልሲ ኮኖ።  ንዑኡ ከየነጸረ ዱልዱል ሰረት ዘለዎ ቃልሲ ከካይድ ስለ ዘይክእል ዓላምኡ ኣነጺሩ ጉዕዝኡ ናብ ቅኑዕ መኣዝን ኣትሓዞ። ድሕሪኡኸ ናበይ?
2。 ጽፉፍ ውዳበ፡ ውዳበ ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ይኹን ሕብረተ-ሰብኣዊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  ከም ኣብነት ሓደ ውራይ ብጉቡእ ተወዲቡ ኣጋይሹ ምስ ዘየኤንግድ ዕዉት ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ክንዲ ምስጋናን ናእዳን ውራይና ኣይግበሮ ይበሃል።  ኣብ ሰውራዊ ምስ ንምልከት ጽፉፍ ወዳበ ዘይብሉ ቃልሲ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ትሑት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዋላ እንተተዓወተ ውጺኢቱ ካብ ብልሽውና ምፍሕፋሕ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ሓሊፉ ካኣልእ ክኸውን ኣይክእልን።  ሃገር ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ኣብ ውሽጣዊ ጭቆና ተጸሚዳ ግደ ድኽነትን ህውከትን ኮይና ትተርፍ።  ህዝባዊ ግንባር ኣገዳስነት ውደባ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን  ኣጸቢቑ ስለ ዝነቕሓሉን ዝተመልከቶን ተጋደልቱን ህዝቡን ብዉርጹጽ ኣገባብ ክውድብ ዝኣክል ግዜ ወሰደ። ከም ጭርሖ ‘ሓፋሽ ይወደብ ይንቃሕ ይዕጠቕ’ ዝብል ኣብ ተግባር ዊዒሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰውርኡ ተሰሊፉ መስዋእትነት ከም ዝኸፈለ ኣብ ዘኹርዕ ታሪኽና  ተሰኒዱ ኣሎ። ስለዚ ሓያል ውዳበ ህ.ግ  ነቲ ብሓይሉ ዝምካሕ ዝነበረ ስርዓት መግዛእቲ ደምሲሱ። ኣብኡ ጥራሕ ኣይተወሰነን። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘጋጠሙና ብድሆታት ሳላ ንጹር ውዳበ ኣብ ውሽጢ ይኹን ወጻኢ ተጻባእትና ማይ ዓሙኾም ከም ዝተርፉ ገሩዎምን ይገብሮን ኣሎና።
3。 ሓጺናዊ ስነ-ስርዓት:  ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ህዝብን ጨው ዘይብሉ ምግብን መቐረት የብሉን ክብሃል ካብ ኣቦታትና ንሰምዕ ኢና። ህዝባዊ ግንባር ነዚ ምሳለ ኣቦታትና ዝተጠቕመሉ’ዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ስነ-ስርዓት ሸለል ኢልካ ብናሓፍነት ዝሕለፍ ኣይነበረን። ኩሉ ሙሁር ዘይተማህረ፡ ጓሳ ሓረስታይ፡ ተባዕታይ ኣንስታይ፡ ቆላታይ ከበሰታይ ኣብ ውድብ ዝተሰለፈ ብውድባዊ ስነ-ስርዓት ሪዒሙ ክቅየድ ኣለዎ። ደርባዊ ይኹን ጸታዊ ፍልልይ ዘየፍቅድ ስነ-ስርዓት (ዲሲፕሊን) ኣብ ህዝባዊ ግንባር ጽቡቕ ባህሊ’ዩ ኔሩ። ትእዛዝ ብታሕጓስ ምቕባልን ምፍጻምን፡ ብስ-ነስርዓት ምሕታትን ምምላስን፡ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ምክብባርን ምትሕልላይ ካብ ዘሕደረሎም ሓደ ኣምር’ዩ። ከም ኣብነት ርሑቕ ከይከድና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክንወስድ ንኽእል። ብብዝሒ ሰራዊት፡ ኣጽዋር፡ ቁጠባ፡ ህዝቢ፡ ንህዝባዊ ግንባር ብተዓጻጻፊ ትበልጻ ኔራ’ያ። ሃገራት ኣብ ጎና ዝነበራውን ኔረን እየን። ክትፈርስ ዝኸኣለት ብሓይሊ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነትን። ኮምኡ ዝመስሎ ሰብ እንተሎ ግጉይ’ዩ። እቶም ሕጂ ኣብ ስደት ኮይኖም ተጣበቕቲ ተ.ሓ.ኤ. ዝመስሉ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶን ነበር፡ እቲ ቀይዲ በተኽነትን ብልሹውናን ዋላውን ሽርሙጥና ብኦም’ዩ ጀሚሩ። እዘን ዓሰርተ ነጥብታት (10) ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ 95% ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቁቡላት ኣይነበራን።    ስነ ስርዓት (ዲሲፕሊን) ዘይብሉ መሪሒነት ሰራዊት ክጥርንፍ  ኣይክእልን’ዩ። እቲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ንጹህ መንእሰይ ገና ካብ ሜዳ ኤርትራ ከይወጸ ከሎ ገዲፈሞ ዝተሰዱ እዮም። እዞም ረሳሕ ታሪኽ ዘለዎም ከኣዮም ምስ ከምኦም ዘኣመሰሉ ጠላማት ጸረ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ተቛውሞ ዝገብሩ ዘለዉ።  ህዝባዊ ግንባር ግን ምስኩሉ ውሑድ ትሕዝቱኡ ሳላ ሓያል ስነ ስርዓቱ ንጽምኢ ነጻነት ህዝቡ ዘርወየ። 
4。 ዱልዱል ሓድነት፡ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ሓደ ዝንባለታት፡ ቋንቋ፡ ደርቢ፡ ቁጠባ፡ መነባብሮ፡ ወዘተ---፡ ዘይነበረሮ ሕብረተ-ሰብ፡ ከም ሓደ ህዝቢ ብሓደ ትርግታ ልቢ ዝወቅዕ ዝገሮ። ካብኡ ተበጊስና ኢና ‘ ሓደ ሕዝቢ፡ ሓደ ልቢ’ ኢልና እንጭርሕ። ሓድነቱ ዱልዱል ስለ ዝነበረ፡ ትርግታ ልቡ ብሓደ ስለ ዝሃረመ ተኣምራት ዝሰርሔ።  ሓድነቱ ዘይተዋሕሰ ህዝቢ ዓላማ የብሉን፡ ብቐሊሉ ሙሩኽ ናይ ሓያላን ይኸውን።  ሓድነትና ስለ ዝደልደለ ጸላእትና ነቓዕ መስሎኺ ስለ ዝሰኣኑ ተደጋጋሚ በደላት ኣብ ልዕለና ዝፈጸሙን ዝፍጽሙ ዘለዉን። ሃሱሳት ደቂ ሃገር ኣስዲዕም ዝፈተንዎ ፈተነታት ክሰልጦም ከምዘይክእል ስለ ዝተማህሩ፡ እዚ ሕጂ ሳላ ዱልዱል ሓድነትና ዝተረኽበ መስርሕ ሰላም ዞባና ክድግፍዎ ይረኣዩ ኣለዉ።   
5。 ማዕርነት፡ ሚዛኑ ዘይሓለወ ጽዕነት ይዛዙ፡ ኣብ ናይ መጨረሻ መዕረፊኡ ከይበጽሔ ይወድቕ። ተሰባቢሩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ይኸውን። ህዝባዊ ግንባር ማዕርነት ኣባብላቱ ኣብ ቃልሲ ሚዛኑ ዝሓለወ ንምግባር ዘካየዶ ጻዕርታት ውሑድ ኣይነበረን። ንኣብነት ማዕርነት ደቀንስትዮ ብኹሉ ተጋዳላይ ክእመነሉ ምግባር።     ኣብ መንጎ ሱሉፋት ዝነበረ ናይ ፍልጠትን ዓቕምን ጋግ ኣብ ኩሉ መዳያት ምጽባብ። ተጋደልቲ ብብቕዓቶምን ዓቕሞምን ምምዳብ። ንጉጉይ ኣረኣእያ ዝነበሮም ቅኑዕ ሚዛን ከሕድሩ ገሩዎም‘ዩ።  ኮምኡ ሳላ ዝገበረ ቁጽሪ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ብዝሓት ዝነበሮ።  
6。 እምነት (ምትእምማን)፡ ሙሉእ እምነት ኣብ፡ ዓላማኻ፡ መቓልስትኻ፡ መሪሕነትካ፡ ምሕዳር።  ካብ ሕሹኽሱኽን ሕሜታን ነጻ ምዃን፡ ዝስምዓካ ብካህዲ ስነ-ስርዓት ሓሊኻ ምዝራብ።  ክትእርም ድኣምበር ከተጥቅዕ ዘይምሕሳብ፡፡ ክትሰምዕን ከተስምዕን ድኣንበር ከተስምዕ ጥራሕ ዘይምሕሳብ፡፡ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ብዘይ ውልውል ዓላማኻ ብዓወት ክትፍጽም የኽእለካ። ህ.ግ. ሳላ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ዘጥረ ነቲ ጽንኩር ጉዕዞ ክሰግሮ ዝኸኣለ። ሕጅውን ኣብ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. እንተተወከስና ብሰንኪ ዘይምትእምማን መሪሕነት ዝፈጠሮ ቅልውላው ምዕናው ምድብን ቅንጸላን ዝተራኤ።
7。 ጽንዓት፡ ባህሪ ይኹን ሰብ ዝፈጠሮ ጸገማት ብጽንዓት ምቕባል። ግዜ ይወስዱ ድኣንበር ጸገም ሓላፊ ምዃኑ ኣሚንካ፡ ምምካቱን ኣብ ረብሓኻ ምውዓሉን። ‘ሽግር ሓላፋይ፡ ስም ተራፋይ’ ከምዝበሓል፡ ሽግር ንወድሰብ ክመልኮ የብሉን። ከም ንህዝባዊ ግንባር ሽግራት ዘጋጠምዎ የለን፡ ግን ቦኦም ተማሪኹ ኢዱ ሂቡ እንተዝነብር ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ይኹን መንነት ኣይምሃለወናን። ሸጥ ማዓንጣ ዝተባህለሉ ምኽንያት ነቲ ቕድሚ ነጻነት ዝነበረ ጽንዓት፡ ቀጺሉ ሃገር ልዕላውነታ ከይድፈር ዝተራእየ ኒሕ ዝምስክር፡ዩ። ሳላ ጽንዓት ዝነበረን ዘሎን ሃገርና ኣውሒስና፡ ተጻብኦታት ነበርዕን ዘሎና።
8。ተወፋይነት፡  ኩሉ ትውንኖ ገዲፍካ፡ ስድራ ቤትካ ተሰናቢትካ፡ ኣብ ትኣምነሉ ዓላማ ነታ ብዝኾነ ዋጋ ክትምለስ ወይ ክትካእ ዘይትኽእል ሂወት ምሃብ። ቅድሚ ብጻይካ ንመስዋእቲ ክትቀዳደም ድልው ምዃን።  ሽግርን መከራን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ ድኻምን ሕማምን ከም ንቡር ምቕባል። እዚ ዓይነት ኣብ ዓለም ምናልባት ቁሩብ መወዳድርቲ ዘለዎ ተወፋይነት ስለ ዝነበረ ኤርትራ ዝመረጸቶም ክትወስድ ዕድል ሂቡ ነጻ ሃገር ዝገበራ። 
9。ባዶ ብልሽውና፡ ህዝባዊ ግንባር ብዝነበሮ ቁጠባዊ ትሕዝቶ እንኳንዶ ንዓመታት፡ ንሓደ ዓመት’ውን ኣትኪሉ ክዋጋእ ኣይምኽኣለን ኔሩ። ካብቶም ብዙሓት ተጠቒሶም ዘለዉ ነጥብታት ከዕወት ዝገበሮ ባዶ ብልሽውና ስለ ዝነበረ‘ዩ።  ኣብ ህ/ግ ብልሽውና ዝእመነሉ ሓጥያት’ዩ። ዝተረኽበ ትሕዝቶ በገባብ ብሞቕነን ኣብ ልክዕ ግዚኡን ቦታኡን ይውዕል ኔሩ።  ከምቲ ገመል ብዘይ መግብን ማይን ንመዓልታት ዝጎዓዝ ተጋዳላይ‘ውን ልክዕ ኮምኡ’ዩ ኔሩ።  ካብ ኩቱር ስእነት ዝተላዕለ ተስፋ ተመጊቡ ዘሕልፎ ዝነበረ ግዜ ብዙሕ‘ዩ። ጥሜት ኣይቀትልን ዘይ ሸርዳዕዳዕ ክምዝበሃል፡ ብጥሜት ዝምወት እንተዝነብር ህ/ግ ሓደ ዓመት ከይበለ ምጠፍኤ ኔሩ።  ብልሽውና ብዘይ ምንባሩ ንዘለዎ ኣተኣኻኺሉ ጸገም ሓሊፍዎ።
10。ክፉት ነቐፈታ፡   ኣብ ሰውራ ኤርትራ ነቐፈታ ስለ ዝነበረ ኩሉ ተጋዳላይ ካብ ጉድለታት ክርሕቕን፡ ኣእሙሩኡ ክበልሕን ጌሩዎ‘ዩ። ጌጋ ቅድሚ ምፍጻሙ ደጊሙ ክሓስብን ቅኑዕ ክገብር ኣኽኢሎዎ።  ብጋህዲ ኣብ ኩሉ ኣባል ዘለዎ ንሓደ ብጻይ/ብጸይቲ ምንቃፍ፡ 1- ንዝንቀፍ መኣረምታ፡ 2- ንሰማዕቲ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይድገም መምሃሪ ዝጥቀሙሉ ናብ ቁኑዕ ማኣዝን ዝወስድ መስርሕ’ዩ ኔይር። ኩሎም ተጋደልቲ በዚ ኣምርዚ ነቒሖም ንነቐፈታ መፋቐሪ ድኣንበር መጻልኢ ገሮም ኣይርእዩዋን ዝነበሩ። ካብ ኩቱር ጠቕሚ ነቐፈታ ምርዳእ ተጋደልቲ ብብጻዮም ወይ ብብጸይቶም ክሳዕ ዝነቕፎ  ኣይጽበዩን ኔሮም። ኣብታ ጌጋ ኮይና ዝተሰማዓቶ ሰዓት፡ ባዕሎም ኣብ ቅድሚ ብጾቶም ነፍሶም ይነቕፉ ኔሮም። እዚ ሓደ መስርህ ንቓልሲ ቕድሚት ከሰጉሞ ዝኸኣለ።  እዞም ዝተጠቕሱ ክብርታት ህያው ኮይኖም ንዎሎዶታት ክተሓላለፉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሓላፍነት'ዩ።
ሎሚ እቲ  ዝነበረ ዕጥቂ ከም ቀደሙ ኣሎዶ? ንዝብል ሕቶ መልሱ ነንበብቲ ይገድፎ።
ነባሪ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና፡                                                                                    ዓወት ንሓፋሽ፡                                                                                            ገብረንጉስ መስመር                                                                                                       ሰነ 7, 2018
**ናብ ኣዕሩኽቱኹም ከተተሓላልፉዋ ብትሕትና እሓትት።


Sent from Yahoo Mail for iPhone

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events